Tigrigna Grade 4 Text Book

Download as pdf or txt
Download as pdf or txt
You are on page 1of 192

ትግርኛ

መፅሓፍ ተምሃራይ
4ይ ክፍሊ

ጉጅለ መዳለውቲ
ፍቓዱ ገብረእግዚአብሄር ምርግጋፅ ፅርየት
መብራህቱ ገብረመድህን ኣባተ ካሳሁን
ኢሳያስ ታጀበ

መተሓባበሪ
ኣሰፋ በላይ

ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴራላዊ


ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ
እዚ መፅሓፍ ብዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (United States Agency for International

Development (USAID) ኣቢሉ ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ ብዝተረኸበ ገንዘባውን ቴክኒካውን ሓገዝ፣

ብሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ብቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን ፕሮጀክት READ TAን ተዳሊዉ፡፡ ወፃኢ

ሕትመት ድማ ብፕሮግራም ምርግጋፅ ፅርየት ሓፈሻዊ ትምህርቲ 2 (General Education Quality

Improvement Program (GEQIOP II) ተሸፊኑ፡፡

ሕጋዊ በዓል መሰል ቅዳሕ እዚ መፅሓፍ © 2006 ዓ.ም ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዲሪኢን ቢሮ

ትምህርቲ ክልል ትግራይን እዮም፡፡

ISBN: 978-99944-2-315-6
ትሕዝቶ

1ይ መንፈቕ ዓመት
ኣርእስቲ ገፅ
ሰሙን 1 ------------------------------------------------------ 1
ሰሙን 2 ------------------------------------------------------ 7
ሰሙን 3 ------------------------------------------------------ 13
ሰሙን 4 ------------------------------------------------------ 19
ሰሙን 5 ------------------------------------------------------ 25
ሰሙን 6 ------------------------------------------------------ 31
ሰሙን 7 ------------------------------------------------------ 37
ሰሙን 8 ------------------------------------------------------ 43
ሰሙን 9 ------------------------------------------------------ 48
ሰሙን 10 ------------------------------------------------------ 54
ሰሙን 11 ------------------------------------------------------ 60
ሰሙን 12 ------------------------------------------------------ 66
ሰሙን 13 ------------------------------------------------------ 72
ሰሙን 14 ------------------------------------------------------ 78
ሰሙን 15 ------------------------------------------------------ 84

2ይ መንፈቕ ዓመት
ሰሙን 16 ------------------------------------------------------ 90
ሰሙን 17 ------------------------------------------------------ 96
ሰሙን 18 ------------------------------------------------------ 102
ሰሙን 19 ------------------------------------------------------ 107
ሰሙን 20 ------------------------------------------------------ 113
ሰሙን 21 ------------------------------------------------------ 119
ሰሙን 22 ------------------------------------------------------ 125
ሰሙን 23 ------------------------------------------------------ 131
ሰሙን 24 ------------------------------------------------------ 137
ሰሙን 25 ------------------------------------------------------ 143
ሰሙን 26 ------------------------------------------------------ 149
ሰሙን 27 ------------------------------------------------------ 155
ሰሙን 28 ------------------------------------------------------ 161
ሰሙን 29 ------------------------------------------------------ 167
ሰሙን 30 ------------------------------------------------------ 173
ማህደረ ቃላት ------------------------------------------------------ 179
ኣጠቓቕማ እዚ መፅሓፍ ንወለዲ

መእተዊ

እዚ 4ይ ክፍሊ መፅሓፍ ተምሃራይ ኣካል እቲ ህፃናት ኣፎም ብዝኸፈቱሉ ቋንቋ ብዝግባእ


ምድማፅ፣ ምዝራብ፣ ምንባብን ምፅሓፍን ንምብቃዕ ዝተዳለወ ስርዓተ ትምህርቲ ትግርኛ
እዩ። እዚ መፅሓፍ ህፃናት ንባብን ፅሕፈትን ከመይ ከምዝመልኩ ከርእዩ ዝኽእሉ
መፅናዕቲታትን ባህረታት ቋንቋ ትግርኛን መሰረት ብምግባር እዩ ተዳልዩ።

መሰረታዊ መትከላት እዚ ስርዓተ ትምህርቲ፡-

1. ኣብ ቃላት ዘለዉ ድምፂ ፊደላት ነፂሎም ንኽፀርሑ፣ ዘይልሙዳት ቃላት ብዝግባእ


ንኸንብቡን ድምፂታት ዝተፈላለዩ ፊደላት ክመሃሩን ይግባእ።
2. ተምሃሮ ፊደላት ምንባብ ምስጀመሩ ሽዑ ንሽዑ በቶም ዝተምሃሩዎም ፊደላት
ዝተመስረቱ ቃላትን ምሉእ ሓሳባትን ምንባብ ክጅምሩ ኣለዎም።
3. ተምሃሮ ክእለት ምድማፅ፣ ምዝራብ፣ ምንባብን ምፅሓፍን ንምምላኽ ዘኽእሉ
ብዙሓትን ተደጋገምቲን መልመዲታት ክቐርቡሎምን ብአኦም ክለማመዱሎምን
እንተለዉ እዩ። ፅዑቕ ልምምድ እንተኣካዪዶም ብዓርሰ እምነት፣ ብትኽክልን
ብናህሪን ከንብቡ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ብዝርርብ ኮነ ብፅሑፍ ብትኽክልን ብግልፂን
ሓሳቦም ክገልፁ ይኽእሉ።
4. ተምሃሮ ሓደስቲ ቃላት እንተንብቡን እንተዳምፁን ፍታሕ እቶም ቃላት እውን
ክመሃሩ ኣለዎም። እዚ እንተፈሊጦም ብዛዕባ እንታይ ከምዘንበቡ ይግንዘቡ፤ ነቲ
ቋንቋኦም ድማ ብዝርርብ ኮነ ብፅሑፍ ብዝግባእ ይጥቀሙ።
5. ተምሃሮ ዘዳምፁዎምን ዘንብቡዎምን ፅሑፋት ብዝግባእ ምእንቲ ክርድኡዎም
ዝተፈላለዩ ክእለታት ኣንቢብካ ምግንዛብ ከማዕብሉ ኣለዎም።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
iii
ግደ ወለዲ ኣብ ገዛ፡-

ብሓፈሻ ደቅኹም በቱ ቋንቋ ምጥቃም፣ ምንባብን ምፅሓፍን ንኽመልኩ ክትሕግዙዎም ሓላፊነት

ኣለኩም።

1. ዛንታታትን ነበረያ ነበረን ኣዘንትዉሎም።

2. ነበረያ ነበረ ንኽነግሩኹምን ዝረአዩዎም ክስተታት መሊሶም ንኸዘንትዉ ሕተቱዎም።

3. ዝተነበበሎም ወይ ዝተነገሮም ዛንታ፣ ፅሑፍ ወይ ወግዒ ዝፈጠረሎም ስምዒት መሰረት

ገይሮም ሓሳቦም ንኽገልፁ ኣተባብዕዎም። ብኸምዚ ኣዳሚፅካ ወይ ኣንቢብካ ናይ ምግንዛብ

ተኽእሎኦምን ልሳነ ርቱእነቶምን ይምዕብል።

4. ዛንታታት ሰሓባይ ብዝኾነ መንገዲ ኣንብቡሎም ወይ ንኽንበበሎም ግበሩ። በዚ ንባብ

እንታይ ዓይነት ድምፀት ክህልዎ ከምዝግባእ ይፈልጡ። ብተወሳኺ ድልየት ንባብ

ንኽለዓዓል ይሕግዝ። ብምቕፃል እቲ ዘንበብኩምሎም ወይ ዝተነበበሎም ዛንታ ብዛዕባ

እንታይ ከምዘውግዕ ክግለፀሎም ይግባእ።

5. ህፃናት ንባብ እንትጅምሩ ኣብዚ መፅሓፍ ዘለዉ ወይ ካልኦት መጠንቲ ፅሑፋት ብምሃብ

ንኸንብቡ ኣተባብዑዎም። ሓድሓደ ቃላት ንምንባብ እንትፅገሙ ግቡእ ሓገዝ ግበሩሎም።

6. ህፃናት ርእሶም ክኢሎም ንኸንብቡ ኣለማምዱዎም፣ ኣተባብዑዎም።

7. ህፃናት ንመሓዙቶም ወይ ንስድራኦም በብመዓልቱ ዝረእይዎ ክስተትን ስምዒቶምን

ዝገልፁ ሓፀርቲ ፅሑፋት ንኽፅሕፉ ኣተባብዑዎም፤ ተኸታተሉዎም።

ትሕዝቶ መፅሓፍ ተምሃራይ

ንኡሳን ክፋላት እዚ ትምህርቲ፡-

ኣብዚ መፅሓፍ ኣብ ሕድሕድ ሰሙን ሓሙሽተ ንኡሳን ክፋላት ኣለዉ። እቶም ንኡሳን

ክፋላት ምስ ሕድሕድ ትምህርቲ ዝተዛመዱ እዮም።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
iv
ኣዳሚፅካ ምግንዛብ
እዚ ክፋል ትምህርቲ ኣብ ኣዳሚፅካ ምግንዛብ ዘድሃበ እዩ።
ህፃናት ኣብ እዋን ትምህርቲ ምድማፅ፡-
ህፃናት ኣብ እዋን ትምህርቲ ምድማፅ፡-

• ብመምህር ዝቐርብ ነበረያ ነበረ፣ ዛንታ ወይ ፅሑፍ የዳምፁ፣

• ምሰ እቲ ፅሑፍ ዝቐረበ ርእሲን ስእሊን የስተንትኑ፣

• ካብቲ ዘዳመፁዎ ፅሑፍ ዝወፁ ሕቶታት ብዝግባእ ይምልሱ፣

• ኣብ እቲ ዛንታ ዘለዎም ኣረኣእያ ብቓል ወይ ብፅሑፍ ንመሓዙቶም ይነግሩ።

ግደ ወለዲ ኣብ ገዛ፡-
• ካብቲ ዘዳመፁዎ ዛንታ እንታይ ከምዝዝክሩ ሕተቱዎም።

• ካብቲ ዘዳመፁዎ ሓደሓደ ሓሳባት ወይ ዝዝክሩዎም የመና ጠቐምቲ ዝብሉዎም

ቃላት ንኽፅሕፉ ግበሩ።

• ነቲ ዛንታ መሊሶም ንኸዘንትዉ ይግበሩ። እዚ ነቶም ህፃናት ኣዝዩ ሓጋዚ ተግባር እዩ።

ምጥማርን ምንፃልን
ትኹረት እዚ ንኡስ ክፋል፤ ኣብ ምንባብ ቃላትን ኣብ ውሽጢ ቃል ዘለዉ ፊደላት ወይ

ምእላዳት ብምንፃል ፊደላትን ምእላዳትን ንኽፀርሑ ብምግባር ክእለት ንባብ ምዕባይ እዩ።

እቶም ተምሃሮ ከድህቡ ዝግባእ ኣብ ፍታሕ ዘለዎም ጥብቆታትን እዩ።

ኣብ እዋን ትምህርቲ ምጥማርን ምንፃልን፣ ህፃናት፡-

• ቃላት ይጠምሩ፤ ድምፂ ሕድሕድ ፊደል ነፂሎም ይፀርሑ፤ ነቶም ፊደላት ጠሚሮም

ቃላት ብግቡእ የንብቡን ይፅሕፉን፣

• ቃላት ይንፅሉ፤ ነቶም ቃላት ናብ ብርኪ ፊደል ወይ ምእላድ ነፂሎም ይንብቡን

ይፅሕፉን፣

• ኣብ ውሽጢ ቃል ዘለዉን ጥብቆታት ወይ ምእላዳት የንብቡን ይፅህፉን።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
v
ግደ ወለዲ ኣብ ገዛ፡-
ቃላትን ምእላዳትን ከመይ ከምዝጠምሩን ከምዝንፅሉን ንኸርእዩኹም ሕተቱዎም። ኣብ

ፅሑፋት ዘለዉ ነዋሕቲ ቃላት ብምምራፅ ኣለማምዱዎም። ከምዚ ዝበለ ልምምድ ህፃናት

ነቲ ከይዲ ምጥማር ምንፃል ብዝግባእ ክመልኩዎ ይግሕዞም።

ዓርሰ ንባብ
ትኹረት እዚ ንኡስ ክፋል፣ ተምሃሮ በብደረጃኦም ክግንዘቡዎም ዝኽእሉ ሓፀርቲን ሓበርቲን

ፅሑፋት ንኸንብቡ ምልምማድ እዩ።

ኣብ እዋን ትምህርቲ ዓርሰ ንባብ ህፃናት፡-

• ዝቐረበሎም ፅሑፍ የንብቡ፣

• ካብቲ ምንባብ ንዝወፁ ሕቶታት ምላሽ ይህቡ፣

• ትሕዝቶ እቲ ምንባብ ኣመልኪቶም ይመያየጡ፣

• ኣብቲ ምንባብ ዘለዎም ግንዛበ ብፅሑፍ ይገልፁ።

ግደ ወለዲ ኣብ ገዛ፡-

ኣብዚ ዕለት ዝመሃሩዎ ምንባብ ብምርኣይ ንኸንብቡልኩም ኣተባብዑዎም፤

• ኣብ ሕሉፍ ግዘ ዘንበቡዎ ፅሑፍ ምስረአኹም ደጊሞም ንኸንብቡልኩም ግበሩ።

• ኣብ እዋን ንባብ ዘፀግሙሎም ቃላት እንተሃሊዮም ብኸመይ ከንብቡዎም ከምዘለዎም

ብምሕባር ብትኽክል ንኽፀርሑ ኣተባብዑዎም።


• ደቅኹም ነቲ ምንባብ ንምንታይ ከምዝፈተዉዎን ወይ ከምዘይፈተዉዎ

ንኸረድኡኹም ግበሩ።

ቃላት
እዚ ንኡስ ክፋል ትምህርቲ፣ ኣብ ምምሃርን ምጥቃምን ሓደስቲ ቃላትን ከምኡ እውን ኣብ

ምህናፅ ፍታሕ ቃላትን የድህብ።

ኣብ እዋን ትምህርቲ ቃላት፣ ህፃናት ኣብ ክፍሊ፡-

• ካብ መምህር ብዝቐርብ ገለፃ ወይ ካብ ዘንብቡዎ ፅሑፍ ሓደስቲ ቃላት ይመሃሩ፣

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
vi
• ቃላት ምስ ስእሊታት ወይ ምስ መገለፂኦም ዝኾኑ ሓሳባት የዛምዱ፣

• ምስቲ ዝተምሃሩዎ ቃል ዝመሳሰል ወይ ዝፃረር ቃል ይፀርሑ፣

• ዝተምምሃሩዎም ሓደስቲ ቃላት ምሉእ ሓሳብ ወይ ዓንቀፅ እንትሃንፁ ይጥቀሙ፣

• ዝኣተዉሉ ምሉእ ሓሳብ ወይ ዓውዲ ብምርኣይ ፍታሕ ቃላት ምውሳን ይለማመዱ።

ወለዲ ኣብ ገዛ ንውላድኩም ንምሕጋዝ፡-

• ብዛዕባ ኣብዚ ዕለት ዝተምሃሩዎም ቃላት ንኽዛረቡ ሕተቱዎም።

ፅሕፈት
ትኹረት እዚ ንኡስ ክፋል ኣብ ምፅሓፍ ምሉእ ሓሳባትን ዓንቀፃትን እዩ።

ተምሃሮ ኣብ እዋን ትምህርቲ ፅሕፈት፡-

• ብቃል ዝንገሮም ሓሳብ ብምፅሓፍ ፊደላት ፈልዮም ምፅሓፍ ምኽኣሎም የመልክቱ፣

• ሓሳቦምን እምነቶምን ንምምሕላፍ ምሉእ ሐሳባትን ሓፀርቲ ዓንቀፃትን ይፅሕፉ።

ግደ ወለዲ ኣብ ገዛ፡-
• ፅቡቕ ዝበሃል ኣወዳድቓ ብርዒ ንኽህልዎም ዝርእዩዎም ምሉእ ሓሳባትን ዓንቀፃትን

ኣምሲሎም ኣብ ደብተሮም ንኽፅሕፉ ሕተቱ።

• ኣብ እዋን ፅሕፈት ዝፍፅሙዎም ጌጋታት ኣሪሞም ንኽፅሕፉ ሓግዙዎም፤

ኣተባብዑዎም።

• ኣብ ዝለዓሉ ርእሰ ጉዳያት ዘለዎም ግንዛበ ንምግላፅ ሓፀርቲ ዓንቀፃት ንኽፅሕፉ

ኣተባብዑዎም።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
vii
ሰሙን 1
ዓርሰ ንባብ
ነባሪ ኣየር
ነባሪ ኣየር ኣብ ሓደ ከባቢ ዝውቱር ዝኾነ
ኩነታት አየር እዩ። እዚ ምስ ስነ ምድራዊ
ኣቀማምጣ ከባቢ ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎ።
እዚ ኩነታት ሓደ ከባቢ ካብ ዝግለፀሎም
መዳያት ሓደ እዩ። ነባሪ ኣየር ደጉዓ፣
ሓውሲ ደጉዓን ቆላን ተባሂሉ ኣብ ሰለስተ
ይኽፈል። ሕድሕድ ነባሪ ኣየር ናይ ባዕሉ
ዝኾነ ብራኸን መጠን ዋዒን ኣለዎ።

ደጉዓ ዝኾኑ ቦታታት ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ካብ 2,500-4,000 ሜትር ዝኸውን ብራኸ
ኣለዎም። ደጉዓ ኣዝዩ ቆራርን ኣስሓይታ ዝበዝሖን ኩነታት ኣየር ኣለዎ። እዚ ነባሪ ኣየር
ከም ሩዝ፣ ስርናይ፣ ዓልቋይን ዓረስን ዝበሉ ዘራእቲን ከም ሰሰግን ኣወሱዳን ዝበሉ ቅመማትን
ንምፍራይ ምቹው እዩ። ብተመሳሳሊ ደጉዓ ከም ኣፍራስን ኣባጊዕን ንዝበሉ እንስሳት ዝሰማማዕ
ነባሪ ኣየር እዩ።

ሓውሲ ደጉዓ ድማ ባህሪይ ነባሪ ኣየር ደጉዓን ቆላን ኣለዎ። እዚ ነባሪ ኣየር ዘለዎም
ከባቢታት ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ካብ 1,500-2,500 ሜትር ብራኸ ኣለዎም። ሓውሲ
ደጉዓ ማእኸላይ ሙቐት ኣለዎ። ኣብዚ ካባቢ ከም ዳጉሻን ጣፍን ዝበሉ ዘራእቲ ብዝበለፀ
ይሰማምዖም።

ካብ 500-1,500 ሜትር ብራኸ ዘለዎ ነባሪ ኣየር ቆላ ይበሃል። እዚ ነባሪ ኣየር ኣዝዩ ምዉቕ
ዝኾነ ኩነታት ኣየር ኣለዎ። ቆላ ንከም ምሸላ፣ ምሸላ ባሕሪ፣ ሰሊጥን ኒሁግን ዝበሉ ዘራእቲ
ይሰማማዕ። ከም ኣጣልን ኣግማልን ዝበሉ እንስሳ ዘቤት ንምፍራይ ቆላ ይምረፅ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
1
ሰሙን 1

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ነባሪ ኣየርን ኣግባብ መነባብሮን
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ተመያየጡሉ።
ኣብ ከባቢኹም ኣብ ሓጋይን ኣብ ክረምቲን
ዝህሉ ኩነታት ኣየር ግለፁ።
ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
ነባሪ ኣየር ዝውቱራት ገዛውቲ ዝውቱራት ክዳውንቲ

ደጉዓ
ቆላ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ትኽክል ዝኾነ መልሲ ዝሓዘ ፊደል ምረፁ።


1. ብኹነታት ነባሪ ኣየር ዝውሰኑ ንጥፈታት ማሕበረሰብ ኣየነዎት እዮም?
ሀ. ኣሰራርሓ ገዛ ሐ. ኣመጋግባ
ለ. ኣከዳድና መ. ኩሎም
2. ኣብ ደጉዓ ዝህነፁ ገዛውቲ ከመይ ዝበሉ እዮም?
ሀ. ንፋስ ዝበዝሖም ሐ. ሙቐት ዝህቡ
ለ. ዛሕሊ ዝስሕቡ መ. ክፍተት ዝበዝሖም

3. ካብ ቁሪ ዝከላኸሉ ክዳውንቲ ኣየነዎት እዮም?


ሀ. ጐልፎ ሐ. ጋቢ
ለ. ጃኬት መ. ኩሎም

4. ኣብ ቆላ ዝዝውተሩ ኣልባሳት _____ እዮም።


ሀ. ረቀቕቲ ለ. ረጐድቲ ሐ. ኩታ መ. ሀን ለን መልሲ እዮም
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ጠሚርኩም ኣንብቡ።
ነባሪ ኣየር ፀፍሒ ባሕሪ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
2
ሰሙን 1 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ነባሪ ኣየር
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣብ ከባቢኹም ዓመቚቲን በረኽቲን ስፍራታት ኣለዉዶ?
2. ኣብ ከባቢኹም ከመይ ዝበለ ኩነታት ኣየር ትዕዘቡ?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሰደቓ ምልኡ።
ነባሪ ኣየር ብራኸ ሙቐት
ደጉዓ
ሓውሲ ደጉዓ
ቆላ

ሐ. ምስ ኣንበብኩም ትኽክል ንዝኾኑ “ሓቂ” ንዘይኮኑ ድማ “ጌጋ” ብምባል


መልሱ።
1. ኩሎም ቆላ ከባቢታት ሓደ ዓይነት ብራኸ ኣለዎም።
2. ኣባጊዕ ኣብ ደጉዓ ከባቢታት እንተኾና ይምረፅ።
3. ብራኸ ምስ ዋዒ ርክብ የብሉን።
ቃላት
ዓውዳዊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ኣቐምጡ።
1. ዝውቱር 2. ስነ ምድራዊ 3. ፀፍሒ ባሕሪ 4. ኣስሓይታ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ዋዒ 2. ብራኸ 3. ርክብ 4. ዓመታዊ

Guyya 2
2ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናነፀልኩም ኣንብቡ።
ነባሪ ኣየር ፀፍሒ ባሕሪ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
3
ሰሙን 1 2ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ነባሪ ኣየር
ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣብ ደጉዓ ጥራይ ዝፈርዩ ዓይነታት ዘራእቲ ጥቐሱ።
2. ደጉዓ ዝሰማምዖም እንስሳ ዘቤት ግለፁ።
3. ኣብ ቆላ ጥራይ ዝፈርዩ ዘራእቲ ዘርዝሩ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ካብ “ለ” ናብ “ሀ” ብተመሳሳሊ ፍታሕ ኣዛምዱ።

ሀ 1. መለክዒ 2. ልሙድ 3. ቆራር 4. ኣዝዩ 5. ምቹው

ለ ሀ. ኣስሓይታ ለ. መዐቀኒ ሐ. ዝሰማማዕ መ. ዝውቱር ረ. ከርና

ፅሕፈት
ዋዒን ብራኸን ደጉዓን ቆላን ዘነፃፅር ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም
ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya
3ይ መዓልቲ2

ምድማፅ
ነባሪ ኣየርን ኣግባብ መነባብሮን
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ማሕበረሰባዊ ንጥፈታትን ነባሪ ኣየርን ብኸመይ ይዛመዱ?
ለ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ኣብ ደጉዓ ዝስርሑ ገዛውቲ ብ _____፣ _____ ን _____ን ጥረ ኣቑሑ ይህነፁ።
2. ኣብ ደጉዓ ከም _____ ን _____ ን ዝበሉ ገዛውቲ ልሙዳት እዮም።
3. ኣብ ቆላ ዝህነፁ ኣባይቲ ብ _____ ጥረ ኣቝሑ ይስርሑ።
4. ነበርቲ ቆላ ኣብ _____ ን _____ ን ዝበሉ ገዛውቲ ይነብሩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
4
ሰሙን 1 3ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት እናጠመርኩም ፅምዲ ቃላት መስርቱ።
ኣብነት፦ ከይዲ ስራሕ
መራሒ ስራሕ ሃገር ፍልጠት መንገዲ

ከይዲ ፍቕሪ ሰላም መኪና መኣዲ

ዓርሰ ንባብ
ነባሪ ኣየር
“ነባሪ ኣየር” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ኣብ ሕድሕድ ጉጅለ ካብ ዘለዉ ዝርዝር ቃላት ዝጥርንፍ ሓደ ቃል ፈሊኹም
ኣስምሩሉ።
1. ጎጆ፣ መረባዕ፣ ገዛ፣ ህድሞ
2. ጃኬት፣ ክዳን፣ ጐልፎ፣ ነፀላ
3. ዋዒ፣ ኣስሓይታ፣ ረስኒ፣ ኩነታት ኣየር
4. ቀይሕ፣ ፃዕዳ፣ ሕብሪ፣ ፀሊም
ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ዝዝውተር ኣከዳድናን ኣሰራርሓ ገዛን ምስ ነባሪ ኣየር ከባቢኹም
ብምዝማድ ካብ 4-5 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ንፅል ናብ ብዙሕ ቀይሩ።
1. ግመል 3. ፈረስ 5. ዘርኢ
2. ጤል 4. ኣድጊ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
5
ሰሙን 1 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ነባሪ ኣየር
ሀ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዚ ዝስዕብ ሕቶ መልሱ።
ሓደ ነባሪ ኣየር ካብቲ ካሊእ ዓይነት ነባሪ ኣየር ብምንታይ ይፍለ?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ዝርከቡሉ ዓንቀፅ ኣቐምጡ።
ሀ. መግለፂ ኩነታት ኣየር ሓውሲ ደጉዓ
ለ. መግለፂ ኩነታት ኣየር ቆላ
ሐ. ርክብ ነባሪ ኣየር ምስ ኩነታት ኣቀማምጣ ስነ ምድሪ
ቃላት
ኣብ ሰደቓ ንዘለዉ ቃላት ኣብ ታሕቲ ምስ ዝተቐመጡ መግለፂታቶም ኣስፍሩ።
ዳጉሻ ሰሊጥ ዓረስ ስርናይ ጣፍ
ሰሰግ ኒሁግ ምሸላ ኣወሱዳ ስገም
1. ዘራእቲ ________ ________ ________ ________
2. ቀመም ________ ________ ________ ________
3. እኽሊ ቅብኣት ________ ________ ________ ________
ፅሕፈት
ብመሰረት ኣብ ሰደቓ ዝተወሃበ መረዳእታ ወረዳታት ዓዲ ሰላምን ማይ ዓለምን
ዝገልፅ ካብ 4-5 ምሉእ ሓሳባት ዘለዎ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።
ወረዳ ብራኸ (ብሜትር) መጠን ዋዒ (ብሰንቲግሬድ)

ዓዲ ሰላም 2105 14.5

ማይ ዓለም 750 22

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
6
ሰሙን 2
ዓርሰ ንባብ
ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ኣየር
ስራሕ ሰብ ብኽለት ከባቢ ኣየር ብዝተፈላለዩ መንገዲታት
ምክልኻል ይከኣል። ኣግራብ ካብ ብርሰት ብምክልኻልን
ተኽሊታት ብምትካልን ብኽለት ከባቢ ኣየር
ካብ እንከላኸለሎም ብልሓታት ሓደ እዩ።
ኣግራብ ኣብ ዘይብሉ ካብ እንስሳትን ካልኦት
ነገራትን ናብ ከባቢ ኣየር ዝሕወስ ዝተቓፀለ
ኣየር ብስርዓተ ምስትንፋስ ኣይውሰድን።
እዚ ኩነት ድማ ኣብ ካባቢ ኣየር ዝህሉ መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ካብ ተፈጥሮኣዊ ዓቐኑ
ንኽዛይድ ይገብር።

ተኽሊታት ምግቢ እንተዳልዉ ካብ ከባቢ ኣየር ካርቦን ዳይኦክሳይድ ወሲዶም ከም ጐናዊ


ምህርቲ ኦክስጅን ናብ ከባቢ ኣየር ይሰዱ። ስለዚ ተፈጥሮኣዊ ዓቐን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ኣብ
ከባቢ ኣየር ከይበዝሕ ይገብሩ። በዚ ድማ ኣብ ከባቢ ኣየር ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ዓቐን ጋዛት
ይሕሎ። ስለዝኾነ ኣግራብ ንኸይበርሱ ብምክልኻልን ተኽሊታት ብምትካልን ካብ ብኽለት
ከባቢ ኣየር ነፃ ዝኾነ ከባቢ ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ።

ንመካይንን ካልኦት ነገራትን ንምስራሕ እንጥቀመሉ መጠን ነዳዲ ብምንካይ ወይ ድማ


ብውሕሉል ኣጠቓቕማ፣ ብኽለት ከባቢ ኣየር ምቕናስ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ብውሑድ
ነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ምጥቃም ይምከር። ብተወሳኺ ምግቢ ኮነ ካልኦት ነገራት ንምድላው
እንጥቀመሎም ከም ፈሓምን ላምባን ዝበሉ ነደድቲ ብምንካይ መጠን ብኽለት ንኸይልዕል
ክንገብር ንኽእል።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ከባቢ ኣየር ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘይፈጥሩ ኣማራፂ ሓይሊታት ብምጥቃም


ብኽለት ከባቢ ኣየር ምክልኻል ይከኣል። ንኣብነት ካብ ሓይሊ ማይ፣ ንፋስን ፀሓይን ዝርከብ
ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምጥቃም ፈሰስቲን ደረቕ ነደድቲን ዘስዕቡዎ ብኽለት ከባቢ ኣየር ከይህሉ
ይሕግዝ። ብነዳዲ ዝንቀሳቐሱ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት እውን ካብ ሓይሊ ማይ ብዝርከብ
ሓይሊ ኤለክትሪክ ምትካእ ይምረፅ። ብኸምዚ ካብቶም ኢንዱስትሪታት ዝወፁ ጐዳእቲ ጋዛት
ብምትራፍ ከባቢ ኣየር ካብ ብኽለት ምድሓን ይከኣል።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
7
ሰሙን 2

Guyya 2
1ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ብኽለት ከባቢ ኣየር
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ኣብቲ ስእሊ ዝረአ ትኪ ናበይ ይኸይድ?
2. ትኪ ኣብ ከባቢ ኣየር እንታይ ፀገም የስዕብ?

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት እዋን ምድማፅ መልሱ።


1. ከባቢ ኣየር ብካርቦናዊ ጋዝ እንትብከል እንታይ ፀገም የስዕብ?
2. ሽፋን መሬት እንድሕር ተጎዲኡ እንታይ ፀገም ይኽሰት?

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።


ብኽለት ከባቢ ኣየር
ሰራሕ ሰብ ተፈጥሮኣዊ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንበቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንበቡ።
ካርቦን ሞኖ ኦክሳይድ ካርቦን ሞኖኦክሳይድ
ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ካርቦን ዳይኦክሳይድ

ዓርሰ ንባብ
ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ኣየር
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ መልሱ።
ከባቢ ኣየር ከይብከል እንታይ ምስራሕ ይከኣል?
ለ. እናበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. እቶም ሜላታት መከላኸሊ ብኽለት ከባቢ ኣየር እንታይ እንታይ ይበሃሉ?
2. ፍልፍል ኣማራፂ ሓይሊ ኤለክትሪክ ካብ ዝበሃሉ ሰለስተ ጥቐሱ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
8
ሰሙን 2 1ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ንዝኾነ ‘ሓቂ’ ትኽኽል ንዘይኮነ ድማ ‘ጌጋ’


በሉ።
1. መጠን ዝቃፀል ነዳዲ እንተልዒሉ መጠን ናብ ኣየር ዝወፅእ ዝተቓፀለ ኣየር
ይውስኽ።
2. ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሓ መካይን ምጥቃም ካብ ብኽለት ከባቢ ኣየር የድሕን።
3. ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ከባቢ ኣየር ኣሉታዊ ፅዕንቶ ኣለዎ።
4. ሰብ ንብኽለት ከባቢ ኣየር ምኽንያት ኣይኮነን።

ቃላት
ብመሰረት ምንባብ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት ዓውዳዊ ፍታሕ ሃቡ።
ውሁድ ብልሓት ብኽለት ብርሰት ቁጠባ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ዓቐን 2. ነዳዲ 3. ተፈጥሮኣዊ 4. ውሕሉል 5. ምክልኻል

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ኣብ ‘ለ’ ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ ‘ሀ’ ዘለዉ ብምዝማድ ሓረጋት መስርቱ።
ሀ ለ
1. ብኽለት 2. ስርዓተ 3. ፍልፍል ሀ. ጋዝ ለ. ፀሓይ ሐ. ኣየር
4. መርዛም 5. ሓይሊ መ. ምስትንፋስ ረ. ሓይሊ

ዓርሰ ንባብ
ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ኣየር
ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ካብ ነዳዲ ዝወፅእ ጋዝ እንታይ የስዕብ?

2. ተፈጥሮኣዊ ዓቐን ከባቢ ኣየር ብምንታይ ይዛባዕ?

3. ምውሳኽ ሙቐት ዓለም እንታይ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዉዎ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
9
ሰሙን 2 2ይ መዓልቲ

ቃላት
ስዒቦም ካብ ዘለዉ ቃላት እናመረፅኩም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
ውሁድ ብኽለት ብርሰት ቁጠባ
1. ካርቦን ዳይኦክሳይድ ሓደ ኣብነት ካርቦናዊ _____ እዩ።
2. ምውሳኽ ካርቦናዊ ጋዝ _____ ከባቢ ኣየር የስዕብ።
3. ፍልፍል ሓይሊ ብ _____ ምጥቃም የድልይ።
4. ብኽለት ከባቢ ኣየር ብሰንኪ _____ ኣግራብ ይኽሰት።

ፅሕፈት
ብኽለት ከባቢ ኣየር ብኸመይ ክንከላኸሎ ከምንኽእል ካብ 4-5 ምሉእ ሓሳባት
ተጠቒምኩም ኣሕፂርኩም ብፅሑፍ ግለፁ።

Guyya
3ይ መዓልቲ2

ምድማፅ
ብኽለት ከባቢ ኣየር
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ብፅምዲ ተመያየጡሉ።
ከባቢ ኣየር ብኸመይ ይብከል?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ካርቦናዊ ውሁዳት _____ተፈጥሮኣዊ ጋዝ የዛብዑ።
2. ንመሬት ካብ ጉድኣት ዝከላኸል ሽፋን _____ ጋዝ ይበሃል።
3. ብሰንኪ መጉዳእቲ ሽፋን መሬት፣_____ ኣብ መሬት ይዓርፉ።
4. ምውሳኽ ዋዒ _____ ን _____ የስዕብ።
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ድሕረ ምድማፅ መልሱ።
1. ካርቦናዊ ውሁዳት እንታይ የዛብዑ?
2. ስራሕ ሰብን ተፈጥሮኣዊ ብኽለትን ብኣብነት ግለፁ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
10
ሰሙን 2 3ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንበቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንበቡ።

ዓለም ኣዊ ዓለማዊ
ተፈጥሮ ኣዊ ተፈጥሮኣዊ

ዓርሰ ንባብ
ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ኣየር
“ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ኣየር” ዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ
መልእኽቲ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ዝርዝር መተሓሓዝቲ ኣብ ዝምልከቶም መደብ ኣቐምጡ።
ኣብነት ቀዳማይ ብሓፈሻ በዚ ምኽንያት ስለዝኾነ
1. ንመጠቓለሊ ሓሳብ __________ __________ ___________

2. መዘርዝራዊ ሓሳብ __________ __________ ___________

3. መንቀሊን ውፅኢቱን __________ __________ __________

ፅሕፈት
ብኽለት ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ክትገብሩዎ እትኽእሉ ዝገልፅ ካብ 4-5 ምሉእ
ሓሳባት ዘለዎ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ዓለም ኣዊ ዓለማዊ
ተፈጥሮ ኣዊ ተፈጥሮኣዊ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
11
ሰሙን 2 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ኣየር
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ኣብ ከባቢኹም ብኽለት ከባቢ ኣየር ንምክልኻል እንታይ ይስራሕ?
2. ኣብ ሃገርና ዝህነፁ ዘለዉ ግድባት ኣብ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ኣየር እንታይ ግደ
ኣለዎም?
ለ. እናንበብኩም እዞም ምሉእ ሓሳባት ዝርከቡሎም ዓንቀፃት ሓብሩ።
1. ኣጠቓቕማ ኣማራፂ ሓይሊ ኣብ ምንካይ ፅዕንቶ ብኽለት ከባቢ ኣየር
2. መንቀሊታት ብኽለት ከባቢ ኣየርን ሜላታትን መከላኸሊን
3. ግደ ምክልኻል ብርሰት ኣግራብ ኣብ ምሕላው ተፈጥሮኣዊ ዓቐን ጋዝ
4. ረብሓ ምንካይ መጠን ዝቃፀል ነዳዲ
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ካብ ተኽሊታት ዝሰደድ ጐናዊ ምህርቲ ንምንታይ ይጠቅም?
2. ፈሓምን ላምባን ምጥቃም እንታይ ጉድኣት ኣለዎ?

ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ምንባብ ድለዩ።
1. ዝሰርሖም 2. ይሰዱ 3. ምንካይ 4. ፅልዋ
ፅሕፈት
ኣብ ሰደቓ ዘሎ ሓሳብ ተደሪኽኩም ነቲ ዝተጀመረ ካብ 4-5 ምሉእ ሓሳባት
ተጠቒምኩም ዓንቀፅ ዛዝሙዎ።
ብርሰት ልዑል መጠን ምምሕማሕ
ባርዕ ትኪ ፀገም ጥዕና
ኣግራብ ካርቦን ኦዞን

ባርዕ ብርሰት ኣግራብ የስዕብ። ካብዚ ዝወፅእ ትኪ ልዑል መጠን ካርቦን


ጋዝ ይሕዝ። እዚ ጋዝ . . . . .

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
12
ሰሙን 3
ዓርሰ ንባብ
ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ
ሃፍቲታት ተፈጥሮ ሰባት ዕለታዊ መነባብርኦም ንኽመርሑ
ዘኽእሎም ወሰንቲ ፀጋታት እዮም። እዞም ሃፍቲታት
ምስ ህልውና ሰባት ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎም። ፀጋታት
ተፈጥሮ ግቡእ ጥቕሚ ንኽህቡ ክዕቀቡን ኣድላዪ ክንክን
ክግበረሎምን ይግባእ። ዕፅዋት፣ ሓመድን ማይን ኣገደስቲ ሃፍቲታት ተፈጥሮ እዮም። እዞም
ሃፍቲታት ነንባዕሎም ዝተኣሳሰሩ እዮም። ስለዝኾነ ንገሊኦም ብምልማዕን ካብ ብርሰት
ብምድሓንን ነቶም ካልኦት ምክንኻን ይካኣል።

ብርሰት ሃፍቲ ኣግራብ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ምክልኻል ይከኣል። ኣግራብ ከይቑረፁ ዝተወሰነ
ቦታ ምኽላል ሓደ ሜላ እዩ። እቲ ዝኽለል ቦታ ሕዛእቲ ይበሃል። ዝበረሱ ከባቢታት ዳግመ
ግረባ ብምክያድ ኣግራብ ምልማዕ እውን ወሳኒ እዩ። ንመግሃጫ ዝዋፈራ በዝሒ እንስሳት
ምስ ስፍሓትን ለምዒን እቲ ዝወፍራሉ ከባቢ ምምጥጣን እውን ኣገዳሲ እዩ። ምግቢ
ንምብሳል ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ኣማረፂ ምጥቃም ይግባእ። ናውቲ ገዛ ንምስራሕ ድማ
ከም ፕላስቲክን ጥርሙዝን ዝበሉ ጥረ ኣቑሑ ምጥቃም የድልይ።

ኣግራብ እንተተዓቂቦም ልሙዕ ሓመድ ብማይን ብንፋስን ኣይጉሕጓሕን። እዚ ዝኾነሉ


ምኽንያት፣ ዕፅዋት ብሰራውሮም ነቲ ሓመድ ብምሕቛፍ ተጓሕጕሑ ንኸይውሰድ ስለ
ዝከላኸሉ እዮም። ብተወሳኺ ዝረገፉ ኣቑፅልቲን ጨናፍርን በስቢሶም ተፈጥሮኣዊ ድኹዒ
ይኾኑ። ዛላታት ብምስራሕ ሓመድ ካብ ምጉሕጓሕ ምድሓን ይከኣል። ሓመድ ንኸይብከል
ኣብ ከባቢ ዝድርበዩ ላስቲክን ከሚካላትን ምቁፅፃር ይግባእ።

ማይ መሰረታዊ ሃፍቲ ተፈጥሮ እዩ። እዚ ሃፍቲ ግቡእ ጥቕሚ ክህብ ምእንታን ብክንክን
ክተሓዝ ይግባእ። ኣብ ዓይነ ምድሪ ዝእከብ ፈሳሲ ጓሓፍ ናብ ማያዊ ኣካል ካብ ምፍሳስ
ምዕቃብ የድልይ። ካብ ፋብሪካታት ዝወፁ ከሚካላት ናብ ማያዊ ኣካል ክጓሓፉ የብሎምን።
ዝስተ ማይ ብፍታንን ሽንቲን እንስሳት ከይበላሸው ምሕፃር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዝተበከለ
ማይ ጠንቂ ጥዕና እዩ።

ንምጥቕላል ሰብ ተጠቃማይ ሃፍቲታት ተፈጥሮ እዩ። ካብ እዚኦም ዝረኽቦ ረብሓ ሰላማዊ


ህይወት ንክመርሕ የኽእሎ። ስለዝኾነ ነዞም ሃፍቲታት ክከናኸኖምን ከልምዖምን ይግባእ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
13
ሰሙን 3

1ይGuyya
መዓልቲ 2
ምድማፅ
ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲታት ትግራይ

ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።


ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ዘርዝሩ።
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሓፍቲታት ተፈጥሮ ኣብ ክንደይ ይምቀሉ?
2. ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ሩባታት ክልተ ፀሓፉ።
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ድሕሪ ምድማፅ መልሱ።
1. ብራኸኦም ልዕሊ 3,000 ሜ. ካብ ዝኾኑ እምባታት ትግራይ ሰለስተ ጥቐሱ።
2. ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ሃፍቲ እንስሳ ዘቤት እንመን እዮም?
3. ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ካብ ዝርከቡ ዕፅዋት ሰልስተ ጥቐሱ?

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንበቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንበቡ።

ፀጋ ታት ተፈጥሮ ፀጋታት ተፈጥሮ


ዛንታ ታት ወለዶ ዛንታታት ወለዶ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
14
ሰሙን 3 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብቓል መልሱ።
1. ዝምድና ሃፍቲታት ተፈጥሮን ሰብን ብኸመይ ይግለፅ?
2. ሃፍቲ ተፈጥሮ ምጥንኻር እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ካብዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ቃላት እናመረፅኩም ነቶም


ባዶ ቦታታት ምልኡ።
ዳግመ ግረባ ክጓሓፍ ዝተኣሳሰሩ ክዕቀቡ

1. ፀጋታት ተፈጥሮ ግቡእ ረብሓ ንኽህቡ _______ ይግባእ።


2. ሃፍቲታት ተፈጥሮ ነንባዕሎም _______ እዮም።
3. ኣግራቦም ዝበረሱ ከባቢታት ብ _______ ክለምዑ ምግባር ይከኣል።
4. ካብ ፋብሪካታት ዝወፅእ ሕፃብ ናብ ማያዊ ኣካል _______የብሉን።
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ብርሰት ኣግራብ ብምክልኻል ካብ ዝሕግዙ ሜላታት ሰለስተ ጥቐሱ።
2. ኣግራብ ንኸይቑረፁ ወይ ከይበርሱ ዝኽለል ቦታ እንታይ ይበሃል?

ቃላት
ኣብ ‘ለ’ ዘለዉ ቃላት ብተመሳሳሊ ፍታሕ ምስ ኣብ ‘ሀ’ ዘለዉ ቃላት ኣዛምዱ።
ሀ 1. መዓልታዊ 2. ዘተኣማምን 3. ዝተኣሳሰሩ 4. ምኽላል 5. ምጉሕጓሕ
ለ ሀ. ዝተዛመዱ ለ. ምሕፃር ሐ. ምሽርሻር መ. ዕለታዊ ረ. ዘላቒ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ላዕለዋይ 4. መግሃጫ

2. ጓሓፍ 5. ምብሳል

3. ብርሰት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
15
ሰሙን 3

2ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።

ፀጋ ታት ተፈጥሮ ፀጋታት ተፈጥሮ


ዛንታ ታት ወለዶ ዛንታታት ወለዶ

ዓርሰ ንባብ
ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ
“ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ” ዝብል ምንባብ ብዓውታን ብቕልጣፈን ኣንብቡ።
ቃላት
ተፃራሪ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ምንባብ ድለዩ።
1. ክቕንስ 2. ታሕተዋይ 3. ዝለምዑ 4. ስራሕ ሰብ 5. ምድሓን

ፅሕፈት
“ሳዕቤን ብርሰት ኣግራብ” ዝገልፅ ካብ ሓሙሽተ ምሉእ ሓሳባት ብዘይበዝሑ
ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

3ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲታት ትግራይ
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ዘይህይወታውያን ሃፍቲታት ተፈጥሮ ዝበሃሉ ከመይ ዝበሉ እዮም?
ለ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
ሃፍቲታት ተፈጥሮ

እንስሳት መዓድናት እምባታት


ሩባታት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
16
ሰሙን 3 3ይ መዓልቲ

ሐ. ኣብ ታሕቲ ንዝቐረቡ ውፅኢታት ምስ እዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ


መንቀሊታት ኣዛምዱ።
ሀ. ምኽንያት ምውሳኽ ሙቐት መ. ብሰንኪ ምምሕማሕ ኦዞን
ለ. ኣብ መሬት ዝዓርፍ ጨረር ረ. ምግቢ ንምብሳል ንጥቀመሉ ነዳዲ
ሐ. መርዛም ጋዝ ናብ ኣየር እንትወፅእ
1. ___________ ልዑል ሓይሊ ፀሓይ ኣብ መሬት ይዓርፍ።
2. ___________ ጥዕናዊ ፀገማት የስዕብ።
3. ___________ ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ የፈልፍል።
4. ___________ ብኽለት ከባቢ ኣየር ይኽሰት።
5. ___________ በረኻነት የስዕብ።
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ንፅል ፅምዲ ቃላት በዝሒ ዘመልክቱ ጥብቆታት ብምውሳኽ
ፀሓፉ።
1. ፀጋ ተፈጥሮ 3. ከባቢ ትግራይ 5. ጎቦ ገረዓልታ
2. ሃፍቲ ተፈጥሮ 4. ሽንጥሮ ትግራይ
ዓርሰ ንባብ
ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ
“ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ” ዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።
ቃላት
ካብዚ ንታሕቲ ንዝቐረቡ ዝርዝር ቃላት ክጥርንፍ ዝኽእል ምረፁ።
1. ጤል፣ በጊዕ፣ ደርሆ፣ እንስሳ፣ ከፍቲ
2. መንበር፣ ናውቲ፣ ጠረጴዛ፣ ዓራት፣ ሳንዱቕ
3. ሜዳ፣ ሽንጥሮ፣ ጎቦ፣ ግድሚ፣ መሬት
4. ሊሓም፣ ኣእዋም፣ ኣውሊዕ፣ ዓውሒ፣ ዳዕሮ

ፅሕፈት
ነዞም ተሓዋዊሶም ዘለዉ ቃላት ምስ ዝምልከቶም ብምትሕሓዝ ሓሙሽተ
ፅምዲ ቃላት መስርቱ።
ገዛ፣ ዓይኒ፣ ማያዊ፣ ዳግመ፣ ኣቕሓ፣ ኣካል፣ ምድሪ፣ ጥረ፣ ግረባ፣ ናውቲ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
17
ሰሙን 3

4ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ብዙሕ ናብ ንፅል ቀይሩ።
1. ኣቝሑ 3. ወሰንቲ
2. ኣቝፅልቲ 4. ጨናፍር

ዓርሰ ንባብ
ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ
ሀ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. እፅዋት ሓመድ ንኸይጉሕጓሕ በየናይ ክፍሊ ኣካሎም ይሓቑፉዎ?
2. ዝስተ ማይ ብእንስሳት ከይበላሸው እንታይ ክግበር ይግባእ?
3. ኣገደስቲ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ዝበሃሉ እንመን እዮም?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ንዝኾነ ‘ሓቂ’ ትኽክል ንዘይኮነ ድማ ‘ጌጋ’
ብምባል መልሱ።
1. ምክልኻል ብርሰት ኣግራብ ግደ ውልቀ ሰብ እዩ።
2. ሃፍቲታት ተፈጥሮ ምስ ናብራ ደቂ ሰባት ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎም።
3. ምዕቃብ ኣግራብ ልሙዕነት ሓመድ ይውስኽ።
4. ካብ ፋብሪካ ዝወፅእ ጐናዊ ምህርቲ ናብ ማያዊ ኣካል ክፈስስ ይግባእ።
ቃላት
ብመሰረት ዝተውሃበ ኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ቀይሩ።
ኣብነት:- ዕለት –> ዕለታዊ

1. ተፈጥሮ 2. መሰረት 3. ሰላም 4. ሃገር

ፅሕፈት
ተኽሊታት ኣብ ምክልኻል ፍግረ መሬትን ብኽለትን ዘለዎም ግደ ዝገልፅ ካብ
4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
18
ሰሙን 4
ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ መጓዓዝያ

ባህላዊ መጓዓዝያ ብኣድጊ፣ ብበቕሊ፣ ብፈረስ፣ ብግመል፣ ብሰብ፣ ወዘተ. ፍርያትን ሰባትን
ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝጓዓዙሉ ሜላ መራኸቢ እዩ።

ባህላዊ መጓዓዝያ ሕብረተሰብ ብልማድ ናውቲ ወይ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምጉዕዓዝ


ዝጥቀሙሎም እዮም። ዘበናዊ መጓዓዝያታት ንምጥቃም ኣብ ዘፀግሙ ቦታታት ግደ ባህላዊ
መጓዓዝያታት ዕዙዝ እዩ። ኮይኑ ግና ባህላዊ መጓዓዝያታት ዝንጉዓትን ቀልጢፎም ዝደኽሙን
እዮም። ኣብ ልዕሊ እዚ ብዙሕ ንብረት ኣይሽከሙን።

ባህላዊ መጓዓዝያታት ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ልዑል ግልጋሎት ይህቡ። ፅርጊያ ኣብ ዘይብሎም


ቁሸታት ገባራት ሕርሻዊ ስራሕቲ ንምስላጥ ባህላዊ መጓዓዝያታት ይጥቀሙ። ብተወሳኺ
ፍርያት ሕርሻ ኮኑ ካልኦት ነገራት ካብ ገፀር ናብ ከተማ የጓዓዕዙሎም። ካብ ከተማ ድማ ከም
ዘበናዊ ድኹዒን ካልኦት ኣድለይቲ ኣቑሑ ንምውሳድ ይጥቀሙሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ንመጓዓዝያ ዘገልግሉ እንስሳት ዝተፈላለዩ እዮም።


ኣብ ደጉዓታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ብቐንዲ ከም ፈረስ፣ ኣድጊን በቕሊን ዝበሉ እንስሳት
ይጥቀሙ። እኹል ቀረብ ታክሲን ኣውቶብስን ኣብ ዘይብለን ከተማታትና ፈረስ ብመልክዕ
ጋሪ ንብረትን ሰብን ንምጕዕዓዝ የገልግል።

ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ሃረሪ፣ ሶማሊን ውሱን ክፋል ቆላታት ትግራይን ኣምሓራን ዝነብሩ
ገባራት ብቐንዲ ግመል ይጥቀሙ። ግመል ዋሕዲ ማይን ሙቐትን ተፃዊሩ ሰብን ንብረትን
ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከጓዓዕዝ ዝኽእል ብምዃኑ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ነባሪ ኣየር ዘለዎም ከባቢታት
ምቹው እዩ። ነዚ እዩ ሓደ ሓደ ሰባት ንግመል ‘መርከብ በረኻ’ ዝብሉዎ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
19
ሰሙን 4

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
እንታይነትን ረብሓን መጓዓዝያ

ሀ. ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊን ርእሲን ርእይኹም ትዕዝብቲኹም ምስ


መፃምዲኹም ተዛተዩ።
ለ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት ኣሕፂርኩም መልሱ።
1. ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ካብ ዝኸዱሎም ዕላማታት ሰለስተ ግለፁ።
2. መጓዓዝያ ደም ሱር ሓንቲ ሃገር ከብሎ ዝኽእል እንታይ እዩ?
3. መጓዓዝያ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰናይ ርክብ ብኸመይ ይፈጥር?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንበቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንበቡ።

ዝ ኣፀገሙ ዘፀግሙ
ዝ ኣለዎም ዘለዎም

ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ መጓዓዝያ
ሀ. ኣብ ምንባብ ዘሎ ስእሊን ርእሲን ብምርኣይ እተንብቡዎ ትሕዝቶ እንታይ
ከምዝኸውን ግለፁ።
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ባህላዊ መጓዓዝያ ካብ ዘበናዊ መጓዓዝያ ብምንታይ ይፍለ?
2. ኣብ ደጉዓ ዝዝውተሩ ባህላዊ መጓዓዝያ እንታይ እንታይ እዮም?
ሐ. ብመሰረት ዘንበብኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ መልሱ።
1. ኣብ ደጉዓ ዝዝውተሩ ባህላዊ መጓዓዝያ እንታይ እንታይ እዮም?
2. ኣብ ቆላ ከም ቀንዲ መጓዓዝያ ኮይኑ ዘገልግል እንታይ እዩ?
3. ኣብ ከባቢኹም ካብ ዝዝውተሩ ባህላዊ መጓዓዝያታት ሰለስተ ግለፁ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
20
ሰሙን 4 1ይ መዓልቲ

ቃላት
ሀ. ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ “ለ” ዝርከቡ ቃላት በተመሳሳሊ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ዕዙዝ 2. ፍርያት 3. መርከብ በረኻ 4. ሰለጤን
ለ ሀ. ቅልጣፈ ለ. ግመል ሐ. እቶት መ. ርኡይ

ፅሕፈት
ሀ. በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ዕዙዝ 2. ፍርያት 3. መርከብ በረኻ 4. ቀረብ

Guyya
2ይ መዓልቲ2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።

ዝ ኣፀገሙ ዘፀግሙ
ዝ ኣለዎም ዘለዎም
ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ መጓዓዝያ
ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ንዝኾነ ‘ሓቂ’ ትኽኽል ንዘይኮነ ‘ጌጋ’ ብምባል
መልሱ።
1. ባህላዊ መጓዓዝያ ፍርያት ሓረስቶት ካብ ከተማ ናብ ገፀር የጓዓዕዙሎም።
2. ኣብ ፅርጊያ ዘይብሎም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ስራሕ ንምስላጥ ዘበናዊ መጓዓዝያ
ይጥቀሙ።
3. ዘበናዊ መጓዓዝያ ምስ ባህላዊ መጓዓዝያ እንትነፃፀር ድንጉይ እዩ።
4. ኣብ ቆላታት ሃገርና ዝነብሩ ብቐንዲ ኣፍራስ ንመጓዓዝያ ይጥቀሙ።
ቃላት
ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሓረጋት ፍታሕ ሃቡ።
1. ‘ኣዝዩ ልዑል’ 2. ‘ዘበናዊ ድኹዒ’

ፅሕፈት
“ባህላዊ መጓዓዝያ” ዝብል ምንባብ ብናይ ባዕልኹም ኣገላልፃ ኣሕፂርኩም ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
21
ሰሙን 4

3ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
እንታይነትን ረብሓን መጓዓዝያ
ሀ. ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘዳመፅኩምዎ ንምዝካር ፈትኑ።
ለ. ብመሰረት እቲ ዘዳመፅኩምዎ ትኽኽል ንዝኾነ ‘ሓቂ’ ትኽኽል ንዘይኮነ ድማ
‘ጌጋ’ ብምባል መልሱ።
1. ሜላታት መጓዓዝያ በብግዚኡ ግልጋሎቶም እናተመሓየሸን ዓይነቶም ድማ እናተፈላለየ
መፂኡ እዩ።
2. ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝጓዓዓዙሉ ዕላማ ተመሳሳሊ እዩ።
3. ተጓዓዝቲ ዝመርፁዎ ዓይነት መጓዓዝያ ብድልየቶምን ብዓቕሞምን ይወሰኑ።
4. መጓዓዝያ ንዕብየት ሓንቲ ሃገር ቁልፊ እዩ።

ምጥማርን ምንፃልን

ሀ. ጠሚርኩም ኣንበቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንበቡ።

ዝ ጓዓዙ ሎም ዝጓዓዙሎም
ዝ ጓዓዛ ሎም ዝጓዓዛሎም

ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ መጓዓዝያ
“ባህላዊ መጓዓዝያ” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ኣብ ሰደቓ ዘለዉ ቃላት እናተሓሓዝኩም ፅምዲ ቃላት ወይ ሓረጋት መስርቱ።
ወሳኒ ደም ቁጠባዊ ቁልፊ
ሓሳብ ግደ ሱር ዓቕሚ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
22
ሰሙን 4 3ይ መዓልቲ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ናይ ባዕልኹም ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ቅልጡፍ 2. መነባብሮ 3. ምልውዋጥ 4. ምርግጋፅ

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ብመሰረት እቲ ዝተወሃበ ኣብነት ‘ገዝአ’ ዝብል ግስ ብቅድሚትን ብድሕሪትን
ዝለግቡ ጥብቆታት መሊእኹም ፀሓፉ።
ኣብነት፡- ንዓና ክዳን ዝገዝአትልና ሰሰን እያ።
1. ንወዳ ክዳን ____ ሰሰን እያ። 3. ንዕኡ ክዳን ____ ገብሩ እዩ።
2. ንጓላ ክዳን ____ ሰሰን እያ። 4. ንዓኻትኩም ክዳን___ገብሩ እዩ።

ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ መጓዓዝያ
ሀ. ቀፂሎም ዘለዉ ሓሳባት ኣብቲ ምንባብ ኣበየናይ ዓንቀፅ ከምዝተገለፁ ሓብሩ።
1. ባህላዊ መጓዓዝያ ዘለዎ ረብሓ ይገልፅ።
2. ነበርቲ ቆላ ኣዘውቲሮም ዝጥቀሙሉ መጓዓዝያ ይሕብር።
3. ብዛዕባ እንታይነት ባህላዊ መጓዓዝያ ይገልፅ።
4. ነበርቲ ደጉዓ ኣዘውቲሮም ዝጥቀሙሎም ባህላዊ መጓዓዝያ ይሕብር።

ለ. ካብቲ ምንባብ ነዞም መተሓሓዝቲ ቃላት ስዒቦም ዝመፁ ሓሳባት ፀሓፉ።


1. ኮይኑ ግና 2. ኣብ ልዕሊ እዚ 3. ብተወሳኺ

ቃላት
ኣብ ታሕቲ ንዘለዉ ሓረጋት ኣብ ሰደቓ ምስ ዘለዉ ኣዛምዱዎም።
1. ባህላዊ መጓዓዝያ

2. ዘበናዊ መጓዓዝያ

3. መጓዓዝያ ደጉዓ

4. መጓዓዝያ ቆላ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
23
ሰሙን 4 4ይ መዓልቲ

ግመል ኣድጊ ታክሲ በቕሊ ፈረስ ጋሪ ኣውቶቡስ

ፅሕፈት
ኣብ ሰደቓ ዘሎ ሓበሬታ ተጠቒምኩም ሓሙሽተ ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
ስም ተጓዓዝቲ ዓይነት መጓዓዝያ ዕላማ ጉዕዞ መበገሲ መብፅሒ

በሪሁ ግመል ንግዲ መቐለ በራሕለ


ለምለም ኣውቶብስ ምጥያቕ ስድራ ኣላማጣ መኾኒ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
24
ሰሙን 5
ዓርሰ ንባብ
ዘበናዊ መጓዓዝያ

ዘበናዊ መጓዓዝያ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍሊታት ይምቀል። ንሳቶም እውን መጓዓዝያ መሬት፣
መጓዓዝያ ኣየርን መጓዓዝያ ማይን ይበሃሉ። እዞም መጓዓዝያታት ካብ ባህላዊ መጓዓዝያ
ዝቐልጠፉን ብዙሕ ንብረት ዝሽከሙን እዮም። ሕድ ሕድ ዓይነት መጓዓዝያ ነናይ ባዕሉ
ዝኾነ ምዕቡል ጎኒን ድሩትነትን ኣለዎ። ዘበናዊ መጓዓዝያታት ብመንፅር መጠን ዘጓዓዕዙዎ
ኣቑሑ፣ ዝውድኣሎም ግዘን ዋጋን ነንባዕሎም ምንፅፃር ይከኣል።

መጓዓዝያ ምድሪ ብመኪና፣ ብሞተር ሳይክል፣ ብብሽክለታን ብባቡርን ሰባትን ኣቚሑን


ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘመላልስ ዘበናዊ መራኸቢ እዩ። በዚ ዓይነት መጓዓዝያ ኣብ ኣስፋልት፣
ፀፀርን ሃዲድን ብዙሓት ሰባትን ኣቚሑን ይጓዓዓዙሉ። ሃዲድ ባቡር እትጓዓዘሉ ካብ ብረት
ዝተሰርሐ መንገዲ እዩ። ባቡር ብዙሕ ተሳፋራይን ከቢድ ሸኽሚን ንምጉዕዓዝ ይጠቅም።
መጓዓዝያታት ምድሪ ምስ መጓዓዝያታት ኣየር እንትነፃፀሩ ብዙሕ ንብረት ካብ ቦታ ናብ ቦታ
ብዝሓሰረ ዋጋ የጓዓዕዙ።

መጓዓዝያ ማይ ብታንኳ፣ ብጃልባን ብመርከብን ንዝግበር ጉዕዞ የመልክት። ብመርከብ ዝግበር


ጉዕዞ መብዛሕትኡ እዋን ብዙሕ ንብረትን ሰብን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብዝሓሰረ ዋጋ ንምጉዕዓዝ
የገልግል። ብቕልጣፈ እንትረአ ግና ካብቶም ካልኦት ዝተሓተ እዩ።

መጓዓዝያ ኣየር ብኣውሮፕላንን ብሄሊኮፕተርን ዝግበር ጉዕዞ እዩ። እዚኣቶም ካብ ኩሎም


ዓይነታት መጓዓዝያ ዝቀልጠፉ እዮም። ብመኪናን ብመርከብን መዓልቲታትን ሰሙናትን
ዝወስድ ጉዕዞ ብነፋሪት ግና ብደቓይቕ ወይ ብሰዓታት ይሽፈን። እዚ ዓይነት መጓዓዝያ
ልዑል ዋጋ ይሓትት። ብመርከብ ምስ ዝግበር ምጉዕዓዝ ንብረትን ሰብን እንትነፃፀር ግና
መጓዓዝያ ኣየር ዝሽከሞ ዓቐን ንብረትን ሰብን ትሑት እዩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
25
ሰሙን 5

1ይGuyya
መዓልቲ 2
ምድማፅ
ፈረስ ኣቦይ ደበስ (1ይ ክፋል)
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ነዚ ስእሊ ርእይኹም ትሕዝቶ ምድማፅ እንታይ ክኸዉን ይኽእል?
ለ. ነቲ ዛንታ እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ፃዕዱ ሸተት ኢሉ ምስወደቐ እንታይ ኮይኑ?
2. እቲ ፈረስ ሸሞንተ ኩንታል ዝኽእልዶ ይመስለኩም?
ሐ. ቀፂሎም ንዝቐረቡ ሕቶታት ድሕሪ ምድማፅ ቅኑዕ መልሲ ዝሓዘ ፊደል
ኣኽብቡ።
1. ኣቦይ ደበስ ናብ መረባ እንታይ ክገብሩ ወፂኦም?
ሀ. ፈረሶም ንምሕብሓብ ሐ. ፈረሶም ንምቕፃዕ
ለ. ፈረሶም ንምድላው መ. መልሲ ኣይተወሃበን
2. ፃዕዱ ንምታይ ከም ቀደሙ ዘይኮነ?
ሀ. ፅዕነት ስለዝፀልእ ሐ. ኣብራኹን ጎኑን ስለዝተለሓሓፀ
ለ. ስለዝወደቐ መ. ለን ሐን መልሲ እዮም
3. ራሄል ብመጉዳእቲ ፃዕዱ እንታይ ኮነት?
ሀ. ኣዝያ ደንገፀት ሐ. ሓልዮታ ገለፀትሉ
ለ. በኸየት መ. ኩሎም መልሲ እዮም
4. ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፣ ራሄል ብዛዕባ ፃዕዱ እንታይ ገበረት?
ሀ. ናብ ሕክምና ክውሰድ ሐ. ጋሪ ክስሕብ
ለ. ዕረፍቲ ክወስድ መ. ኩሎም መልሲ እዮም
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንበቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንበቡ።

ብ ኣውሮ ፕላን ብኣውሮፕላን


ብ ሄሊ ኮፕተር ብሄሊኮፕተር

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
26
ሰሙን 5 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ዘበናዊ መጓዓዝያ
ሀ. ኣብ ምንባብ ዘሎ ስእሊን ርእሲን ብምርኣይ ነዞም ሕቶታት መልሱ።
1. ካብዚ ስእሊ ትፈልጡዎም ዓይነት መጓዓዝያ ፀውዑ።
2. ዘበናዊ መጓዓዝያ ካብ ባህላዊ መጓዓዝያ ብኸመይ ይፍለ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።
1. ዘበናዊ መጓዓዝያታት ኣብ ክንደይ ይምቀሉ?
2. ዘበናዊ መጓዓዝያታት እንታይ እንታይ ተባሂሎም ይፍለጡ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ዝኾነ መልሲ ምረፁ።
1. ዘበናዊ መጓዓዝያታት ነንባዕሎም ብምንታይ ይነፃፀሩ?
ሀ. ብመጠን ዘጓዓዕዙዎ ኣቚሑ ሐ. ብዘኸፍሉዎ ዋጋ
ለ. ብቕልጣፈ መ. ኩሎም መልሲ እዮም
2. መጓዓዝያ ኣየር ካብ መጓዓዝያ ምድሪ ብምንታይ ይምረፁ?
ሀ. ብሕሱር ዋጋ ስለዘጓዓዕዙ ሐ. ብዙሕ ንብረት ስለዝሽከሙ
ለ. ብቕልጡፍ ስለዘብፅሑ መ. ሀን ሐን መልሲ እዮም
3. መጓዓዝያ ማይ ዘይኮነ ኣየናይ እዩ?
ሀ. መርከብ ለ. ባቡር ሐ. ባሕሪ መ. ጀልባ
4. ባቡር ብምንታይ ትጓዓዝ?
ሀ. ብታንኳ ሐ. ብሃዲድ
ለ. ብፅርጊያ መ. ኩሎም መልሲ እዮም
ቃላት
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት ዘመሳስሎምን ዘፈላልዮምን ግለፁ።
1. ኣስፋልት 2. መንገዲ ፀፀር 3. ፅርግያ 4. ታንኳ 5.ሃዲድ

ፅሕፈት
ኣብ መንጎ ኣስፋልትን ሃዲድን ዘሎ ኣፈላላይ ብፅሑፍ ግለፁ።

Guyya 2
2ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ብ ኣውሮ ፕላን ብኣውሮፕላን
ብ ሄሊ ኮፕተር ብሄሊኮፕተር

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
27
ሰሙን 5 2ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ዘበናዊ መጓዓዝያ
ሀ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. መጓዓዝያ ምድሪ ኣብ ኣስፋልት፣ ____ን ____ን ንምጉዕዓዝ ይጠቕሙ።
2. ብቕልጠፈ እንትርአ መጓዓዝያ ____ ካብቶም ካልኦት ዝተሓተ እዩ።
ለ. ነዚ ምንባብ እዚ ሰሙን ብዓውታን ብቕልጣፈን ኣንብቡ።
ቃላት
ኣብ ታሕቲ ንዘለዉ ቃላት ኣብነት ወይ መግለፂ ዝኾኑ ስማት ፀሓፉ።
1. መጓዓዝያ ምድሪ፦_________________________
2. መጓዓዝያ ማይ፦_________________________
3. መጓዓዝያ ኣየር፦_________________________
ፅሕፈት
ካብ ዓይነታት መጓዓዝያ ሓደ መሪፅኩም ግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ብምጥቃም ካብ
5 ብዘይውሕዱ ምሉእ ሓሳባት ዓንቀፅ ፀሓፉ።

3Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
ፈረስ ኣቦይ ደበስ (1ይ ክፋል)

ሀ. ካብ ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ “ፈረስ ኣቦይ ደበስ” እትዝክሩዎ ግለፁ።


ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣቦይ ደበስ ጉድኣት ፈረሶም ዘየጨነቖም ምዃኑ ብኸመይ ገሊፆሙዎ?
2. ኣብ መወዳእታ እቲ ፈረስ ቅድሚ ደው ምባሉ ክንደይ ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ ትኽክል ንዝኾነ “ሓቂ” ትኽክል ንዘይኮነ
‘‘ጌጋ’’ ብምባል መልሱ።
1. ፃዕዱ ኩሉ ግዘ ናብ ስራሕ ክወፍር ድሉው እዩ።
2. ኣቦይ ደበስ ፃዕዱ ንኽሓዊ ብዙሕ ፃዕሪ ገይሮም።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
28
ሰሙን 5 3ይ መዓልቲ

3. ራሄል ፃዕዱ ንኽሕከም ብዙሕ ፅዒራ።


4. ፃዕዱ ከም ቀደሙ ንፋይ ምብላዕ ኣይከኣለን።
መ. ነቲ ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ ብቅደም ሰዓብ ብናይ ባዕልኹም ኣበሃህላ ኣዘንትዉ።
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንበቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንበቡ።

እንት ይረአ እንትረአ


እንት ይነፃፀር እንትነፃፀር

ዓርሰ ንባብ
ዘበናዊ መጓዓዝያ
“ዘበናዊ መጓዓዝያ” ዝብል ምንባብ ብቕልጣፈ ኣንቢብኩም ቀንዲ ሓሳብ ሕድሕድ
ዓንቀፅ ብኽልተ ምሉእ ሓሳባት ግለፁ።

ቃላት
ኣብ ‘ሀ’ ንዘለዉ ቃላት ኣብ ‘ለ’ ምስ ዘለዉ ተመሳሳሊ ፍታሖም ኣዛምዱ።
ሀ 1. ምዕጣቕ 2. ተቖሪኑ 3. ጠዋሪ 4. እማን 5. ሓልዮት

ለ ሀ. ፍቕሪ ለ. ሓጋዚ ሐ. ሓቂ መ. ምውዳድ ረ. ተኣሲሩ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ሰለጤን 2. መነባብሮ 3. ምርግጋፅ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
29
ሰሙን 5

4ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።

እንት ይረአ እንትረአ


እንት ይነፃፀር እንትነፃፀር

ሐ. ብመሰረት እቲ ኣብነት እናተካእኹምን እናሳነኹምን ፀሓፉ።


ኣብነት፦ ንሳቶም ምስ ካልኦት እንትነፃፀሩ
1. ንሳተን 2. ንሕና 3. ንስኻትኩም 4. ንስኻትክን

ዓርሰ ንባብ
ዘበናዊ መጓዓዝያ
እዞም ስዒቦም ዘለዉ ሓረጋት ኣብቲ ምንባብ ዘመልክቱዎ ሓሳብ ግለፁ።
1. ኣብቲ ምንባብ ነናይ ባዕሉ ዝብል እንታይ ንምምልካት እዩ?

2. ነንባዕሎም ዝብል እንታይ ንምግላፅ እዩ?

3. ካብቶም ካልኦት ዝተሓተ እዩ። እቶም ካልኦት መን መን እዮም?

4. ካብ ኩሎም ዓይነታት መጓዓዝያ ዝብል “ኩሎም” ነየነዎት የመልክት?

ቃላት
እዞም ቃላት ኣብቲ ምንባብ ዘለዎም ፍታሕ ፀሓፉ።
1. መንፅር 2. መንገዲ 3. ድሩትነት

ፅሕፈት
ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም መጓዓዝያ ምድሪን ኣየርን ዘነፃፅር ሓደ
ዓንቀፅ ፀሓፉ።
(ንምንፅፃር ቅልጣፈ፣ መጠን ሸኽሚን ዋጋን ተጠቐሙ።)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
30
ሰሙን 6
ዓርሰ ንባብ
ሓደጋ ትራፊክ
ኮማንደር ጀማል፦ ዝኸበርኩም ተምሃሮ፣ ፈለማ ብዛዕባይ
ክነግረኩም። ስመይ ጀማል መስዑድ ይበሃል። ኣብ ከተማና
ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋ ትራፊክ እየ። እምበኣር ብሕቶ ክጅምር!
ትራፊክ እንታይ ማለት እዩ?
ተምሃራይ፦ ኣብ ፅርግያ ደው ኢሉ ንመኻይን ዝቆፃፀር ሰብ እዩ።
ኮማንደር ጀማል፦ ፅቡቕ! ኣነ ፖሊስ ትራፊክ እየ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት
ምንቅስቓስ ትራፊክ ይበሃል። እቲ ምንቅስቓስ ብሰብ፣ ብእንስሳት ወይ ድማ ብመሳርሒታት
መጓዓዝያ ዝፍፀም ክኸውን ይኽእል። እቲ ሰብን መጓዓዝያን ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ሕጋዊ፣
ሰላማዊን ስሉጥን ንክኸውን ዝቆፃፀር ኣካል ድማ ፖሊስ ትራፊክ ይበሃል።
ተምሃሪት፦ ኣብ ክልልና ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ዘጋጠመ ዕንወት ክሳብ ክንደየናይ እዩ?
ኮማንደር ጀማል፦ ኣብ ትግራይ በብዓመቱ ብዙሓት ሓደጋታት የጋጥሙ እዮም። ንኣብነት
ናይ ክልተ ዓመታት ንርአ። ብ2003 ዓ.ም. 858 ወገናትና ሓደጋ ትራፊክ ኣጋጢሙዎም።
ካብ እዚኦም 180 ሞይቶም፤ 390 ንከቢድ ጉድኣት ኣካል ተቓሊዖም። እቶም ዝተረፉ 288
ድማ ቀሊል ጉድኣት ኣጋጢሙዎም። ብ2004 ዓ.ም. 11,539,112.00 ብር ዘውፅእ ንብረት
ዓንዩ። ኣብ ህይወት ሰብ እንትንርኢ 834 ወገናትና ሓደጋ ትራፊክ ኣጋጢሙዎም። ካብዚኦም
217 ሞይቶም፤ 332 ንከቢድ ጉድኣት ኣካል ተሳጢሖም። ዝተረፉ 282 ድማ ቀሊል ጉድኣት
ኣጋጢሙዎም። 22,840,580.00 ብር ዘውፅእ ንብረት ዓንዩ።
ተምሃሪት፦ ቀንዲ መንቀሊ ሓደጋ ትራፊክ እንታይ እዩ?
ኮማንደር ጀማል፦ መንቀሊኡ ዘወርቲን ኣጋራትን ዝፈጥሩዎ ጌጋ እዩ። ብወገን ዘወርቲ፣
ኣጋር ቀዲሙ ንኽሰግር ዘይምግባርን ብናህሪ ምዝዋርን ጐሊሆም ዝረአዩ ፀገማት እዮም።
ሰኺርካ ምዝዋር፣ መዕጠቖ ዘይምእሳር፣ ሕጊታት ትራፊክ ዘይምኽባር ዝበሉ ፀገማት እውን
መንቀሊታት እዮም። ብወገን ኣጋራት ብፀጋማይ መስመር ዘይምጓዓዝ፣ ብመስገሪ ወይ
ውርውራይ መንገዲ ዘይምስጋርን ካልኦት ጉድለታትን ይረአዩ።
ተምሃራይ፦ ሓደጋ ትራፊክ ከመይ ገይርና ንከላኸሎ?
ኮማንደር ጀማል፦ ግርም! ብሓፈሻ እቶም ዝጠቐስኩዎም ሕጊታት ትራፊክ ብምኽባር።
ንኣብነት፣ ኣብ ፅርግያ ዘይምፅዋት፣ የማን ፀጋም ርእይኻ ምስጋር፣ ውርውራይ መንገዲ
ምጥቃምን ብካልኦትን ካብ ሓደጋ ክንዕቀብ ንኽእል ኢና። ስለዘዳመፅኩምኒ ኣዝየ የመስግን።
(ፍልፍል፡- መፅሄት ዋልታ፣ 2003-2005፣ ተመሓይሹ ዝተወሰደ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
31
ሰሙን 6

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ፈረስ ኣቦይ ደበስ (2ይ ክፋል)

ሀ. ነቲ ርእሲን ስእሊን ርእይኹም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ካብቲ ስእሊ እንታይ ትግንዘቡ?
2. ምክንኻን እንስሳት እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
ለ. ነቲ ዛንታ እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. እታ ሓኪም እንታይ እትገብር ይመስለኩም?
2. ኣቦይ ደበስ እታ ሓኪም ዝመኸረቶም ተረዲኦም እንታይ ዝገብሩ ይመስለኩም?
3. ኣቦይ ደበስ ንምንታይ ካልኣይ ፈረስ ዓዲጎም?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ ነዞም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ሓኪም እንስሳ፣ ከቢድ ____ ፃዕዱ ተገንዚባ ኣዝያ ሓዘነት።
2. መንቀሊ ኣብ ፃዕዱ ዝበፅሐ ____ ጉድለት ግንዛበ እዩ።
3. ሰብ ዘገልግሉ ፍጡራት ዋላ እንተኾኑ ____ ኣድላዪ ክንክን ክግበረሎም ይግባእ።
4. ንእንስሳት ግቡእ ክንክን ምግባር ዝተናወሐ ____ ንክህቡ የኽእሎም።
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።

ኣይ ነገረ ን ኣይነገረን
ኣይ በልዐ ን ኣይበልዐን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
32
ሰሙን 6 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ሓደጋ ትራፊክ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ኣብ ክፍሊ ተመያየጡሎም።
1. መንቀሊ ሓደጋ ትራፊክ እንታይ እንታይ እዮም?
2. ግንዛበ ትራፊክ ምዕባይ ኣብ ምክልኻል ሓደጋ ትራፊክ እንታይ ግደ ኣለዎ?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ እንታይ ይበሃል?
2. ምንቅስቓስ ሰብን መካይንን ዝቆፃፀር ኣካል እንታይ ይበሃል?
3. ሓደጋ ትራፊክ ብምንታይ ክቕንስ ይኽእል?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ኣብ ክልቲኡ ዓመታት ዝዓነወ ንብረት ብብር እንትግለፅ ___ ይኸውን።
2. ብ2004 ዓ.ም. ብሓደጋ ትራፊክ ዝሞቱ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመት ብ ______
ወሲኹ።
3. ኣብዚ ምልልሳዊ ምንባብ ዘወርቲ መኪና ዝብል ብ_____ ተገሊፁ ይርከብ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ሃቡ።
1. ዓነወ 2. ናህሪ 3. ክሳለጥ 4. ምቕናስ 5. ቀሊል
ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ምክልኻል 2. ምንቅስቓስ 3. ኣንፈት 4. ጥንቃቐ 5. ወገናት

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።

ኣይ ነገረ ን ኣይነገረን
ኣይ በልዐ ን ኣይበልዐን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
33
ሰሙን 6 2ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ሓደጋ ትራፊክ
ሀ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
ዓመተ ምህረት ሓደጋ ዝበፅሖም ዝሞቱ ከቢድ ጉድኣት ቀሊል ጉድኣት
2003
2004

ለ. ከም ተምሃሮን ኮማንደርን ብምዃን ነቲ ምልልስ ብዘይ ጋእጋእ ኣንብቡ።


ቃላት
ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ሓረጋት ግለፁ።
1. ሕጊ ትራፊክ 3. ሓደጋ ትራፊክ

2. ፀጋማይ መስመር 4. ምልክት ትራፊክ

ፅሕፈት
ብመሰረት ኣብ መምርሒ ‘ሀ’ ዝተመልአ ሰደቓ ድሕሪ ንባብ ኣርባዕተ ምሉእ
ሓሳባት ህነፁ።
ኣብነት፦ ብ2003 ዓ.ም. 858 ወገናት ሓደጋ መኪና ኣጓኒፉዎም።

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ፈረስ ኣቦይ ደበስ (2ይ ክፋል)
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ምድማፅ ተመያየጡሎም።
1. ኣብ ከባቢኹም ኣፍራስ ኣለዉዶ? ኣተሓሕዘኦም እንታይ ይመስል?
2. እታ ሓኪም እንስሳ ንኣቦይ ደበስ ከይመኸረት እንተትሰዶም እንታይ ኩነታት
ዝፍጠር ይመስለኩም?
ለ. ነቲ ዛንታ እናዳመፅኩም ነዞም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ሓኪም ከቢድ መጉዳእቲ _____።
2. ራሄል ብዘረባ ____።
3. ኣብ መወዳእታ ኣይተ ደበስ _____።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
34
ሰሙን 6 3ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ኣቦይ ደበስ እንታይ ኣሕፊሩዎም?
2. እታ ሓኪም እንስሳ ንራሄል ንምንታይ ኣመስጊናታ?
3. ፃዕዱ ንኽሕከም ራሄል እንታይ ገይራ?
4. ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ሕክምና እንስሳ ተመሳሳሊ ግልጋሎት ይህብዶ?
ንምንታይ?

ምጥማርን ምንፃልን
ኣብ ቅድሚ እዞም ቃላት “ኣይ-” ኣብ መወዳእታኦም ድማ “-ን” ብምውሳኽ ናብ
ኣሉታ ቀይሩ።
1. ሰምዐ 2. ሰርሐት 3. ፀሓፈ 4. በልዐት

ዓርሰ ንባብ
ሓደጋ ትራፊክ
“ሓደጋ ትራፊክ” ንዝብል ምልልስ ብናህሪ እናንበብኩም ቀንዲ ሓሳብ ብቓልኩም
ግለፁ።

ቃላት
ካብ ሕድሕድ ጉጅለ ቃላት ዝተፈለየ ኣውፅኡ።
1. ሀ. ኣውቶቡስ ለ. ታክሲ ሐ. ጋሪ መ. ባቡር
2. ሀ. ምክልኻል ለ. ምሕብሓብ ሐ. ምክንኻን መ. ምብራስ
3. ሀ. መንቀሊ ለ. መዛዘሚ ሐ. መበገሲ መ. መጀመሪ
4. ሀ. ትዅረት ለ. ምስትውዓል ሐ. ሸለልትነት መ. ጠመተ
ፅሕፈት
ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዓንቀፅ ዛዝሙ።
ሳራ ንፍዕቲ ተምሃሪት እያ። ኣብ ቤት ትምህርታ ብሰዓታ ትርከብ። ኣብ ክፍሊ
እንትትመሃር ብፅሞና ተዳምፅ፤ ዘይተረደኣ ነገር ትሓትት። . . .

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
35
ሰሙን 6

4ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት “ኣይ-”ን “-ን”ን ብምጉዳል ናብ እወንታ ቀይሩ።
1. ኣይረአየን 2. ኣይመፀን 3. ኣይሃበትን 4. ኣይሰተየትን

ዓርሰ ንባብ
ሓደጋ ትራፊክ
ሀ. ሓደጋ ትራፊክ ዝብል ምንባብ እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሓደጋ ትራፊክ ንምክልኻል ኣጋራት እንታይ ክገብሩ ይግባእ?
2. ብ2003 ዓ.ም. ዝዓነወ ንብረት ብብር እንትግመት ክንደይ እዩ?
3. መራሕቲ መካይን ብሸለልትነት እንተዘዊሮም እንታይ የስዕቡ?
4. ስራሕን ሓላፊነትን ትራፊክ ፖሊስ እንታይ እዩ?
ለ. ልክዕ ንዝኾነ ‘ሓቂ’ ልክዕ ንዘይኮነ ’ጌጋ’ እናበልኩም መልሱ።
1. ምንቅስቓስ ሰባትን መካይንን ዝቆፃፀር ኣካል ትራፊክ ይበሃል።
2. ኣጋራት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ፀጋማይ መስመር ሒዞም ክጓዓዙ ኣለዎም።
3. ብ2003 ዓ.ም. ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ 2004 ዓ.ም. ዘጋጠመ ይበዝሕ።
4. ሓደጋ ትራፊክ ዝኽሰት ብሸለልትነት ዘወርቲ መካይን ጥራሕ እዩ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ትኽክል ዝኾነ ፍታሕ ምረፁሎም።
1. ሕጊ ሀ. ውርሲ ለ. ደንቢ ሐ. ትእዛዝ መ. ዓንቀፅ
2. ዕንወት ሀ. ብርሰት ለ. ዕብየት ሐ. ክብሪ መ. ስእነት
3. ሰንኪ ሀ. መዘዝ ለ ጠንቂ ሐ. ሰበብ መ. ኩሎም

ፅሕፈት
ጉድለት ክንክን ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ሓደ እንሰሳ ዘቤት ኣመልኪትኩም ካብ
4-6 ምሉእ ሓሳባት ዘለዎም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
36
ሰሙን 7
ዓርሰ ንባብ
ምድግጋፍ ንሓባራዊ ረብሓ
ቀደም ቀደም ኣንጭዋ፣ ዒፍን ከልቢን እናተሓጋገዙ
ብሓባር ክነብሩ ወሰኑ። መቐሎ ዕዮ ገይሮም ሰስርሖም
ብግቡእ እናፈፀሙ ምንባር ጀመሩ። ሃፍቶም ድማ እናበርከተ መፀ።

ዕንፀይቲ ምእራይ ስራሕ ዒፍ፣ ምግቢ ምብሳል ብፅሒት ከልቢ፣ ማይ ምምፃእን ሓዊ


ምንዳድን ድማ ግደ ኣንጭዋ ነበረ። ብኸምዚ እናሰርሑ እናሃለዉ ሓደ እዋን ዒፍ ንመሓዛኣ
ዒፍ ረኸበታ። ተሓጋጊዝካ ምስራሕ ፅቡቕ ምዃኑ ገለፀትላ። ብተወሳኺ ሰለስቲኦም ብሓባር
ብዛዕባ ዘፍረዩዎ ሃፍቲ ብኹርዓት ነገረታ።

እታ ካሊእ ዒፍ ግና “ከመይ ዝበልኪ ዓሻ ኢኺ” በለታ። እታ ምስ ከልቢን ኣንጭዋን እትነብር


ዒፍ፣ “ከመይ?” ኢላ ሓተተት። “ንሳቶም ቀቀሊሉ እናሰርሑ የዕሽዉኺ ኣለዉ!” በለታ።

ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት እታ ዒፍ ብዛዕባ ዝተነገራ ክትሓስብ ጀመረት። ኢላ ኢላ ሓደ


መዓልቲ፣ “ናብ ዱር ኣይከድን።” በለት።

እንታይ ከምዝኾነት እንተሓተቱዋ፣ “ክሳብ ሎሚ ናታትኩም መገልገሊት ኮይነ ክሰርሕ ፀኒሐ


ኣለኹ። ኣዐሺኹምኒ። ሕዚ ግን ለውጢ ክግበር ኣለዎ!” በለት።

ኣንጭዋን ከልቢን ከምዘይቕበሉዎ ገለፁ። ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ግና ዒፍ ብዝበለቶ ተሰማዕምዑ።


ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ለውጢ ከልቢ ዱር እናኸደ ዕንፀይቲ ከምፅእ፣ ኣንጭዋ ምግቢ
ክትሰርሕ፣ ዒፍ ድማ ማይ ክተቕርብ ወሲኖም ነናብ ስርሖም ተዋፈሩ።

ኣብ ቐፃሊ መዓልቲ ምግቢ ደንጐየ። ከልቢ ዕንፀይቲ ከምፅእ እዩ እንተተብሃለ ጠፍአ። ስለዚ
ዒፍ ደሃይ ከልቢ ንምፍላጥ ክትእልሾ ከደት። ከልቢ ዝገብሮ ጠፊኡዎ ኮፍ ኢሉ ረኸበቶ።
ዒፍ ሓሪቓ ነቲ ከልቢ ጌገኛ ምዃኑ ነገረቶ።

ከልቢ ግና “እንታይ‘ሞ ክገብር! ኣብ ዘይሞያይ ኣትየ!” ኢሉ መጐተ።

ዒፍ ሓዚና ናብ ገዝኣ ተመሊሳ ዝረኣየቶ ኩሉ ንኣንጨዋ ነገረታ። ኣብቲ እዋን ኣንጭዋ


ፀብሒ እንትተሕብር ኢዳ ተለብለበት። ዒፍ ድማ ማይ ሒዛ ክትምለስ መገለል ካብ እግራ
መሊቑ ናብ ጉድጓድ ኣተወ። ካሊእ መዓልቲ ሰለስቲኦም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ፀገም ዘተዩ። ዒፍ
ይቕረታ ሓተተት።

ኣብ መወዳእታ ሕድሕዶም ናብ ናይ ቀደም ስረሖም ተመሊሶም ቀሲኖም ምንባር ቀፀሉ


ይበሃል። (ፍልፍል፡- ካብ ነባር መፅሓፍ ትግርኛ፣ ተመሓይሹ ዝተወሰደ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
37
ሰሙን 7

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ኣያ ኣንበሳን ኣንጭዋን
ሀ.ነዞም ፅምዲ ቃላት ምስ
መፃምዲኹም ኮይንኩም
ዘፈላልዮምን ዘመሳስሎምን ዘትዩ።
1. ሃሪሱ፣ ተጋዲሙ 2. ዓርኪ፣ መሓዛ 3. መፃወዲያ፣ መርበብ

ለ. ብመሰረት እቲ ዛንታ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።


1. ኣንበሳ ኣበይ ደቂሱ ነይሩ?
2. ኣንጭዋ እንታይ ገይሩ ይፃወት ነበረ?
3. እቲ ኣንበሳ ንምንታይ ስሒቑ?
4. ኣንበሳ ንምንታይ ርድኡኒ ኢሉ?

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።

ም ት ሕ ግ ጋዝ ምትሕግጋዝ
ም ት ሕ ስ ሳብ ምትሕስሳብ

ዓርሰ ንባብ
ምድግጋፍ ንሓባራዊ ረብሓ
ሀ. ብመሰረት እቲ ምንባብ፣ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።
ናይ ሰብ ሰሚዕኻ ሓሳብካ ምቕያር ፅቡቕ ድዩ? ንምንታይ ?
ለ. ፈላማይ ብፅሒት ስራሕ እቶም እንስሳት ኣብቲ ሰደቓ ዘለዉ ባዶ ቦታታት
ፀሓፉ።
ስም እንስሳ ብፅሒት ስራሕ
ከልቢ
ዒፍ
ኣንጭዋ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
38
ሰሙን 7 1ይ መዓልቲ

ሐ. ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።


1. ካብ ሰለስቲኦም እንስሳት ፈለማ ስራሕ ዝበዝሖ መን እዩ?
2. እታ ዒፍ መሓዛኣ ኣብ በረኻ ቅድሚ ምርካባ ሕጉስቲዶ ነይራ? ንምንታይ?
3. ኣንጭዋን ከልቢን ዝተቓወሙዎ ሓሳብ ዒፍ እንታይ ዝብል እዩ?
4. ከልቢ እንታይ ኢሉ መጐተ?
ቃላት
ብመሰረት እቲ ምንባብ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ፀሓፉ።

1. መሓዛ 2. ኣለሻ 3. ወፍሪ 4. ክትዕ 5. ደሃይ


ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ኣለሸት 3. ቀሰነ
2. ወፈረ 4. መቐለ

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሓሳባት ምሉእ ዝገብሩ ቃላት መሪፅኩም ፀሓፉ።

1. እታ ሓላፊት ምስ መሳርሕታ ሓሳብ ______ ኣዝያ ትፈቱ።


(ምልዋጥ/ምልውዋጥ)

2. ንፉዓት ክትኮኑ ምእንታን ነንርእስኹም ______ ኣለኩም።

(ክትደጋገፉ/ክትድግፉ)

3. ኣብ ክፍሊ ብጕጅለ ______ ኣድላዪ እዩ።

(ምምይያጥ/ምምያጥ)

4. ኣብ እዋን ፀገም ነንርእስኻ ______ ኣገዳሲ እዩ።

(ምሕጋዝ/ምትሕግጋዝ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
39
ሰሙን 7 2ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ምድግጋፍ ንሓባራዊ ረብሓ
ኣብቲ ምንባብ ተደሪኽኩም ነዞም ሕቶታት ናይ ባዕልኹም ሓሳብ ወሲኽኩም
ግለፁ።
1. መጀመርታ ዝገበሩዎ መቐሎ ስራሕ ንዒፍ ዝጎድኣ ነይሩ? ንምንታይ?
2. ዒፍ ሓዱሽ መቐሎ ስራሕ ንኽግበር ንምንታይ ደልያ?
3. እቲ ሓዱሽ መቐሎ ዕዮ ካብ ኩሎም ንመን ዘፀግም ይመስለኩም?
ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ሓረጋት ፀሓፉ።
1. ኪርኪር ኢሉ 2. ማይ ሓወረ 3. ሕዝ ኣበለ

ፅሕፈት
ብመሰረት ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ “መቐሎ ስራሕ ኣብ ስድራ ቤት” ዝገልፅ ሓደ
ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ስም እጃም ስራሕ
ንግሆ ኣጋ ምሸት
ኣይተ ሓዱሽ ምሕላብ፣ ቆልዓ ምሕብሓብ ማይ ምሕዋር፣ ዕንፀይቲ ምስባር
ወይዘሮ ሓዳስ ምግቢ ምስራሕ ምሕላብ፣ ቆልዓ ምሕብሓብ

3Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
ኣያ ኣንበሳን ኣንጭዋን
ነዞም ቀፂሎም ዝቐረቡ ሕቶታት ቅኑዕ መልሲ ዝሓዘ ፊደል ምረፁሎም።
1. ኣንበሳ ንምንታይ ተበራቢሩ?
ሀ. ስለዝሓረቐ ሐ. ኣፍንጭኡ ስለዝተነኽአ
ለ. ኣንጭዋ ስለዝዘለለ መ. መልሲ ኣይተወሃበን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
40
ሰሙን 7 3ይ መዓልቲ

2. ኣንበሳ ምስ ተበራበረ እንታይ ገይሩ?


ሀ. ነቲ ኣንጭዋ ብኢዱ ሒዙዎ ሐ. ንኣንጭዋ ክውሕጥ ሃህ በለ
ለ. ብተግባር እቲ ኣንጭዋ ሓረነ መ. ኩሎም መልሲ እዮም
3. እቲ ኣንጭዋ እንታይ ኢሉ ንኣንበሳ ለመኖ?
ሀ. ኣነ ንእሽተይ ፍጥረት እየ ሐ. ኣነ ክሕግዘካ እየ
ለ. ንዓይ በሊዕኻ ኣይትፀግብን መ. ኩሎም መልሲ እዮም
4. ኣንበሳ ክርትም ኢሉ ዝስሐቐ ንምንታይ እዩ?
ሀ. ኣንጭዋ ብምፍርሑ ሐ. ኣንጭዋ ክሕግዘካ ብምባሉ
ለ. ባዕሉ ብምፍርሑ መ. ኣንጭዋ ኣዕሩኽ ንኹን ስለዝበለ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
እንተ ተ በሃለ እንተተብሃለ
እንተ ተ በሃለ ት እንተተብሃለት

ዓርሰ ንባብ
ምድግጋፍ ንሓባራዊ ረብሓ
“ምድግጋፍ ንሓባራዊ ረብሓ” ብፅፈት ኣንቢብኩም ፍረ ሓሳቡ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ድለዩሎም።
1. ተጋዲሙ 2. ህራስ 3. በርከተ 4. ዱር 5. እሙናት

ፅሕፈት
ካብ ዛንታ ኣያ ኣንበሳን ኣንጭዋን ዝረኸብኩምዎ ትምህርቲ ዝገልፅ ሓደ
ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነቶም ባዶ ቦታታት ኣብ ሓፁር ብዘሎ ቃልን ምስኡ ዝሰማማዕ ጥብቆን ምልኡ።
አብነት፡- ኣነ ንፍዕቲ እንተተባሂለ ደስ ይብለኒ። (ተበሃለ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
41
ሰሙን 7 4ይ መዓልቲ

1. ንሳ ዕዮ ገዛ _________ ብእዋኑ ትሰርሕ። (ተወሃበ)


2. ንሱ ዕዮ ገዛ ________ ብእዋኑ ይሰርሕ። (ተወሃበ)
3. ንሳተን ብግቡእ _____ ፅቡቕ ውፅኢት ይረኽባ። (ተረደአ)

ዓርሰ ንባብ
ምድግጋፍ ንሓባራዊ ረብሓ
ሀ. ድሕሪ እዞም ስዒቦም ዘለዉ መተሓሓዝቲ ሓረጋት ዝተገለፁ ቀንዲ ሓሳባት
ፀሓፉ።
1. ቀደም ቀደም 3. ድሕሪ ነዊሕ እዋን 5. ኣብ መወዳእታ
2. ሓደ እዋን 4. ኣብ ቀፃሊ መዓልቲ
ለ. ኣብቲ ዛንታ ሕድሕድ እንስሳ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን ዝነበሮ ግደ
ግለፁ።
1. ከልቢ 2. ዒፍ 3. ኣንጭዋ

ቃላት
ነዞም ቃላት ካብቲ ምንባብ ተመሳሳሊ ፍታሕ ድለዩሎም።
1. መሰታ 2. ታሕጓስ 3. ወገን 4. ምይይጥ 5. ጥሪት

ፅሕፈት
“ምድግጋፍ ንሓባራዊ ረብሓ” ንዝብል ምንባብ ብኣርባዕተ ምሉእ ሓሳባት
ኣሕፂርኩም ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
42
ሰሙን 8
ዓርሰ ንባብ
ለባም ጐረቤት
ሰዓት ሓደ ናይ ምሸት እዩ። ኣይተ ሓገዞም ካብ
ስራሕ ተፈደሱ። ኣብ መንገዶም ካብ ዝነበረ
ድንኳን ኣራንሺን ሙዝን ዓዲጎም ናብ ገዝኦም
እናኸዱ “ደሓን’ዶ ውዒልካ ሓገዞም!” ዝብል
ሰላምታ ጐረቤቶም ኣይተ በርሀ ሰምዑ።

“እግዚኣብሄር ይመስገን ሓገዞም! ናበይ ደኣ


ትኸይድ ኣለኻ? ሕዚ ናብ ገዛ ዝእተዎ እዋንዶ
ኣይኮነን እዩ?” ኢሎም ሓተቱ።

“ኣታ ሓገዞም! ከም ደርሆዶ ብሕዚኡ ክንሰፍር ኢልካና? ሓደ ክልተ ክንብል እምበር እእ ..


እንታይ ኢኻኸ ቀንጠ መንጢ ምንጥልጣል ትፈቱ?”

“ንደቀይ ዝኸውን ኣራንሺን ሙዝን እዩ።”

“ክላእ! ቆልዑ ተረፍ ወለዶም ሓሲሶም እንተበሊዖም እኹል እዩ። ቀብጠርጠር ኣየድልን።
ሕማቕ ኣይተልምዶም።”

“ኣየ በርሀ! ግደፍ እንዶ! እዚ ትብሎ ዘለኻ ግዚኡ ዝሓለፎ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ቆልዑ ፍሉይ
ክንክን ደገፍን የድልዮም። ብስሩ እውን ህፃናት ካብ ወለዶም ፍቕሪ ረኺቦም ክዓብዩ፣
ዝተመጣጠነ ምግቢ ክረኽቡ፣ እንትሓመሙ ክሕከሙ፣ ናውቲ ትምህርቲ ክረኽቡ መሰል
ኣለዎም። ወለዲ ድማ እዚዩን ወዲ እዚዩን ምምላእ ግዴታና እዩ።”

“በል በል ይኣኽለካ ሓገዞም! ከምዚ ዝብለ መሰልን ግዴታን ኣይርደአንን።” ኢሎም ከምቲ
ወትሩ ናብ እንዳ መስተ ኣተዉ። ኣይተ ሓገዞም ግና ናብ ገዝኦም ከዱ።

ድሕሪ ድራር ኣይተ ሓገዞም ምስ ደቆም እናዕለሉ እናሃለዉ ኣብ ጐረቤት ብርቱዕ ኣውያት
ተሰምዐ። ኣይተ ሓገዞም ምስ በዓልቲ ቤቶም ናብቲ ዝተኣወዮ ቦታ ብቕልጡፍ ከዱ። እቲ
ኣውያት ኣብ እንዳ ኣይተ በርሀ ነበረ። ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቆልዓ ሳንቲም ናብ ጐረርኡ ኣትያ
ትንፋሱ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮነት። ኣይተ በርሀ ኣብ ገዛ ብዘይምንባሮም ኣይተ ሓገዞም
ንሓደ በዓል መኪና ጐረቤቶም ለሚኖም ናብ ሕክምና ወሰዱዎ። ኣብ ሕክምና እታ ሳንቲም
ምስ ወፀአት እቲ ቆልዓ ደሓነ። በዓልቲ ቤት ኣይተ በርሀ ኣይተ ሓገዞምን ጐራባብታን
ንዝገበሩላ ሓገዝ ኣዝያ ኣመስገነት።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
43
ሰሙን 8

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ምትሕግጋዝ ኣባላት ስድራ
ሀ. ነቶም ርእሲን ስእሊን እናረአኹም
መልሱ።
1. ኣብቲ ስእሊ ዘለዉ እንታይ እዮም?
2. ሕድ ሕዶም እንታይ እናገበሩ ዘለዉ
ይመስለኩም?
ለ. ነቱ ፅሑፍ እናዳመፅኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ሓደ ሓባራዊ ዕላማ ንምዕዋት ብሓባር ዝግበር ________ እዩ።
2. ኣብ መንጎ ___________ ዝህሉ መቐሎ ዕዮ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ።
3. ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ቤተሰብ ስራሕቲ ______________ይዓሙዎም እዮም።
ሐ. ነዞም ሕቶታት ካብ ዘዳመፅኩምዎ እናዘከርኩም መልሱ።
1. ኣብ ሓደ ስድራ ዝግበር መቐሎ ዕዮ እንታይ መሰረት ይገብር?
2. ኣብ ገፀርን ኣብ ከተማን ዝፍፀም መቐሎ ዕዮ ግለፁ።
3. መናእሰይን ቆልዑን ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ንምንታይ ይፈላለዩ?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ቀንጠ መንጢ ቀንጠ መንጢ
ተረፍ መረፍ ተረፍ መረፍ

ዓርሰ ንባብ
ለባም ጐረቤት
ሀ. ኣብ ቀዳማይ ገፅ ዘሎ ርእሲን ስእሊን ብምርኣይ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት
መልሱ።
1. እዞም ክልተ ሰባት እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?
2. ሰብ ለባም ዝበሃል እንታይ እንተገይሩ እዩ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
44
ሰሙን 8 1ይ መዓልቲ

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ካብ ክልቲኦም ንመን እዩ “ለባም ጐረቤት” ዝብል ኣርእስቲ ዝገልፆ?
2. እቲ ለባም ሰብኣይ እንታይ እንታይ ገይሩ?
ሐ. ነዞም ስዒቦም ሕቶታት ድሕረ ንባብ መልሱ።
1. ኣይተ በርሀ ንኣይተ ሓገዞም ኣበይ ረኸቡዎም?
2. ኣይተ ሓገዞም ኣብ ኢዶም ዘንጠልጠሉዎ እንታይ እዩ?
3. ኣይተ ሓገዞም ኣብ ኢዶም ዘንጠልጠሉዎ ነገር ንመን እዩ?
4. ኣውያት እንትስማዕ ኣይተ ሓገዞም እንታይ ይገብሩ ነይሮም?
ቃላት
ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ብመሰረት ኣብ ንባብ ዝህቡዎ ፍታሕ ኣብ “ለ”
ምስዘለዉ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ግዴታ 2. መሰል 3. ዕላል 4. ሓሲሶም
ለ ሀ. ግቡእ ለ. ፀሪጐም ሐ. ፀወታ መ. ሓላፊነት

ፅሕፈት
በዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ግዴታ 2. መሰል 3. ስድራ

Guyya 2
2ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ቀንጠ መንጢ ቀንጠ መንጢ
ተረፍ መረፍ ተረፍ መረፍ

ዓርሰ ንባብ
ለባም ጐረቤት
ነቲ ምንባብ እዚ ሰሙን ኣንቢብኩም ሓፀርቲ መልሲታት ሃቡ።
1. ኣይተ በርሀ ናበይ ከይዶም? ኣይተ ሓገዞምከ?
2. ኣብ እንዳ ኣይተ በርሀ ንምንታይ ኣውያት ተሰሚዑ?
3. ኣብ እንዳ ኣይተ በርሀ እንትእወይ መን ሓጊዙ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
45
ሰሙን 8 2ይ መዓልቲ

ቃላት
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሓረጋት ፍታሕ ሃቡ።
1. ዝተመጣጠነ ምግቢ 2. ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ

ፅሕፈት
ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ኣድላይነት ምትሕግጋዝ ዝገልፅ ሓደ
ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ምትሕግጋዝ ኣባላት ስድራ
ሀ. ኣብ ገፀር ዘሎ መቐሎ ስራሕ ኣብ ዝስዕብ ሰደቓ ምስ ኣባላት ስድራ
ብምዝማድ ፀሓፉ።
ኣባላት ስድራ ዕዮ
ኣዶ
ኣቦ
መናእሰይ
ቆልዑ
ለ. ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣባላት ስድራ ዝበሃሉ መን መን እዮም?
2. ኣብ ገዛኹም ንወለዲኹም እትሕግዙዎም ዕዮታት ግለፁ።
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ደሓን ዶ ውዒልካ እዋን ዶ ኣይኮነን ከም ደርሆ ዶ

ዓርሰ ንባብ
ለባም ጐረቤት
“ለባም ጐረቤት” ንዝብል ዛንታ ብዓውታን ብቕልጣፈን ኣንብቡ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ኣብ ዓውዲ ብምእታው ዘለዎም ፍልልይ ፍታሕ ግለፁ።
1. ሰፊሩ 2. ደገፍ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
46
ሰሙን 8

ፅሕፈት
ግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ተጠቒምኩም ቀንዲ ሓሳብ እቲ ምንባብ ብሓደ ዓንቀፅ
ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ደሓንዶ ውዒልካ እዋንዶ ኣይኮነን ከም ደርሆዶ

ዓርሰ ንባብ
ለባም ጐረቤት
ሀ. እዞም ስዒቦም ዘለዉ ሓረጋት ኣብቲ ምንባብ ዘመልክቱዎ ሓሳብ ግለፁ።
1. “ግዘ ዝሓለፎ” ዝብል ነየናይ ሓሳብ የርእይ?
2. “ቀብጠርጠር ኣየድልን” ዝብል ንመን ይመስለኩም?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።
1. “ፍሉይ ክንክንን ደገፍን ንህፃናት” እንታይ እንታይ ምግባር የጠቓልል?
2. ኣይተ ሓገዞም ናብቲ ዝተኣወየሉ ቦታ ምስ መን ከይዶም?
3. በዓልቲ ቤት ኣይተ በርሀ ንጐረባብታ ንምንታይ ኣመስጊናቶም?

ቃላት
ነዞም ቃላት ኣብ ዓውዲ ዝህቡዎ ፍታሕ መሰረት ገይርኩም ናይ ባዕልኹም
ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. መዓላ 2. ኣግባብ 3. መኣዲ 4. ይዓምም

ፅሕፈት
ነዚ ዝስዕብ ንፅፅራዊ ዓንቀፅ መልኡ።
ኣይተ ሓገዞም ንደቆምን ስድረኦምን ______________ ኣይተ ሓገዞም ግና
______________። ኣይተ ሓገዞም ብእዋኑ ______________ ናብ ገዛ ኣትዮም ምስ
ደቆም______________ ኣይተ በርሀ ግና ______________ ብምምሳዮም ወዲ 6
ዓመት ወዶም _______ ክሕግዙዎ ኣይከኣሉን። ሳላ ______________ክድሕን ክኢሉ።
በዓልቲ ቤት ______________ ንኣይተ ______________ ኣመስጊነን።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
47
9ይ
ሰሙን
ዓርሰ ንባብ
ጉድኣት ኣካል
ጉድኣት ኣካል ብሰንኪ ሓደጋ ወይ ሕማም
ዘጋጥም ናይ ኣእምሮ ስምዒት ሕዋስ ወይ
ካሊእ ክፍለ ኣካል መጉዳእቲ እዩ። ከም
መግለፂ ውድብ ሕቡራት መንግስቲታት
ብሰንኪ ዝተፈላለዩ መጉዳእቲታት 500
ሚልዮን ዝኾኑ ጉዱኣት ኣካል ኣለዉ። ኣብ
ሃገርና ቝፅሪ ጉዱኣት ኣካል ልዑል እዩ።
ብ1986 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ቆፀራ ህዝቢን
ኣባይቲን 988,849 ዝኾኑ ጉዱኣት ኣካል ወገናት ከምዘለዉ ተገሊፁ። እዚ መጠን ነቶም
ገዛ ዘይብሎም ኣይሓውስን። ሕብረተሰብ ዓለም ኮነ ሃገርና ብዛዕባ እንታይነትን መንቀሊን
ጉድኣት ኣካል እኹል ግንዛበ ክረክብ ኣለዎ። ብመሰረት እቲ ግንዛበ ቕልጡፍን ዝተዋደደን
ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ እዚ ቝፅሪ ከምዝውስኽ ይግመት።

ጉድኣት ኣካል ወገናት ጠቕሊሎም ኣብ ዓውደ ስራሕ ኮነ ትምህርቲ ተዋፊሮም ዘዕግብ


ውፅኢት ካብ ምምዝጋብ ዝእግድ ኣይኮነን። ዝሰርሑሉ ቦታን ኩነታትን እንተተመቻችዩሎም
ዓርሶም ይኽእሉ። ኣብ ትካላት ትምህርቲ ድማ ትምህርቲ ምስ መጉዳእቶም ብዘይፃባእ
ክመሃሩ እንተተገይሩን እንተተሓጊዞምን ዘድሊ ፍልጠትን ክእለትን ክጭብጡ ይኽእሉ እዮም።

እዞም ወገናት ከም ኩሉ መፍረያይ ኮይኖም ንባዕሎምን ንቤተሰቦምን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።


ዓርሶም ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ሃገር ብንጥፈት ተዋሳእቲ እዮም። ንኣብነት
ኣብ ሃገርና ኮነ ኣብ ክልልና ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ከይተሰኮኑ ኣብ ኪነ ጥበብን ካልኦት
ዓውዲታትን ተዋፊሮም ውፅኢታዊ ስራሕ ዝሰርሑ ኣለዉ።

ብሓፈሻ ንመጉዳእቲ ኣካል ዝተቓልዑ ወገናት ሰብኣዊ ክብሮምን መሰሎምን ክሕሎ ይግባእ።
ሕብረተሰብ ኣብ ዝግብሮም ማሕበረ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓሳት ማዕረ ተሳተፍቲ
ንኽኾኑ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ክግበሩ ኣለዎም። ናይ እዞም ወገናት መነባብሮ ኣብ ምቕያር
መንግስቲ መሪሕ ግደ እኳ እንተሃለዎ ደገፍ ሕብረተሰብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን
ወሳኒ እዩ። ሕብረተሰብ ኣብ ጉዱኣት ኣካል ዘለዎ ግጉይ ኣረኣእያ ከስተኻኸልን መንቀሊታት
ጉድኣት ኣካልነት ብዝግባእ ክርዳእን ኣለዎ። ብተወሳኺ መከላኸሊ ሜላታት ኣብ ምንዳይን
ንጉዱኣት ኣካል ኣዳላዪ ደገፍ ኣብ ምግባርን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ይግባእ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
48
ሰሙን 9

Guyya 2
1ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ብልሓተኛ ሽማግለ

ሀ. ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ርእሲን ስእሊን ርእይኹም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ኣብ ከባቢኹም ኣዝዮም ዝሸምገሉ ሰባት እንታይ ይሰርሑ?
2. ኣብቲ ስእሊ እትርእዩዎም ሽማግለ እንታይ ይሰርሑ ኣለዉ?
ለ. ነቲ ዛንታ እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. “ዓበይቲ ዓዲ” (ዓንቀፅ 1) ዝብል ሓረግ እንታይ ማለት እዩ?
2. እቶም መናእሰይ ብሓሳብ እቶም ሽማግለ ዝሰማምዑዶ ይመስለኩም?
3. እቶም መናእሰይ ብመሰረት ትእዛዝ እቲ ንጉስ ዝሃንፁዶ ይመስለኩም?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. እቶም መናእሰይ ንሽማግለታት እቲ ዓዲ ንምንታይ ቀቲሎምዎም?
2. እቶም መናእሰይ ፈለማ ናብቲ ሽማግለ ሰብኣይ እንታይ ክገብሩ ከይዶም?
3. ካልኣይ ትእዛዝ እቲ ንጉስ እንታይ ዝብል ነይሩ?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
እንተ ዘይ ተሓጊዞም እንተዘይተሓጊዞም
እንተ ዘይ ተዋሂቦም እንተዘይተዋሂቦም

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
49
ሰሙን 9 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ጉድኣት ኣካል
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ኣብ ከባቢኹም ጉዱኣት ኣካል ኣለዉዶ?
2. እዞም ወገናት ተማሂሮም ዓርሶም ንክኽእሉ እንታይ ፍሉይ ደገፍ
ይግበረሎም?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ከም መግለፂ ውድብ ሕቡራት መንግስቲታት ኣብ ዓለም ክንደይ ዝኾኑ ሰባት
ጉዱኣት ኣካል ኮይኖም?
2. ብመሰረት 1986 ዓ.ም. ዝተገበረ ሃገራዊ ቆፀራ፣ ቁፅሪ ጉዱኣት ኣካል ሃገርና
ክንደይ እዩ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ጉዱኣት ኣካል ክልልና ኣብ ከመይ ዝበሉ ስራሕቲ ይሳተፉ ኣለዉ?
2. መነባብሮ ጉዱኣት ኣካል ንምምሕያሽ ፃዕሪ መን የድልይ?
ቃላት
ነዞም ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ “ለ” ዝተወሃቡ ፍታሖም ኣዛምዱ።

ሀ 1. ምንዳይ 2. ዘይተሓለለ 3. ዝተዋደደ 4. ዝእግድ 5. ዝዋሳእ


ለ ሀ. ዝኽልክል ለ. ዝሳተፍ ሐ. ምእላሽ መ. ዘየቋርፅ ረ. ዝተሰማምዐ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. መጉዳእቲ 2. ኣዕጋቢ 3. መከላኸሊ 4. ኣድላዪ 5. ፃዕሪ

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
እንተ ዘይ ተሓጊዞም እንተዘይተሓጊዞም
እንተ ዘይ ተዋሂቦም እንተዘይተዋሂቦም

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
50
ሰሙን 9 2ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ጉድኣት ኣካል
ሀ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ጉድኣት ኣካል እንታይ ማለት እዩ?
2. ጉድኣት ኣካል ንኸይውስኽ ከመይ ዝበለ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ?
3. ብ1986 ዓ.ም. ኣብ ዝተገብረ ቆፀራ ዘይተሓወሱ ኣየነዎት እዮም?

ለ. “ጉድኣት ኣካል” ዝብል ምንባብ ብፅፈትን ብዘይ ጋእጋእን ኣንብቡ።


ቃላት
ነቶም ዝተሰመሩሎም ቃላት ኣብ ዓውዲ ዘለዎም ፍታሕ ሃቡ።
1. ሰላም ሓንቲ ሃገር ኣብ ምርግጋእ ተራ ሕብረተሰብ ልዑል እዩ።
2. ማሕበር መምህራን ካብ ሙያ መምህርነት ወፃኢ ንዘሎ ሰብ ኣይሓውስን።
3. ሕብረተሰብ ኣብ ጉዱኣት ኣካል ዘለዎ ዝተዛብዐ ኣረኣእያ ከዕርይ ይግባእ።

ፅሕፈት
ጉድኣት ኣካል ንዝብል ምንባብ ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ብምጥቃም ኣሕፂርኩም
ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ብልሓተኛ ሽማግለ
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ብልሓተኛ ሽማግለ ካብ ዝብል ዛንታ እንታይ ትዝክሩ?
ለ. እናዳመፅኩም ድሕሪ ሕድ ሕድ ዘረባ ወይ ሓሳብ እቲ ዝተዛረበ ኣካል
ንምሕባር (X) ኣብቲ ሰደቓ ምልኡ።
ዘረባ ተዛራቢ ወይ በዓል ሓሳብ
ንጉስ ሽማግለ መንእስይ/መናእሰይ
ቅድሚ ምቕታልኩም ስምዑኒ
ናብቶም ዘትረፍናዮም ሽማግለ ንኺድ
ኣብቲ ዝህነፅ ቦታ እምነ ኵርናዕ ኣቀምጠልና X
ንኹሎም ዓበይቲ ቅተሉዎም

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
51
ሰሙን 9 3ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. እቲ ንጉስ ሽማግለታት እቲ ዓዲ ንኽቅተሉ ዝኣዘዘ ንምንታይ እዩ?
2. እቶም ሽማግለ ከይተቐተሉ ብምትራፎም እንታይ ረብሓ ተረኺቡ?
3. ፍረ ነገር “ብልሓተኛ ሽማግለ” ዝብል ዛንታ እንታይ እዩ?
4. እቲ ንጉስ ክህነፀሉ ዝደለዮ ህንፃ ንቡር ድዩ? ንምንታይ?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ዝ ኣዘዘ ኩም ዝ ኣዘዘ ካና ዝ ኣዘዘ ትና

ዓርሰ ንባብ
ጉድኣት ኣካል
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. “ጉድኣት ኣካል” ካብ ዝብል ምንባብ እንታይ መልእኽቲ ጨቢጥኩም?
2. ኣብ ቤት ትምህርቲኹም ዘለዉ ጉዱኣት ኣካላት ከመይ ክሕገዙ ይግባእ?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝተጀመሩ ሓሳባት ኣማልኡ።
1. ኣብ ሃገርና ቁፅሪ ጉዱኣት ኣካል ______።
2. ጉዱኣት ኣካል ዝሰርሑሉ ቦታን ኩነታትን እንተተመቻችዩሎም_______።
3. ጉዱኣት ኣካል ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን _________________።
4. መንግስቲ ንጉዱኣት ኣካል ኣድላዪ ደገፍ ኣብ ምግባር____________።

ቃላት
ኣብ ታሕቲ ካብ ዝቐረቡ ቃላት መሪፅኩም እቶም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
ግንዛበ ዓውደ ስራሕ ወሳኒ ዝፃባእ
1. ኣብ ምልማዕ ሓንቲ ሃገር መናእሰይ _________ ግደ ኣለዎም።
2. እንበልዖ ምግቢ ንጥዕናና __________________ ከይኸውን ጥንቃቐ ምግባር የድልይ።
3. ሕብረተሰብ ብዛዕባ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እኹል_____ክህሉዎ ይግባእ።
4. ኣብ ዝኾነ ዝተዋፈርካሉ________ ብትግሃት ምስራሕ የዐውት።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
52
ሰሙን 9 3ይ መዓልቲ

ፅሕፈት
ሕብረተሰብ ጉዱኣት ኣካል መፍረይቲ ዜጋ ንክኾኑ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ
ዝገልፅ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ፀሓፉ።
ዝ ኣዘዘ ኩም ዝ ኣዘዘ ካና ዝ ኣዘዘ ትና
ዓርሰ ንባብ
ጉድኣት ኣካል
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሲ ሃቡ።
1. ጉድኣት ኣካል ብምንታይ ይኽሰት?

2. ቁፅሪ ጉዱኣት ኣካል ዝውስኽ ኣብ ዓለምና ኮነ ሃገርና እንታይ


እንትኸውን እዩ?

3. ጉዱኣት ኣካል ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ዝግባእ ፍልጠትን ክእለትን


ክጭብጡ ምእንታን እንታይ ክግበር ኣለዎ?
ለ. ነቲ ምንባብ ብዘይ ጋእጋእን ብዝሓሸ ቅልጣፈን ኣንብቡ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ትኽክል ዝኾነ ፍታሕ ምረፁ።
1. ተዋሳእቲ ሀ. መራሕቲ ለ. ተሳተፍቲ ሐ. ተኣዘዝቲ መ. ተዛረብቲ
2. ዝተመቻቸወ
ሀ. ዝተስተኻኸለ ለ. ዝተስፋሕፈሐ ሐ. ዝተዘርገሐ መ. ዝተጎሳቖለ
3. ኣዕጋቢ ሀ. ማዕረ ለ. እኹል ሐ. ክቡር መ. መዕገቢ
4. ዓርሶም ሀ. ንሳቶም ለ. ንሶም ሐ. ባዕሎም መ. ኩሎም

ፅሕፈት
ብዛዕባ መፍረያይነት ጉዱኣት ኣካል ዝፀሓፍኩምዎ ዓንቀፅ ስርዓተ ነጥቡ ኮነ
ኣጠቓቕማ ቋንቁኡ ብምእያም ኣመዓራሪዂም ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
53
ሰ ሙን 10
ዓርሰ ንባብ
ምትእትታው ስርዓተ ፆታ
ሓንቲ ሃገር ዝተማልአ ዕብየት
ክህሉዋ እንተኾይኑ ፆታዊ
ማዕርነት ክተረጋግፅ ግድን እዩ።
ፆታዊ ማዕርነት ክረጋገፅ ዝኽእል
ድማ ኣብታ ሃገር ስርዓተ ፆታ እንድሕር
ተኣታትዩ እዩ። ምትእትታው ስርዓተ ፆታ ኣብ ሓደ ስርዓት ዝህሉዉ ዝተፈላለዩ ትካላት
ዘውፅኡዎም ትልሚታት ንኽልቲኡ ፆታታት ፍትሓዊ ተጠቃማይነት ብዘረጋግፅ ሜላ
ንኽፍፀም ይሕግዝ።

ብርግፅ ምትእትታው ስርዓተ ፆታ ሕቶ ፍትሓዊነት ጥራሕ ዘይኮነስ ማዕረን ዘላቒን ዕብየት


ደቅ ሰባት ንምርግጋፅ እቲ ዝበለፀን ውፅኢታዊን ሜላ እዩ። ብመንፅር ምንካይ ድኽነትን
ምዕባይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሕብረተሰብን ድማ ቀንዲ መስርሕ ተገይሩ ይውሰድ። እዚ ከይዲ
ብምግባርን ፆታዊ ኣፈላላያት ብምቕናስን ምግላል ሓደ ፆታ ንምውጋድ ዝሰርሕ እዩ። ስርዓተ
ፆታ ብዛዕባ ደቂ ኣንስቲዮ ዝስራሕ ስራሕን ንደቂ ኣንስቲዮ ዝምልከት ዛዕባን ጥራሕ ዘይኮነስ
ንጉዳይን ተጠቃማይነትን ደቂ ተባዕትዮ እውን ይጥምት እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስቲዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ሓላፊነትን ተሓታቲነትን ክህሉ


ይገብር። ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ሰራሕን ገዛን ዘሎ ሓላፊነትን ኣብ ስድራ ዘሎ መጠንን
መቐሎን ስራሕን ድማ ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣሰራርሓታት ለውጢ ይሓትት።

ምትእትታው ስርዓተ ፆታ ማዕረ ተሳታፊነትን ተጠቃማይነትን ዜጋታት ብቐሊሉን ኣብ


ሓፂር እዋንን ዝዕወት ጉዳይ ኣይኮነን። ንዕውትነቱ ናይ ኩሉ ዜጋ ልዑል ተወፋዪነት
ይሓትት። ዝተፈላለዩ ትካላት ድማ ዝሕንፅፁዎም ትልሚታት ነዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ዘእተወ
ክኸውን ይግባእ።

ብኣጠቓላሊ ኩሉ ዜጋ ምትእትታው ስርዓተ ፆታ ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ምዃኑ ተገንዚቡ


ንተግባራዊነቱ ለይቲን ቀትሪን እንተይበለ ክሰርሕ ይግባእ።

(ፍልፍል፡- መፅሄታት ዕርያን ሓሪናን፣ ተመሓይሹ ዝተወሰደ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
54
ሰሙን 10

Guyya 2
1ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ስርዓተ ፆታ

ሀ. ኣብ ከባቢኹም “ወዲ ወዶ”ን “ጓል ጓሎን” ይበሃልዶ? ንምንታይ?


ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ወዲ ወይ ጓል ምዃን ___________ ክስተት እዩ።
2. ስርዓተ ፆታ ደቂ ኣንስቲዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ስራሕ ዘለዎም ናይ ስራሕን
____________ ን ___________ ን ይጥምት።
ሐ. ኣብ ታሕቲ ንዘለዉ ሕቶታት ካብ ዘዳመፅኩምዎ እናዘከርኩም መልሱ።
1. ፆታን ስርዓተ ፆታን ፍልልዮም እንታይ እዩ?
2. ኣብ ከባቢኹም ካብ ዝርከቡ መግለፂታት ፆታን ስርዓተ ፆታን ምስ ኣብነቶም
ግለፁ።

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ተ ሓታቲ ነት ተሓታቲነት
ተ ወፋዪ ነት ተወፋዪነት

ዓርሰ ንባብ
ምትእትታው ስርዓተ ፆታ
ሀ. ርእሲን ስእሊን እቲ ምንባብ ምስረኣኹም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ መልሱ።
1. ኣብ ከባቢኹም ዕዮ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቂ ኣንስቲዮ ዝበሃል ኣሎዶ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣብ ከተማን ገፀርን ብልሙድ ዝረአ ፍልልይን ምምስሳልን ዕዮታት ደቂ
ተባዕትዮን ደቂ ኣንስቲዮን ግለፁ።
2. ኣብ ስድራ ዘሎ መጠን ስራሕ ብኸመይ ይምደብ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
55
ሰሙን 10 1ይ ን መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ንዝኾነ “ሓቂ” ትኽክል ንዘይኮነ ድማ “ጌጋ”


ብምባል መልሱ።
1. ሓንቲ ሃገር ዝተማልአ ዕብየት ንኽህሉዋ ፆታዊ ማዕርነት ክረጋገፅ ይግባእ።
2. ምክፍፋል ዕዮታት ንጓልን ንወዲን ፆታዊ ማዕርነት ይፃባእ።
3. ምሉእ ተጠቃማይነት ዜጋታት ኣብ ሓፂር እዋን ዝፍፀም ጉዳይ እዩ።

ቃላት
ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ብመሰረት ኣብቲ ምንባብ ዝለዎም ፍታሕ ኣብ “ለ”
ምስዘለዉ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ቀንዲ 2. ጠመተ 3. ምግላል 4. ዛዕባ 5. ሓላፊነት
ለ ሀ. ምፅያፍ ለ. ትዅረት ሐ. ዋና መ. መዝነት ረ. ዋኒን

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ዝተጠናኸረ 2. ውፅኢታዊ 3. መድልዎ

2ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ተ ሓታቲ ነት ተሓታቲነት
ተ ወፋዪ ነት ተወፋዪነት

ዓርሰ ንባብ
ምትእትታው ስርዓተ ፆታ
ሀ. ብመስረት እቲ ምንባብ ነዞም ሕቶታት መልሱ።
1. ፍትሓዊ ተጠቃማይነት ብዘረጋግፅ ዝብል ብኸመይ ተገሊፁ?

2. ምትእትታው ስርዓተ ፆታ ምስ ምዕባለ ሃገር ዘለዎ ምትእስሳር ግለፁ?


ለ. ምትእትታው ስርዓተ ፆታ ዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
56
ሰሙን 10

ቃላት
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ሃቡ።
1. ዕብየት 2. ተባዕታይ 3. ጓል 4. ግምት 5. ሓባራዊ

ፅሕፈት
“ምትእትታው ስርዓተ ፆታ” ንዝብል ምንባብ ብ4-6 ምሉእ ሓሳባት ዓንቀፅ
ኣሕፂርኩም ፀሓፉ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ስርዓተ ፆታ
ሀ. እናዳመፅኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ፆታ ብግዘ፣ ከባቢ፣ _____ን _____ን ኣይፋላለን።

2. ፆታ መሰረት ዝገበሩ እጃምን ሓላፊነትን ምስ _____ን _____ን ሕብረተሰብ


ዝዛመዱ እዮም።

ለ. ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።


1. ሰደቓ ብምድላው ኣብ ገፀር ዘሎ መቐሎ ስራሕ ምስ ስርዓተ ፆታ ብምዝማድ
ምልኡ።

2. ስርዓተ ፆታ ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ብምንታይ ይፍለ?

3. ኣብ ከባቢኹም ዘሎ መቐሎ ዕዮ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስቲዮን ከመይ ክኸውን


ኣለዎ? ንምንታይ?

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ፍትሓዊ ነት ፍትሓዊነት
ማሕበራዊ ነት ማሕበራዊነት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
57
ሰሙን 10 3ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ምትእትታው ስርዓተ ፆታ
“ምትእትታው ስርዓተ ፆታ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ፍረ ሓሳቡ
ግለፁ።
ቃላት
ኣብ “ለ” ንዘለዉ ቃላት ብተፃራሪ ፍታሕ ምስ ኣብ “ሀ” ዘለዉ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ሓያል 2. ውሻጠ 3. ክብረት 4. ዘላቒ

ለ ሀ. ደገ ለ. ግዝያዊ ሐ. ሕስረት መ. ድኹም

ፅሕፈት
“ደቂ ኣንስቲዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ እየን” ብዝብል ሓሳብ ካብ 4-6 ምሉእ
ሓሳባት ዝሓዘ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

4Guyya

መዓልቲ2
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ፍትሓዊ ነት ፍትሓዊነት
ማሕበራዊ ነት ማሕበራዊነት

ዓርሰ ንባብ
ምትእትታው ስርዓተ ፆታ
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ምስ ኮፍ መባህልቲኹም ተመያየጡሉ።
1. ሓንቲ ሃገር ዝተማልአ ምዕባለ ንኽህልዋ ፆታዊ ማዕርነት እንታይ ግደ ኣለዎ?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ንዝኾነ “ሓቂ” ትኽክል ንዘይኮነ ድማ “ጌጋ”
በሉ።
1. ምርግጋፅ ፆታዊ ማዕርነት ምስ ምርግጋፅ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ዝተተሓሓዘ እዩ።
2. ምርግጋፅ ስርዓተ ፆታ ሕቶ ፍትሓዊነት ጥራሕ እዩ።
3. “ስራሕ ወዲ”ን “ስራሕ ጓል”ን ተፈጥሮኣዊ መቐሎ ዕዮታት እዮም።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
58
ሰሙን 10 4ይ መዓልቲ

ቃላት
እዞም ዝስዕቡ ቃላት መምስዝምልከቶም እናጠመርኩም ቃላት መስርቱ።
ኣንስቲዮ፣ ፆታዊ፣ መቐሎ፣ ደቂ፣ ማዕርነት፣ ዕዮ

ፅሕፈት
“እጃም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስቲዮን ኣብ ምርግጋፅ ማዕርነት ስርዓተ ፆታ”
ብዝብል ሓሳብ ነንሕድሕዶም ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ዝሓዙ ክልተ ዓንቀፃት
ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
59
ሰ ሙን 11
ዓርሰ ንባብ
ትኽእል እያ!
ካብ ውሻጠ ወፂኣ ክትፍፅም ዕማማት

ክትስጉም ክትሰግር ፈተንቲ ፀገማት

ተምሳሌት ክትከውን ኣብ ኩሎም ዓውድታት

ሃገር ክተቕንዕ ሒዛ መሪሕነት።

....ትኽእል እያ!

ወታደር ክትከውን ፀላኢ ክትግንድስ

ክትቅይስ ክትሃንፅ ወሓለ መሃንዲስ

ሕሙም ክተሕዊ ኮይና ህርኩቲ ዶክተር

ምህዞታት ክትምህዝ ክትሓትት ክትምርምር።

....ትኽእል እያ!

ክትሓርስ ክትኵስኩስ ክትሓፍስ እቶት

ክትሽለም ክትነግስ ኣብ ግጥማት ስፖርት

ብምድሪ ብሰማይ ክትዝውር ክተንፍር

ኣብ ውራይ ሃገራ ክትዝቲ ክትመክር።

...ትኽእል እያ!

ወገና እተምህር እተጨበጥ ፍልጠት

ኣብ ኩሉ ትበፅሕ ገናሒት መራሒት

ወፊራ ትኣቱ ጠባሪት ሓብሓቢት

መኹርዒት ወገና ሕድሪ ተረካቢት።

ክትከውን ትኽእል እያ!

(ፍቓዱ ገብረእግዚኣብሄር፣ 2006፣ ዘይተሓተመ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
60
ሰሙን 11

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
መን እየ ኣነ?

ሀ. እተን ኣብቲ ስእሊ ዘለዋ ደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ኢደን ዝሓዘኦ ተዛረቡ።


ለ. ነቲ ግጥሚ እናዳመፅኩም ኣብ መወዳእታ ተለላ ሓደ ዓይነት ድምፀት
ዘለዎም ቃላት ፀሓፉ።
ሽግር ዝግሀስ ሰቲረ
1. ______________________ ________________________ ________________________
2. ________________________ ________________________ ________________________
3.. ________________________ ________________________ ________________________
4. ________________________ ________________________ ________________________
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ትኽክል ዝኾነ መልሲ ሃቡ።
1. “መን ከማይ በሃሊ” ________ ማለት እዩ።
ሀ. ንፉዕ ለ. ምኩሕ ሐ. ኩሩዕ መ. ንፉግ
2. ሓዝ ክሕዝ _________ማለት እዩ።
ሀ. ኢድ ንኢድ ምትሕሓዝ ሐ. ቁርፂ እዋን
ለ. ንስኻ ሓዝ ኣነ ክሕዝ መ. ኩሎም
3. “ሓራስ ነብሪ” ___________ማለት እዩ።
ሀ. ቁጥዕቲ ለ. ወላድ ነብሪ ሐ. ርህርህቲ መ. ተናኻሲት
4. ዓንዲ ስድራ?
ሀ. ጠዋሪት ለ. ሓብሓቢት ሐ. ናባይት መ. ኩሎም
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ክ ት ምህዝ ክትምህዝ
ክ ት ከውን ክትከውን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
61
ሰሙን 11 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ሀ. ነቲ ግጥሚ ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዘራረቡሎም።
1. እቲ እተንብቡዎ ግጥሚ ብዛዕባ እንታይ ዝገልፅ ይመስለኩም?

2. ጓል ኣንስተይቲ እንታይ ክትከዉን እትኽእል ይመስለኩም?

ለ. ኣብ መወዳእታ ሕድሕድ መስመር ብሓደ ዓይነት ድምፂ ዝዉድኡ ቃላት


ብሪጋ ፀሓፉ።
ዕማማት ፍልጠት ክትግንድስ ክትነፍር
1. ______________________ ________________________ ________________________ ________________________
2. _______________________ ________________________ ________________________ ________________________
3. ________________________ ________________________ ________________________ ________________________
4. ________________________ ________________________ ________________________ ________________________

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ‘ወፊራ ትኣቱ’ ዝብል ካበይ ናበይ የርእይ?
2. ፈተንቲ ፀገማት ደቂ ኣንስቲዮ ዝበሃሉ ዘርዝሩ።
3. ‘ተምሳሌት ክትከውን’ እንትብል ናይ እንታይ ተምሳሌት እዩ?

ቃላት
ዓውዳዊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ፀሓፉ።
1. ምምእራር 2. ስርዓት 3. ህርኩቲ 4. ምርምር 5. ዘተ

ፅሕፈት
ኣብ መንጎ ግጥሚን ሌጣ ፅሑፍን ዘሎ ምምስሳልን ኣፈላላይን ብለስተ ምሉእ
ሓሳባት ግለፁ።

2ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ክ ት ምህዝ ክትምህዝ
ክ ት ከውን ክትከውን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
62
ሰሙን 11 2ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ትኽእል እያ!
ነቲ ግጥሚ ብፅፈት ኣንብቡ።
ቃላት
ተፃራሪ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ፀሓፉ።
1. መኹርዒ 2. ፀገም 3. ምኽሪ 4. ወገን 5. ርህርህቲ

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ካብ ዘለዋ መርኣያ ዝኾና ደቂ ኣንሰትዮ ሓንቲ መሪፅኩም ብዛዕባ
ስርሓ ወይ ክእለታ ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒመኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ

ምድማፅ
መን እየ ኣነ?
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቅድመ ምድማፅ ተመያየጡሉ።
1. ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ግዘ ካብ ዝተነበበ ግጥሚ እንታይ ትዝክሩ?
2. “ንባዕለይ ኮሪዐ ሃገረይ ዘኽብር” እንትብል እንታይ ማለቱ እዩ?
ለ. ነዞም ዘይተማልኡ ሓረጋት ምልኡ።
1. ፀገም ተፃዊረ _________________።
2. ዓንዲ ስድራ _________________።
3. “መን ከማይ” በሃሊ _________________።
4. ‘ሓራስ ነብሪ’ _________________።
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ድሕረ ምድማፅ መልሱ።
1. ዘዳመፅኩምዎ ግጥሚ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ግለፁ።
2. ሓደ ተለላ ግጥሚ ክንደይ ሓረግ ኣለዎ?
3. ሰለስተ ባህሪያት ግጥሚ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
63
ሰሙን 11 3ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ክ ት ሽለም ክትሽለም
ክ ት መክር ክትመክር

ዓርሰ ንባብ
ትኽእል እያ
ነቲ ግጥሚ ዜማዊ ድምፀት ሓሊኹም ኣንብቡ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ “ለ” ናብ ምድብ “ሀ” ብተመሳሳሊ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ሸታሕታሕ 2. ሰሰነ 3. ዕንጋለ 4. መኪታ 5. ተምሳሌት
ለ ሀ. ወሰኸ ለ. ፅጋብ ሐ. ዘልሓጥሐጥ መ. መርኣያ ረ. ስዒራ

ፅሕፈት
ነዞም ኣብ ሓፁር ዝተቐመጡ ሓረጋት መስርዖም ብምስትኽኻል ምስ ቀዳማይ
ተለላ ግጥሚ ክሰማዕማዕ ግበሩ።
ትምህርቲ ትምህርቲ ሃናፂት ደቂሰብ
(ፍልጠት እተኽስብ) (ብርሃና እናሃበት)

(ኣእምሮ ተዕንብብ) (ስብእና ትቐርፅ)

(እተስንቕ ጥበብ) (ህይወት እተዕሪ)

4Guyya

መዓልቲ2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ክ ት ሽለም ክትሽለም
ክ ት መክር ክትመክር

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
64
ሰሙን 11 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ትኽእል እያ
ሀ. ኣብ ካልአይቲ ብርኪ እቲ ግጥሚ እታ ጓል ኣንስተይቲ እንታይ እንታይ
ከም ትኽእል ተሓቢሩ?
ለ. ነቲ ግጥሚ ብግቡእ ኣደማምፃን ዜማን ኣንብቡ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ተፃራሪ ፍታሕ ፀሓፉ።
1. ብሃበ ተረኸበ 3. መኹርዒት ወገና 5. ሕሙም ክተሕዊ
2. ክትቅድስ 4. ብፅንዓት ክትስዕር

ፅሕፈት
“ትኽእል እያ” ዝብል ግጥሚ ናብ ሓደ ዓንቀፅ ሌጣ ፅሑፍ ለዉጡ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
65
ሰ ሙን
ዓርሰ ንባብ
12
ስድራ ቤት ህይወት
እዋኑ ግንቦት ነበረ። ሓረስቶት ጣብያ
ሓዱሽ ዓለም ቁሸት ወለላ ንጉሆ ተላዒሎም
ናውቲ ማሕረሶም ኣዋዲዶም ምስ ኣብዑሮም
እናተዛረቡ ይሓርሱ ነበሩ። ወይዘሮ ህይወት
ግና ብሃንደበታዊ ሞት በዓል ገዝኣ ብሓዘን ተዀርምያ ብዛዕባ መፃኢ ህይወታን ህይወት
ክልተ ደቃን ትሓስብ ነበረት። ኣብዚ እዋን ግራታ ስኣን ዝሓርሰላ ባዲሙ ከይተርፍ እውን
ሰግአት።

ኣብ ከምዚ ፀገም እናሃለወት ተስፋይ ትምህርቲ ከምዘቋርፅ ነገራ። ወይዘሮ ህይወት ሓዘን
እናተሰመዓ “ንምንታይ ወደዋይ!” ኢላ ሓተተቶ። “ግራትና ክሓርስ።” በላ። ኣዲኡ መልሲ
ከይሃበት ኣብ ሓሳብ ጠሓለት። ንኹሉ ነገር ኣመዛዚና ደቃ ትምህርቲ ከቋርፁ ከምዘይብሎምን
ግራታ ባዕላ ክትሓርስን ወሰነት። ውሳነኣ ንደቃ ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ስራሕቲ ገዛ
ባዕልቶም ክሽፍኑ ተስማዕምዑ።

ንፅባሒቱ ወይዘሮ ህይወት መሳርዕ ኣዋዲዳ ዕማማት ክተሳልጥ ጀመረት። ደቃ ምግቢ ኣብ


ደረት ገዲፎሙላ ቤት ትምህርቲ ከዱ። ወይዘሮ ህይወት እናሓረሰት ዝረኣዩዋ ኣዝማዳ፣
ዓዲ ካብ ተፅርፍ ባዕሎም ንኽሓርሱላ ነገርዋ። ህይወት ግና “ባዕለይ ክሰርሖ ዝኽእል ሰብ
ክሰርሐለይ ኣይደልን” ኢላ ስርሓ ቀፀለት።

ፍርቂ መዓልቲ ምሳሕ ክትምገብ ኣዕረፈት። ብኣከሻሽና ወዳ ከርና ተሓጐሰት። ድሕሪ ምሳሕ
ማሕረስ ቀፀለት። ሰዓት ትሽዓተ ምስኮነ መዓል ፅምዲ ዝኸውን ግራት ወደአት።

ተስፋይን ሰመረን ኣዲኦም ንምቕባል ተዳለዉ። ሰመረ መረባ ኰስቲሩ መሕፀቢ ዝኸውን
ማይ ኣዳለወ። ተስፋይ ድማ ምግቢን ኣቑሑ ቡንን ቀራረበ። ህይወት ኣብ ገዛ ምስ በፀሐት
ደቃ ነቲ መሳርዕ ተቐበሉዋ። እግራ ሓፂቦም ምግቢ ቀረቡላ። ብሓጎስ ምስ ደቃ ወኻዕኻዕ
እናበለት ተስፋይ ዘፍለሖ ቡን ተቋደሰት። ድሕሪኡ ተስፋይን ሰመረን ናብ መፅናዕቶም
ኣተዉ። ህይወት ሕጉስ መነባብሮ ስድራኣ ፍልፍሉ ምትሕልላይን ስራሕ ተባዕታይን ስራሕ
ኣንስተይቲን ከይበልካ ምስራሕን ምዃኑ ተረድአት። ኩሎም ንጥፈታት ሕርሻ ባዕላ ወጋጊና
ፍርያት ናብ ገዝኣ ኣእተወት። መነባብሮ ስድራ ቤት ህይወት ቅሳነት ዘለዎ ኮነ። ንሳ እውን
ጥንካርኣ ኣመስከረት። ኣብ ቁሸት ወለላ ድማ ኣብነት ፅንዓት ኮነት።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
66
ሰሙን 12

Guyya 2
1ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ዝፈሸለ ሕፀ

ሀ. ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።


1. ካብቲ ርእሲን ስእሊን እንታይ ትግንዘቡ?
2. ኣብ ከባቢኹም ሕፀ ከመይ ይፍፀም?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ሓፀርቲ መልሲታት ሃቡ።
1. እቶም ሽማግለታት ናብ እንዳ መን ኣትዮም?
2. ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እንዳ ሸዊት እንታይ ተገይሩ?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ልክዕ ንዝኾነ “ሓቂ” ልክዕ ንዘይኮነ ድማ “ጌጋ”
ብምባል መልሱ።
1. ሸዊት ብዕድመ ካብ ምሕረት ትዓቢ።
2. ሸዊት እቶም ናብ ገዝኣ ዝኣትዉ ዝነበሩ ሽማግለታት ኩሎም ፈሊጣቶም።
3. ሸዊትን ምሕረትን ዘጋጠመን ነገር ንመምህር መብራት ነጊረንኣ።
4. መሳቱ ማለት ተፃባእቲ ማለት እዩ።

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ምው ግ ጋን ምውግጋን
ምፅ ብ ባቕ ምፅብባቕ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
67
ሰሙን 12 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ስድራ ቤት ህይወት
ሀ. ርእሲ እቲ ምንባብን እቲ ኣብኡ ዘሎ ስእሊን ምስ ረኣኹም ነዞም ዝስዕቡ
ሕቶታት መልሱ።
1. ኣብ ቁሸትኩም ግራውተን ባዕልተን ዝሓርሳ ደቂ ኣንስቲዮ ኣለዋዶ?
2. ኣብ መንገዲኹም እትነድቕ ጓል ኣንስተይቲ እንትትርእዩ እንታይ ይስመዓኩም?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ሕቶታት መልሱ።
1. ህይወት ኣብ መጀመርያ ዘስገኣ ነገር እንታይ ነይሩ?
2. ተስፋይ ትምህርቲ ንኸቋርፅ ንምንታይ ሓሳብ ኣቕረበ?
3. ህይወት ኣብ ሓሳብ ክትጥሕል ዝገበራ ነገር እንታይ እዩ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክለኛ መልሲ ምረፁ።
1. ተስፋይ ትምህርቲ ንምቁራፅ እንትውስን ኣዲኡ እንታይ ተሰሚዑዋ?
ሀ. ታሕጓስ ለ. ጭንቂ ሐ. ሓዘን መ. ድንጋፀ
2. ወይዘሮ ህይወት ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ክንደይ ሓሪሳ?
ሀ. ፍርቂ ፅምዲ ሐ. መዓል ክልተ ፅምዲ
ለ. ርብዒ ፅምዲ መ. መዓል ፅምዲ
3. ካብዞም ዝስዕቡ ሓሳባት እቲ ሓደ ልክዕ ኣይኮነን።
ሀ. ህይወት ሕርስ ውዒላ ናብ ገዝኣ ተመለሰት።
ለ. ህይወት ድሕሪ ማሕረስ ናብ ስራሕ ገዛ ኣተወት።
ሐ. ሰመረ መረባ ኰስቲሩ ማይ ኣዳለወ።
መ. ሰመረን ተስፋይን ንኣዲኦም ናውቲ ማሕረስ ተቐበሉዋ።
ቃላት
እዞም ዝስዕቡ ቃላት ኣብቲ ምንባብ ዘለዎም ፍታሕ ፀሓፉ።
1. ደረት 2. መሳርዕ 3. ስግኣት 4. ወኻዕኻዕ 5. ባዲሙ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ከርና 2. ሸፈነት 3. ደረት 4. ኣዋደደ 5. ከሸነት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
68
ሰሙን 12

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ምው ግ ጋን ምውግጋን
ምፅ ብ ባቕ ምፅብባቕ

ዓርሰ ንባብ
ስድራ ቤት ህይወት
“ስድራ ቤት ህይወት” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ተግባራት ሕድሕድ
ገፀ ባህሪይ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ደሊኹም ፀሓፉ።
1. ሓዘን 2. ቀፀለት 3. ፃምእ 4. ጀመረት 5. ዘመድ

ፅሕፈት
ወይዘሮ ህይወት ብዛዕባ መፃኢ ህይወታን ህይወት ደቃን ክትሓስብ ዝገበራ
ጉዳይ ተጐጂልኩም ብሓሙሽተ ምሉእ ሓሳባት ግለፁ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ዝፈሸለ ሕፀ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቅድመ ምድማፅ ተመያየጡሎም።
1. ቅድሚ ሐዚ ካብ ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ እንታይ ትዝክሩ?
2. “ዝፈሸለ ሕፀ” ኣብ ዝብል ታሪኽ ዘለዋ መሓዙት መን መን ይበሃላ?

ለ. እዞም ዝስዕቡ ብመን ከምዝተፈፀሙ ሓብሩ።


1. ንብዓታ ፀሪጋ ኣበደታ።
2. ጉዳያት ደቂ ኣንስቲዮ ወረዳ ክፈልጣን ክከታተላን ገበረት።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
69
ሰሙን 12 3ይ መዓልቲ

3. ርእሳ ንየማን ንፀጋም ነቕነቐት።


4. ገዝኣ ዝኣትዉ ዝነበሩ ሰባት መንነት ክትፈልጥ ኣማዕድያ ረኣየት።

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ እንዳ ሸዊት ዝነበሩ ፍልይ ዝበሉ ኩነታት እንታይ
ነይሮም?
2. ምሕረት እንዳ ሸዊት በፂሓ ምስ ተመለሰት ንምንታይ ፈዚዛ?
3. ሸዊት ንምንታይ ፊቕ ኢላ በኽያ?
4. ኣብ ምፍታሕ ፀገም ሸዊት ግደ ምሕረት እንታይ ነይሩ?

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
እና ኣበደታ እናኣበደታ
እና በኸየት እናበኸየት

ዓርሰ ንባብ
ስድራ ቤት ህይወት
ብፅፈት ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ብቓልኩም ግለፁ።

ቃላት
ኣብ ሓፁር ካብ ዘለዉ ቃላት ምስ እቲ ዝተወሃበ ሓሳብ ዝስማዕማዕ
መሪፅኩም ኣስምርሉ።
1. እታ ሰበይቲ ዕማማ ብዝግባእ (ምስላጥ/ኣሳለጠት/ተሳለጠ)።
2. ኣስቴርን ሰላምን (እናተፃወታ/ፀወታ/ተፃወታ) እናሃለዋ ደወል ተደወለ።
3. ድሕሪ ምስ ክኢላ ጥዕና ዝተገበረ ዘተ እቶም ወለዲ (ወሰኑ/ ውሳነኦም/ምውሳን)።

ፅሕፈት
“ግደ ምሕረት ኣብ ምፍሻል ዘይተደለየ ሕፀ” ዝገልፅ ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት
ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
70
ሰሙን 12

Guyya 2
4ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
እና ኣበደታ እናኣበደታ
እና በኸየት እናበኸየት

ዓርሰ ንባብ
ስድራ ቤት ህይወት
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ብፅምዲ ኮይንኩም ተዛተዩሉ።
1. “ስድራ ቤት ህይወት” ካብ ዝብል ምንባብ እንታይ ቁም ነገር ጨቢጥኩም?

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት መልሱ።


1. ህይወት ባዕላ ክትሓርስ ምስ ወሰነት ደቃ እንታይ ንምግባር ተሰማሚዖም?
2. ደቂ ወይዘሮ ህይወት ነዲኦም ምግቢ ገዲፎሙላ ናበይ ከይዶም?
3. ሰመረን ተስፋይን ስራሕቲ ገዛ ምስ ወገኑ እንታይ ገይሮም?

ሐ. ልክዕ ንዝኾነ “ሓቂ” ልክዕ ንዘይኮነ “ጌጋ” እናበልኩም መልሱ።


1. ሕጉስ መነባብሮ ስድራ ህይወት ፍልፍሉ ምትሕልላይ እዩ።
2. ግራት ወይዘሮ ሕይወት ሰኣን ዝሓርሶ ባዲሙ ቀርዩ።
3. ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ህይወት ምድግጋፍ የለን።
4. ህይወት ባዕላ ብምሕራሳ ኣዝማዳ ሕጉሳት ኣይኮኑን።
ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ምንባብ ደሊኹም ፀሓፉ።
1. ብዘይተሓሰበ 2. ተላዒሎም 3. ከቀላጥፍ 4. ተጨቢጣ

ፅሕፈት
ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ተግባር ወይዘሮ ህይወት ጥራሕ ዝገልፅ
ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
71
ሰ ሙን
ዓርሰ ንባብ
13
ኪነ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ
ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ህንፃ
ውቑራት ኣብያተ እምነት ኣብርሃ
ወኣፅብሃ ሓደ እዩ። እዚ ካብ ከተማ
ውቕሮ ብኣንፈት ምዕራብ 15 ኪሎ
ሜትር ርሒቑ ይርከብ። ኣብርሃ
ወኣፅብሃ ካብ ከውሒ ተፈልፊሉ
ዝተሃንፀ ኮይኑ ካብቲ ከውሒ ምሉእ
ብምሉእ ተፈልዩ ዝወፀ ኣይኮነን።
ብቕድሚቱን ብኽልተ ጎኑን ካብቲ
ከውሒ ዝተፈለየ ኮይኑ ብድሕሪቱ
ግና ምስቲ ከውሒ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ኣብርሃ ወኣፅብሃ ቅርፂ መስቀል ዘለዎ ኮይኑ ስፍሓቱ 16 ሜትር ብ13 ሜትር እዩ። ቁመት
ናሕሱ ሸውዓተ ሜትር ይበፅሕ። ነቲ ናሕሲ ህንፃ ዝደገፉ 13 ዓበይቲ ዓምዲታት ዘለዉዎ
እንትኸውን ብስእሊ ዝተመላኸዐ እዩ። ኣብ ውሽጡ ኣዝዩ ረቂቕ ዝበሃል ጥበብ ኣቀራርፃ
ዝረአየሉ እዩ። ውሽጣዊ ገይፂታትን ጥበብ ኣተሃናንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣዝዩ ዘደምም እዩ።

ኣብርሃ ወኣፅብሃ ዝነኣድ ብጥበብ ኪነ ህንፅኡ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ውሽጡ ብዘለዉ


ስእሊታት እውን እዩ። ኣብ 17 ክ.ዘ. ከምዝተስኣሉ ዝዝረበሎም ስእሊታት ውሽጣዊ ክፋል
ኣብርሃ ወኣፅብሃ ደመቕቲ እዮም። ኣብ መንደቓት እቲ ህንፃ ምስሊ እቶም ኣብርሃ ወኣፅብሃ
ዝበሃሉ ክልተ መናቱ ነገስታት ጐሊሁ ይረአ። ብተወሳኺ ምስሊ እቶም ቀዳማይ ጳጳስ
ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣባ ፍሪሚናጦስ እውን ደሚቑ ይረአ። ኣብ ውሽጢ ቅኔ ማህሌቱ ድማ
ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስእሊታት ይርከቡ። ካህናት ብኸበሮን ብፀናፅልን እናወረቡ ዘርኢ
ስእሊ እውን ኣሎ። ኣብቲ ህንፃ ከም ዓራት፣ መስቀላትን ካልኦት ሓድጊታትን እውን ኣለዉ።

ኣብርሃ ወኣፅብሃ ዝተሃነፀሉ ኣብ ዓስራይ ክፍለ ዘበን ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ


ይግምቱ። ብኣፈ ታሪኽ ዝግለፅ ታሪኽ ወለዲና ግና፣ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣብ ራብዓይ ክፍለ
ዘበን ከምዝተሃነፀ እዩ ዝሕብር።

(ፍልፍል፡- መፅሄት ቱሪዝም ትግራይ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
72
ሰሙን 13

Guyya 2
1ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ታሪኻዊ መስሕባት ትግራይ

ሀ. ነዞም ስእሊን ርእሲን ርእይኹም መልሱ።


1. ነቲ ስእሊ ብምርኣይ ብዛዕባ እንታይ እተዳምፁ ይመስለኩም?
2. ኣብ ከባቢኹም ታሪኻዊ መስሕባት ኣለዉዶ? እንታይ እንታይ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝሰዕቡ ሓሳባት መልኡ።
1. ኣብ ትግራይ ጥንታዊነትን ታሪኻዊነትን ሃገርና ዝምስክሩ ብርክት ዝበሉ
___________________።
2. ጥንታዊያን ሓወልቲታት ___________________ ተባሂሎም ዝቖሙ እዮም።
3. ዘበናዊ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ___________________ ይርከብ።
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣብ ትግራይ ካብ እምኒ ዝተወቐሩ ታሪኻዊ ኣብያተ ክርስቲያን ጥቐሱ።
2. ስማት ታሪኻዊ ገዳማትን ኣብያተ እምነትን ግለፁ።
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ዑደት ኛ ታት ስራሕ ተኛ ታት ወፃእ ተኛ ታት

ዓርሰ ንባብ
ኪነ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ መልሱ።
1. ብዛዕባ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ እንታይ ትፈልጡ?
2. ካብ ከውሒ ተፀሪቦም ዝተሃነፁ እትፈልጡዎም ኣብያተ እምነት ኣለዉዶ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
73
ሰሙን 13 1ይ መዓልቲ

ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ፣ ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።


ስፍሓት ቁመት ናሕሲ በዝሒ ዓምዲታት

ሐ. ብመሰረት ዘንበብኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ሓፂር መልሲ ሃቡ።


1. ኣብርሃ ወኣፅብሃ ብምንታይ ይድነቕ?
2. ኣብ ውሸጢ ቅኔ ማህሌት ዝረኣዩ ስእሊታት እንታይ እዮም?
ቃላት
በዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ቃላት ነቶም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
ዝወዳዳር ጥራሕ ሓድጊታት ተፀሪቡም
1. ታሪኽ ወለዲና ____ ዘይብሉ ምስክር እዩ።

2. ተምሃሮ ብንፍዓት ____ ዘይኮነስ ብጠባዮም እውን ይምዘኑ እዮም።

3. ካብ ከውሒ ____ ዝስራሕ ቤተ ክርስቲያን ካብቶም መስሕባት ሓደ እዩ።

4. ____ ወለዲና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ።

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ዝድግፉ 3. ዝተመላኸዐ 5. ደመቕቲ
2. ኣንፈት 4. ጥበብ

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናነፀልኩም ኣንብቡ።
ዑደተኛታት ስራሕተኛታት ወፃእተኛታት

ዓርሰ ንባብ
ኪነ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ
“ኪነ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ
መልእኽቱ ግለፁ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
74
ሰሙን 13 2ይ መዓልቲ

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ድለዩሎም።
1. እምነት 2. ውሽጣዊ 3. ረቂቕ 4. ጥንታዊ

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ብዛዕባ ዝርከብ ሓደ ታሪኻዊ ቦታ ወይ ህንፃ ዝገልፅ ካብ 4-6
ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ታሪኻዊ መስሕባት ትግራይ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. “ትግራይ ፍልፍል ጥንታዊ ስልጣነ እያ” እንትብል እንታይ ማለቱ እዩ?
ለ. እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ኣብያተ እምነትን ታሪኻዊ ቦታታትን ዝርከቡሉ
ስፍራ ምልኡ።
1. ፍርስራስ ቤተ መንግስቲ ንግስተ ሳባ _____
2. መስጊድ ኣሕመድ ኣል ነጃሺ _____
3. ሓወልቲ ሰማእታት _____
4. ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ _____
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ሓፂር መልሲ ሃቡ።
1. ጥንታዊ ሓድጊ እንታይ እዩ?
2. ጥንታዊያን ሓወልቲታት ንምንታይ ተባሂሎም ዝቖሙ እዮም?
3. መስጊድ ኣሕመድ ኣል ነጃሺ ካልኣይ መካ ዝበሃል ንምንታይ ይመስለኩም?

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ብ ዘበን ኣዊ ብዘበናዊ
ብ ባዕዲ ኣዊ ብባዕዳዊ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
75
ሰሙን 13 3ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ኪነ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ
ነቲ ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ዓውዳዊ ፍታሕ ሃቡ።
1. ዓውደ ምርምር 3. ምስክር 5. እምነት
2. ዝቖመ 4. ሓድጊ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ታሪኽ 2. ስልጣነ 3. ህንፃ 4. ዘበናዊ 5. ፍልፍል

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ብ ዘበን ኣዊ ብዘበናዊ
ብ ባዕዲ ኣዊ ብባዕዳዊ

ዓርሰ ንባብ
ኪነ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቅድመ ንባብ መልሱ።
1. ካብ ቀዳማይ ምንባብ እንታይ ትዝክሩ?
2. ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ውቑር ኣብያተ እምነት እትፈልጡዎም ፅርሑ።
ለ. እናንበብኩም ነዞም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ኣብ _____ ክፍለ ዘበን ከም ዝተሰኣሉ ዝንገረሎም ስእሊታት ደመቕቲ እዮም።
2. ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣብ _____ ክፍለ ዘበን ከም ዝተሃነፀ ይግመት።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
76
ሰሙን 13 4ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ንዝኾነ “ሓቂ” ትኽክል ንዘይኮነ ድማ


“ጌጋ” በሉ።
1. ኣብርሃ ወኣፅብሃ ካብ ውቕሮ ብኣንፈት ምብራቕ ይርከብ።
2. ኣብ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ከም ዓራትን መስቀልን ዝበሉ ሐድጊታት ኣለዉ።
3. ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣብ 1ዐይ ክፍለ ዘበን ከም ዝትሃነፀ ይንግር።
ቃላት
ኣብ ሓፁር ካብ ዘለዉ ቃላት ኣብቲ ባዶ ቦታታት ኣትዮም ከማልኡ ዝኽእሉ
ቃላት መሪፅኩም ኣስምሩሎም።
1. ውሽጣዊ ኣካል ቤተ መቅደስ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣዝዩ _____ ዝበሃል ጥበብ
ኣቀራርፃ ዝረኣየሉ እዩ ። (ረቂቕ፣ ምርቃቕ፣ ዝረቅቕ)

2. ኣብርሃ ወኣፅብሃ _____ ጥበብ ኪነ ህንፃ ኣለዎ። (ምንኣድ፣ ክንእድ፣ዝንእድ)

3. ኣተሃናንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ _____ የብሉን (ዝወዳደሮ፣አወዳድራ)

4. ኣብ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ከም ዓራትን መስቀላትን ዝበሉ ሓድጊታት _____


(ይርከቡ፣ ይርከብዎ፣ ይርከብ)
ፅሕፈት
ኪነ ህንፃ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ዝብል ምንባብ ብናይ ባዕልኹም ኣገላልፃ ብሓደ
ዓንቀፅ ኣሕፂርኩም ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
77
ሰ ሙን
ዓርሰ ንባብ
14
ውንታ ኣቦ ሓጎይ
ስመይ ሚኪ ግርማይ ይበሃል። ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመኒ
ነገር ክነግረኩም። ኣቦ ሓጎይ ካብ ገፀር ክጥይቐና
ካብ ዝመፅእ ሓደ ወርሒ ገይሩ ነበረ። ሓደ ሰንበት
ከምቲ ኩሉ ግዘ ዝገብሮ ኣብ ከባቢና ካብ ዝርከብ
ቤት መካረዪ ካሴታት ንምሉእ መዓልተይ ዝኸውን
ኣርባዕተ ናይ ወፃእ ፊልሚታት ተኻረኹ። ካብ ንግሆ
ጀሚረ ምስ ዝኾነ ኣባል ስድራ ቤተይ ከይተዛረብኩ ኣብ ጥቓ እታ ቴለቭዥን ተወተፍኩ።
ኣቦ ሓጎይ ኩነታተይ ደስ ከምዘይበሎ የፍልጥ ነበረ።

ክልተ ፊልሚታት ርእየ ኣብ ጎኒ ኣቦ ሓጎይ ኮፍ በልኩ። ከዛርቦ ደልየ፣ “ጎይታይ ተፃወት


“በልኩዎ። ተጐምጒሙዎ ዝነበረ ኩታ ኣውሪዱ፣ “እንታይ ክፃወተሉ!” በለኒ። ብኣዘራርብኡ
ደንጊፀ “ከመይ?” በልኩዎ። “ኩሉ ነገርካ ድምፆም ብዘይስማዕ ፀዓዱ ተሰሊቡ፤ ኣብዚ በይንኻ
ተዀርሚኻ ከም ዕቡድ በሎ በሎ ካብ ትብልሲ ካልእ ፀወታ ዘይትፃወት?“ ኢሉ መለሰለይ።
ክረድኦ ኢለ ብዛዕባ ረብሓ ምርኣይ ፊልሚታት ዘርዘርኩሉ። ኣቦ ሓጎይ ፈፂሙ ባህ ኣይበሎን።

ወግዒ ከየቋርፅ ምእንታን፣ “ጎይታይ! ክንዳና እናሃለኹም ብምንታይ ትዛናግዑ ነይርኩም?”


ኢለ ሓተትኩዎ። ንውሱናት ሰከንድታት ኣብ ሓሳብ ጥሒሉ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ”ኣብ ባህልና
ካብ ህፃንነት ክሳብ ሽምግልና ኣብ ዘሎ ዕድመ ጭዋዳና ዘጠንክሩ፣ ኣተሓሳስባና ዘብልሑ፣
ዘመራምሩ፣ ዘስሕቁ፣ ነፃ ስምዒት ንገልፀሎም መዘናግዒታት ኣለዉና! “በለኒ። ካብቶም
መዘናግዒታት ክዝርዝረለይ ጠየቕኩዎ። ብምንቅስቓስ ኣካል ካብ ዝፍፀሙ፣ ቃርሳ፣ ቅልስ፣
እዛ እምባይ መን ይወርሳ፣ ተወሰጥ፣ እሕምባየ እሕምባዛ፣ ፍቲ ፍቲ እንትኾኑ ብምሕሳብን
ብምምርማርን ዝትግበሩ ድማ ከም ገበጣ፣ ሽታ፣ ኣቀራቃር፣ ዲቦ፣ ነበራያ ነበረ፣ ሕንቅል
ሕንቅሊተይ፣ እንካ ኣዝግነንን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ክብረ በዓላት ዝበሃሉ መዘናግዒታት
ነገረኒ።

ካብ እዞም ኣቦ ሓጎይ ዝዘርዘሮም መዘናግዒታት ሓደ ብዘይ ምፍላጠይ ሓፈርኩ። ኣብ መንጎና


ዘሎ ኣፈላላይ ኣተሓሳሰበኒ። ኣብ መወዳእታ ብውሽጠይ “እዚ ነገር ኣብ በይነይ ድዩ ኣብ
ካልኦት መናእሰይ እዚ ዘበን እውን?” በልኩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
78
ሰሙን 14

Guyya 2
1ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ፀወታ ሸውላለ

ሀ. ነዚ ስእሊን ርእሲን ምስረኣኹም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።


1. ካብቲ ስእሊ እንታይ ትርድኡ?
2. ኣብ ከባቢኹም ዝውቱራት ዝኾኑ ፀወታታት ጥቐሱ።
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ኣብ ሰደቓ ተገሊፆም ዘለዉ ዓይነት ፀወታታት መን
ከም ዝፃወቶም ምልክት “ ” ብምቕማጥ ሓብሩ።
ዓይነት ፀዋታ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣንሰትዮ
1 ቃርሳ
2 ቅልስ
3 ሸውላለ
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣባላት ሕብረተሰብ ባህላዊ ፀወታ ብምፅዋቶም እንታይ ይርብሑ?
2. ባህሊ ንምንታይ ይጠቅም?
3. ደቂ ኣንስቲዮ ፀወታ ሸውላለ ኣበይ ይፃወታ?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ዝ ፋላለ ዝፋላለ
ዝ ፅወት ዝፅወት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
79
ሰሙን 14 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ውንታ ኣቦ ሓጎይ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. “ውን” ዝብል ቃል እንታይ ይመስለኩም?
2. እቲ ስእሊ ምስ ርእሲ ኣተሓሒዝኩም እንታይ ከምተንብቡ ትግምቱ?
ለ. እናንበብኩም ነዚ ሰደቓ ምልኡ።
ዓይነት ፀዋታ ኣእምሮ ዘብልሕ ጭዋድ ዘጠንክር
ቃርሳ
ገበጣ
ቅልስ
ሐ. ምስ ኣንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሐሳባት መልሱዎም።
1. እዚ ምንባብ ብዛዕባ መን የዘንቱ?
2. ኣብ መንጎ መዘንተዋይን ኣቦ ሓጎኡን ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ እዩ?
3. ሚኪ ክሓፍር ዝገበሮ ነገር እንታይ እዩ?
4. ብምሕሳብን ብምምርማርን ዝትግበሩ ፀወታታት ኣየነዎት እዮም?

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ “ለ” ናብ “ሀ” ብተመሳሳሊ አዛምዱ።
ሀ 1. ተወተፈ 2. ወግዒ 3. መዘናግዒ 4. አጋጣሚ 5. ተጐምጒሙ

ለ ሀ. ተኸዲኑ ለ. መሳገሊ ሐ. ወዝቢ መ. ዕላል ረ. ተፀገዐ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ጉስጥ 2. ካሴት 3. ጭዋዳ 4. ስምዒት 5. ባህሊ

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ዝ ፋላለ ዝፋላለ
ዝ ፅወት ዝፅወት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
80
ሰሙን 14 2ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ውንታ ኣቦ ሓጎይ
ድሕሪ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሚኪ ግርማይ ሰንበት ሰንበት እንታይ የዘውትር?
2. ኣቦይ ሹምየ ንምንታይ እዩ ተግባር ሚኪ ባህ ዘይበሎም?
3. ሚኪ ዘደንገፆ ነገር እንታይ እዩ?
4. ብምንቅስቓስ ኣካል ዝፍፀሙ መዘናግዒታት ዘርዝሩ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ሓረጋት ዓዉዳዊ ፍታሕ ድለዩሎም።
1. ዉኒኡ ተሰሊቡ 4. ልማዳዊ ፀወታ
2. ኣብ ሓሳብ ጥሒሉ 5. ፆም ኣርባዓ
3. ክብረ በዓል

ፅሕፈት
ካብ ባህላዊ ፀወታታት ሓደ መሪፅኩም እንታይነት እቲ ፀወታ፣ መን ከምዝፃወቶ፣ ንምንታይ
ዕላማ ከምዝፅወት፣ ከይዲ ኣፀዋውትኡን መዓዝ ከምዝፅወትን ዝገልፅ ካብ 5-8 ምሉእ
ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ፀወታ ሸውላለ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም፣ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዛተዩሎም።
1. መጀመሪያ ካብ ዘዳመፅኩምዎም እንታይ ትዝክሩ?
2. ባህላዊ ፀወታታት ንምንታይ ይጠቕሙ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ሓደ ሕብረተሰብ ካብ ካልኦት ዝፍለየሎም ዝተፈላለዩ _____ ኣለዉዎ።
2. ሸውላለ ዝፃወታ ደቂ ኣንስቲዮ ዘድሊ መሳርሒ ሒዘን ናብ ሓደ ቦታ ____።
3. ዝተኣሰረ ምራን ከይኩርኩሐን _____ የቐምጣሉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
81
ሰሙን 14 3ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ፣ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ፀወታ ሸውላለ መዓዝ ይፅወት?
2. ሸውላለ ንምፅዋት ዘድልዩ ናውቲ እንታይ እንታይ እዮም?
3. ኣብ እዋን ፀወታ ሸውላለ ጀመርቲ እንታይ ኢለን ይደርፋ?

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ዝ ኣነቓቕሕ ዘነቓቕሕ
ዝ ኣመራምር ዘመራምር

ዓርሰ ንባብ
ውንታ ኣቦ ሓጎይ
“ውንታ ኣቦ ሓጎይ” ንዝብል ዛንታ ብፅፈት ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ
ብቓልኩም ግለፁ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ዓውዳዊ ፍታሕ ድለዩሎም።
1. ኣሳልጦ 2. ዕግበት 3. ልማዳዊ 4. ሽኩት 5. ኣታኣዛዝያ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉአ ሓሳባት ህነፁ።
1. ዕግበት 2. ጐርዞ 3. ወግዒ 4. ጉዝጓዝ 5. ሸውላለ

4Guyya

መዓልቲ2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ዝ ኣነቓቕሕ ዘነቓቕሕ
ዝ ኣመራምር ዘመራምር

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
82
ሰሙን 14 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ውንታ ኣቦ ሓጎይ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብፅምዲ ተመያየጡሎም።
1. ኣቦይ ሽሙየ እንታይ ኣዘንትዮም?
2. ኣቦይ ሽሙየ “እንታይ ክፃወተሉ” ዝበሉ ንምንታይ እዮም?
3. ሚኪ ንኣቦይ ሽሙየ እንታይ ኢሉ ሓተቶም?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት መልሱዎም።
1. ኣቦይ ሽሙየ ቤተሰብ ክርአዩ ካብ ዝመፁ ክንደይ ወርሒ ገይሮም?

2. ሚኪ እቲ ካሴታት ካበይ ተኻርዩዎ?

3. ካብ ህፃንነት ክሳብ ሽምግልና ዝፅወቱ ፀወታታት ኣየነዎት እዮም?


ሐ. ምስ ኣንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሚኪ ዘተሓሳስቦ ነገር እንታይ እዩ?
2. ሚኪ ንባዕሉ እንታይ ኢሉ ሓቲቱ? ንምንታይ?
3. ኣቦ ሓጎ ሚኪ ኣብ ሓሳብ ክጥሕሉ ዝገበሮም ነገር እንታይ እዩ?
4. ነበርያ ነበረን ሕንቅል ሕንቅሊተይን መዓዝ ይፅወቱ?

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ድለዩሎም።
1. ተፀገዐ 2. ኣፈላላይ 3. ረብሓ 4. ድንጋፀ 5. ደርፊ

ፅሕፈት
ካብዚ ዝስዕብ ሰደቓ ተበጊሰኩም ብኣርባዕተ ምሉእ ሓሳባት ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።
ዓይነት ፀወታ ዝፃወቶ ዕላማ ፀወታ
ገበጣ ቀዳሞት ወለዲ መብልሒ ኣእምሮ
ዳማ ህልው ወለዶ መብልሒ ኣእምሮ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
83
ሰ ሙን 15
ዓርሰ ንባብ
ሃገራዊ ፓርክ ኣብ ትግራይ
ኣብ ሃገርና ዝርከቡ እንስሳ ዘገዳም ካብ
ዘይሕጋዊ ሃደንቲ ንምክልኻልን ምቹው
ከባቢ ንምፍጣርን ሰፋሕቲ ቦታታት
ተሓዚኦም እዮም። እዞም ሕዛእቲታት ሃገራዊ
ፓርክታት ይበሃሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ዓሰርተ
ሃገራዊ ፓርክታት ኣለዉ። ኣብዞም ፓርክታት
ዝተፈላለዩ ሳዕሪን ቆፅሊን ከምኡ እውን ስጋ ተመገብቲ እንስሳት ዘገዳም ይርከቡ። ካብዞም
ነባራት ዓሰርተ ሃገራዊ ፓርክታት ብተወሳኺ ትግራይ ዝርከብ ቃፍታ-ሸራሮ ዝብሃል ሓዱሽ
ፓርክ ኣሎ።

ሃገራዊ ፓርክ ቃፍታ-ሸራሮ ኣብ ዞባ ምዕራብ ይርከብ። እዚ ፓርክ 5,000 ትርብዒት ኪሎ


ሜትር ስፍሓት ይሽፍን። ኣብዚ ፓርክ ብዙሓት ዓሌት እንስሳ ዘገዳምን እፅዋትን ኣለዉ።

ኣብ ፓርክ ቃፍታ-ሸራሮ 42 ዓሌታት መጥበውቲ፣ 163 ዓሌታት ኣዕዋፍ፣ 9 ዓሌታት


ተስሓብቲን ከምኡ እውን ዓሳታትን ይርከቡ። ብበዝሒ ካብ ዘለዉ እንስሳት ሓርማዝ፣ ዓጋዘን
ቆላ፣ ሰስሓ፣ ፀላም ህበይ፣ ነብሪ፣ ዝብኢ፣ ማንቲለ፣ ቡዃርያ ወዘተ. ምጥቃስ ይከኣል።

ሓርማዝ ነዚ ፓርክ ፍሉይ ድምቀት ይህቦ፤ ጐሊሁ እውን ክረአ ይገብሮ። ኣብቲ ፓርክ
ዝርከብ ዘርኢ ኣፍሪካ ብምዃኑ ኣፍሪካዊ ሓርማዝ ተባሂሉ ይፍለጥ። ሓርማዝ ስነ ምሕደራዊ
ሚዛን ሓደ ከባቢ ኣብ ምሕላው ዓብዪ ግደ ኣለዎ። እዞም ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ቃፍታ-ሸራሮ
ዝርከቡ ሓራምዝ ኩሉ ግዘ ካብ ሰነ ክሳብ ጥቅምቲ ልዕሊ 200 ኮይኖም ናብ ደቡባዊ ክፋል
እቲ ፓርክ ይውሕዙ። እዚ ከባቢ ዝምረፅ ምስ ዝናብ ብዝተተሓሓዘ ምኽንያት ምንቅስቓስ
ሰባት ትሑት ስለዝኸውን እዩ።

ብመዳይ እፅዋት እንትንርእይ ድማ ኣብዚ ፓርክ 37 ዓሌታት እፅዋት ተመዝጊቦም ይርከቡ።


ካብ ጠቕላላ እቲ ዱር 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ብኣካቻ ዝተሸፈነ እዩ። እዞም እፅዋት መንበሪ
ሓራምዝን ካልኦት እንስሳ ዘገዳምን ስለዝኾኑ ኩሉ ዜጋ ብፍላይ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ
ምዕቃብ እቲ ዱር ርኡይ ግደ ክፃወቱ ይግባእ።

(ፍልፍል፡- መፅሄት ቱሪዝም ትግራይ፣ 2004 ዓ.ም.)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
84
ሰሙን 15

Guyya 2
1ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ውዕሎ ኣብ ቃላይ ሓሸንገ

ሀ. ነቲ ርእሲን ስእሊን ምስረኣኹም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተመያየጡሎም።


1. እቲ ስእሊን ርእሲን ረኣዩሞ እንታይ ከምተዳምፁ ገምቱ።

2. ኣብ ቤት ትምህርቲኹም ክለብ ዓድኻ ፍለጥ እንታይ ይሰርሕ?

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ባዶ ቦታታት ምልኡ።


1. ስፍሓት ቃላይ ሓሸንገ _____ ትርብዒት ኪሎ ሜትር እዩ።

2. ጥልቀት ቃላይ ሓሸንገ _____ ኪሎ ሜትር እዩ።

ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ድሕሪ ምድማፅ መልሱ።


1. ቃላይ ሓሸንገ ኣበየናይ ዞባ ይርከብ?
2. ኣባላት ክለብ ዓድኻ ፍለጥ ንምንታይ ናብ ሓሸንገ ከይዶም?
3. ንዑደተኛታት ሓበሬታ ዝተረኸበ ኣበየናይ ቤት ፅሕፈት እዩ?
4. ካብ ካሊእ ከባቢ ብምምፃእ ዝተራብሐ ዓሳ እንታይ ይበሃል?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
85
ሰሙን 15 1ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
መ ተ ኣናጋዲ መተኣናገዲ
መ ተ ሓባበሪ መተሓባበሪ

ዓርሰ ንባብ
ሃገራዊ ፓርክ ኣብ ትግራይ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተዘራረቡሎም።
1. ኣብ ከባቢኹም ሕዛእቲ ኣሎዶ?
2. ሃገራዊ ፓርክ እንታይ ማለት እዩ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ኣብ ፓርክ ቃፍታ-ሸራሮ _____ ዓሌታት መጥበውቲ _____ ዓይነታት ኣዕዋፍ
_____ ዓይነታት ተስሓብቲን ይርከቡ።
2. ሃገራዊ ፓርክ ቃፍታ-ሸራሮ ኣብ ዞባ _____ ዝርከብ _____ ትርብዒት ኩሎ
ሜትር ስፋሓት ኣለዎ።
3. ነቲ ፓርክ ፍሉይ ድምቀት ዝህብን ጐሊሁ ክረአ ዝገበርን ሓደ ዓሌት __ እዩ።
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ትኽክል ዝኾነ መልሲ ዝሓዘ ፊደል ምረፁ።
1. እንስሳት ንምስዳድ ምክንያት ክኸውን ዘይእኽል __ እዩ።
ሀ. ዘይሕጋዊ ሃደን ለ. ባርዕ ሓዊ ሐ. ድርቂ መ. መልሲ የለን
2. ስነ ምድራዊ ሚዛን ሓደ ከባቢ ኣብ ምሕላው ዝጠቅም እንስሳ __ ይበሃል።
ሀ. ዓጋዘን ለ. ሓርማዝ ሐ. ፀላም ህበይ መ. ነብሪ
3. 50 ሚኢታዊ ዝኸውን እፅዋት ዝተሸፈነ ብ __ እዩ።
ሀ. ኣካቻ ለ. ፅሕዲ ሐ. ኣውሊዕ መ. ሰራው
4. ኣብ ሃገርና ንመዕቖቢ እንስሳ ዘገዳም ዝኽለል ቦታ እንታይ ይበሃል?
ሀ. ሃገራዊ ዱር ለ. ሃገራዊ ፓርክ ሐ. ሃገራዊ ጣሻ መ. ሃገራዊ ገረብ
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ድለዩሎም።
1. ጎልጎል 2. ብሕታዊ 3. ምዕቃብ 4. ሕዛእቲ 5. ርክብ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
86
ሰሙን 15 1ይ መዓልቲ

ፅሕፈት
ኣብቲ ምንባብ ኣብ ዓንቀፅ ሓደ ካብ ዝርከቡ ሓሳባት ተበጊስኩም ሰለስተ ምሉእ
ሓሳባት ህንፁ።

2ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
መ ተ ኣናጋዲ መተኣናገዲ
መ ተ ሓባበሪ መተሓባበሪ

ዓርሰ ንባብ
ውዕሎ ኣብ ቃላይ ሓሸንገ
“ውዕሎ ኣብ ቃላይ ሓሸንገ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ፍረ ሓሳቡ
ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ድልዩሎም።
1. መወዳእታ 2. ቀረባ 3. ተስሓብቲ 4. ዘከረት 5. ሓሓሊፉ

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ካብ ዝርከቡ ቦታታት ሓደ ብምምራፅ ኣብቲ ዝመረፅኩምዎ
ቦታ ዝርከቡ እንስሳ ዘገዳምን ዝግበረሎም ክንክንን መሰረት ገይርኩም ካብ 4-6
ምሉእ ሓሳባት ዘለዎ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ውዕሎ ኣብ ቃላይ ሓሸንገ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዛተዩሎም።
1. ካብ ዝሐለፈ ካብ ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ እንታይ ትዝክሩ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
87
ሰሙን 15 3ይ መዓልቲ

2. ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝጣየሽ ክለብ ዓድኻ ፍለጥ ዕላምኡ እንታይ እዩ?


ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ብዙሕ ፀጋታት እናሃለዎ ቃለይ ሓሸንገ ብ ______ ኣይርአን።
2. ዑደተኛታት ______ ለቢሶም ሓመሱ።
3. ኣባላት ቤት ትምህርቲ ኣብ ውሽጦም ______ ሒዞም ናብ ቦታኦም
ተመለሱ።
ሐ. ትኽክል ንዝኾነ “ሓቂ” ትኽክል ዘይኮነ “ጌጋ” ብምባል መልሱ።
1. ክለብ ዓድኻ ፍለጥ ዝገብሮ ጉዕዞ ግዘ ንምሕላፍ አዩ።
2. ባህላዊ መስተ ከባቢ ሓሽንገ ምየስ ይበሃል።
3. እቶም ዑደተኛታት ዘደንፀዎም ዓሳ ብምርኣዮም እዩ።

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላትን ጥብቆታትን እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ዝ ገለፀት ዝ ገለፀ ልና ዝ ገለፀ ሎም

ዓርሰ ንባብ
ሃገራዊ ፓርክ ኣብ ትግራይ
“ሃገራዊ ፓርክ ኣብ ትግራይ” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንቢብኩም ፍረ ነገሩ
በቓልኩም ግለፁ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ “ለ” ናብ “ሀ” ብተመሳሳሊ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ዱር 2. ወቕቲ 3. ኢፍትሓዊ 4. መረዳእታ 5. ተመሲጡ

ለ ሀ. መድልዎ ለ. መረጋገፂ ሐ. ጣሻ መ. ኣቕሊቡ ረ. እዋን

ፅሕፈት
በዞም ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ምይይጥ 2. ርክብ 3. ልሙፅ 4. ቁጠባ 5. ረብሓ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
88
ሰሙን 15

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ዝገለፀት ዝገለፀልና ዝገለፀሎም

ዓርሰ ንባብ
ሃገራዊ ፓርክ ኣብ ትግራይ
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ በብፅምዲ ኮይንኩም ተመያየጡሉ።
ኣብ ሕሉፍ ካብ ዘንበብኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
ለ. እናንበብኩም፣ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት መልሱ።
1. ኣብቲ ፓርክ ተመዝጊቦም ዝርከቡ እፅዋት ክንደይ እዮም?
2. ካብ ሰነ ክሳብ ጥቅምቲ ሓራምዝ ንምንታይ እዮም ናብ ደቡባዊ ክፋል እቲ
ፓርክ ዝኸዱ?
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ፓርክ ንምንታይ ይጠቅም?
2. ዘይሕጋዊ ሃደን ንምክልኻል እንታይ ክግበር ኣለዎ?
3. ዘይሕጋዊ ሃደን እንታይ ጉድኣት የስዕብ?

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ትኽክል ዝኾነ ፍታሕ ምረፁ።
1. ዛዘመት ሀ. ወደአት ለ. ከምበተት ሐ. ፈፀመት መ. ኩሎም
2. ትዝታ ሀ. ሱቕታ ለ. ስኽፍታ ሐ. ዝኽሪ መ. ፅልኢ
3. ተሓዚኦም ሀ. ተሳዒሮም ለ. ተኸሊሎም ሐ. ተጋሂፆም መ. ተሰዲዶም
4. በፃሕቲ ዓዲ ሀ. ስደተኛታት ለ. ኣጋር ሐ. ዑደተኛታት መ. ተጓዓዝቲ

ፅሕፈት
ዘይሕጋዊ ሃደን ብዝብል መበገሲ ብዛዕባ ኣብ እንሰሳት ዝበፅሕ ጉድኣት ካብ
4-6 ምሉእ ሓሳባት ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
89
ሰ ሙን
ዓርሰ ንባብ
16
ባህላዊ ስፖርት
ኣብ ሃገርና ዝተፈላለዩ ባህላዊ ፀወታታት ኣለዉ። እዞም
ፀወታታት ዝትግበሩሉ ኩነታትን ወቕቲታትን ይፈላለ
እዩ። ገሊኦም ኣብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብረ በዓላት
ከምኡ እውን ኣብ ከም መርዓን ሓዘንን ዝበሉ ማሕበረሰባዊ
ጉዳያት ይዝውተሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን እዞም ፀወታታት
ባህላዊ ስፖርት ተባሂሎም ብብርኪ ክልልን ሃገርን ግጥማት ይካየዱ እዮም።

ኣብ ትግራይ እውን ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ፀወታታት ኣለዉ። እዞም ፀወታታት ኣካል
ብምንቅስቓስ ዝፍፀሙ እንትኸውን ተፃወቲ ስሩዕ መሸከል፣ ጥንኩር ጭዋዳን ድልዱል
ኣካል ንኽህሉዎም ይሕግዙ። ከም ገበጣ ዝበሉ ባህላዊ ፀወታታት ድማ ኣእምሮ ንምስሓልን
ንምምርማርን ይጠቕሙ።

ባህላዊ ፀወታታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን በዓላትን ይዝውተሩ። ንኣብነት ቅልስ


ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ መናእሰይ ካብ መስከረም ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ
ግዘ የዘውትሩ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ምስ በዓል ልደትን ጥምቀትን ተዛሚዱ
ኣብ ታሕሳስን ጥሪን ይፅወት። እዚ ፀወታ ብልሙድ ኣፈላላይ ዕድመ መሰረት ብምግባር
ይፅወት። ቅልስ ተፃወቲ ጉልበቶም ንኽፍትሹን ምሕዝነት ንኽፈጥሩን ይጠቕሞም። ካብ
ዝፍጠር ኣካላዊ መጉዳእቲ ንምክልኻል ተባሂሉ ቅልስ ኣብ ከም ሰውሒ ዝበለ ምቹው ቦታ
ይካየድ።

ባህላዊ ፀወታታት ብዝበለፀ ክጠቕሙ እንተኾይኖም ኣብ አተገባብርኦም ውሱን ምምሕያሻት


ክግበረሎምን ብሕጊን ደንቢን ከምርሑን ይግባእ። ብተወሳኺ ነቶም ዝወፁ ደንቢታት ዝከታተል
ኣካል ኣሰልጢንካን መዲብካን እቲ ከይዲ ፀወታ ብዳያኑ ክምራሕ ምግባር የድልይ። ብርግፅ
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝግበሩ ክልላዊን ሃገራዊን ግጥማት ቅልስ ብሓዱሽ ኣፀዋውታ
ብመሰረት ሕጊን ደንቢን እናተተግበረ ይርከብ። ኣብ ቅልስ ተነሓናሕቲ ዝምረፁ ኣብ ክንዲ
ከምቲ ልሙድ ብዕድመ ብመሰረት ክብደት ምዃኑ መግለፂ ዘበናዊነት እዩ።

ንምጥቕላል ባህላዊ ስፖርት ከምቲ ዘበናዊ ስፖርት ንኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ብቕዓት


ጠቓሚ እዩ። እዚ ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ባህላዊ ስፖርት ክረጋገፅን ክዓቢን ኣብ
ምግባር ብዕቱብ ክሳተፍ ይግባእ።

(ፍልፍል፡- ደሃይ፣ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
90
ሰሙን 16

Guyya 2
1ይ መዓልቲ

ምድማፅ
ቃርሳ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዘራረቡሎም።
1. እቲ ስእሊ እንታይ ክኸውን ኢልኩም ትግምቱ?
2. ኣብ ከባቢኹም ዝውቱራት ዝኾኑ ባህላዊ ፀወታታት አለዉዶ? ጥቐሱ።
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት መልሱ።
1. ኣብ መዛዘሚ ሓረግ ብሳልሳይ ፊደል ዝውድኡ ፀሓፉ።
ሀ _______ ለ _______ ሐ _______ መ _______
ሐ. ብዘዳመፅኩምዎ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ፀወታ ቃርሳ ከመይ ገይሩ ሓድነት ይፈጥር?
2. እቲ ግጥሚ ክንደይ ተለላ ኣለዎ?
3. እቲ ግጥሚ በዓል ክንደይ ብርኪ እዩ?
4. ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ግጥሚ እንታይ እዩ?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ኣፀ ዋውታ ኦም ኣፀዋውታኦም
ኣሰ ራርሓ ኦም ኣሰራርሓኦም

ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ ስፖርት
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቅድመ ንባብ መልሱ።
1. ባህላዊ ስፖርት እንታይ እዩ?
2. ባህላዊ ስፖርት መዓዝን ኣበይን ይፅወቱ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣእምሮ ንምስሓልን ንምምርማርን ዝጠቅም ባህላዊ ስፖርት ኣየናይ እዩ?
2. ቅልስ ንተፃወቲ እንታይ ይጠቕም?
3. ቅልስ ኣብ ከመይ ዝበለ ቦታ ይካየድ?
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ድሕረ ንባብ መልሱ።
1. ባህላዊ ፀወታ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
91
ሰሙን 16 1ይ መዓልቲ

2. ባህላዊ ፀወታ ብዳይና ንኽምራሕ ለበዋ ዝቐረበ ንምንታይ እዩ?


3. ኣብ ዘበናዊ ቅልስ ተነሓናሕቲ ብምንታይ ይምረፁ?
4. ኣካል ብምንቅስቓስ ዝፅወቱ ባህላዊ ስፖርት ጥቐሱ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ “ለ” ናብ ”ሀ” ብተመሳላሊ ኣዛምዱ።
ሀ 1. መሳገሊ 2. መሳነዪ 3. ተሪር 4. መለለዪ 5. መዛኒ
ለ ሀ. ጥንኩር ለ. ፈታኒ ሐ. መፍለዪ መ. መፋቐሪ ረ. መዘናግዒ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ምሕዝነት 2. መሸከል 3. ሰውሒ 4. ጭዋዳ 5. ገበጣ

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ኣፀ ዋውታ ኦም ኣፀዋውታኦም
ኣሰ ራርሓ ኦም ኣሰራርሓኦም

ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ ስፖርት
“ባህላዊ ስፖርት” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቱ
ግለፁ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ሃቡ።
1. ተፈታዊ 2. ዘበናዊ 3. ሓድነት 4. ጥንቃቐ 5. መሐጐሲ

ፅሕፈት
ግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ተጠቒምኩም ኣብ ከባቢኹም ካብ ዝፅወቱ ፀወታታት ሓደ
ወሲድኩም ኣገባብ ኣፀዋውታኡን እዋን ፀወታን ዝገልፅ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
92
ሰሙን 16 3ይ መዓልቲ

3ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ቃርሳ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ብዛዕባ ቃርሳ ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. ‹‹ይጠናኸር ይሓዝ ዘበናዊነት›› ዝተብሃለ ንኣየናይ እዩ?
ለ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ግጥሚ ነዚ ዝስዕብ ቅንጫብ ኣማልኡ።
ምሩፅ ባህላዊ _______
_______ መንፈስና
መሳገሊ _______
_______ ኣካላትና
መፍታሕትሒ _______
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ድሕረ ምድማፅ ተመያየጡሎም።
1. እቲ ገጣሚ ፀወታ ቃርሳ ንኽቕፅል እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብል?
2. ንፀወታ ቃርሳ ሕጊ ምውፃእ ንምንታይ ኣድለየ?
3. ቃርሳ ከመይ ገይሩ መፅንዒ ምሕዝነትን ፈጣሪ ሓድነት ዝበሃል?
4. ቃርሳ ንምንታይ ይፅወት?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ምስመፃምዶም ኣተሓሒዝኩም ኣንብቡ።
ስሩዕ ጥንኩር በሊሕ ጥጡሕ
ኣእምሮ ባይታ መሸከል ጭዋዳ

ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ ስፖርት
“ባህላዊ ስፖርት” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንቢብኩም ፍረ ሓሳቡ ብቓልኩም
ግለፁ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
93
ሰሙን 16 3ይ መዓልቲ

ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ተሰሚሩሎም ዘለዉ ቃላት ፀሓፉ ።
1. ቀደም ባህላዊ ፀወታታት ግቡእ ቆላሕታ ኣይግበረሎምን ነይሩ።
2. ተምሃሮ ነንባዕሎም ስኒት ብምፍጣር ትምህርቶም ክከታተሉ ይግባእ።
3. ህልውና ባህላዊ ስፖርት ንኽረጋገፅ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ይግባእ።
4. ኣብ ቅልስ ተነሓናሕቲ ዝምረፁ ብኽብደት ምዃኑ ናይ ዘበናዊነት መርአያ እዩ።
ፅሕፈት
ነዞም መስርዖም ዝተዛብዑ ምሉእ ሓሳባት ብምቅናዕ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።
1. እዚ ብምዃኑ ኣብ ክልላዊን ሃገራዊን ስፖርታዊ ግጥማት ትዂረት ይረክብ ኣሎ።
2. እዚ ፀወታ ቅድሚ ሐዚ ብዳይነት ኣይትግበርን ነይሩ።
3. ቅልስ ዓቕሚ ተናሓናሕቲ ንምፍታሽ ዝካየድ ባህላዊ ስፖርት እዩ።
4. ሐዚ ግና ሕጊን ደንቢን ወፂኡሉ ብሳይንሳዊን ባህላዊን መንገዲ ይካየድ ኣሎ።

4ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት መምስመፃምዶም ኣታሓሒዝኩም ፀሓፉ።
ስሩዕ ጥንኩር በሊሕ ጥጡሕ
ኣእምሮ ባይታ መሸከል ጭዋዳ

ዓርሰ ንባብ
ባህላዊ ስፖርት
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ቅድም ክብል ካብ ዘንበብኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. ባህላዊ ፀወታታት ንምንታይ ብወቕቲ ይፈላለዩ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
94
ሰሙን 16 4ይ መዓልቲ

ለ. ባህላዊ ስፖርት ዝብል ምንባብ እናንበብኩም ነዞም ባዶ ቦታታት


ምልኡ።
1. ልሙድ ኣፀዋውታ ቅልስ ________ መሰረት ብምግባር ይካየድ።
2. ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ________ ኣለዉ።
3. ኣብዚ ሐዚ እዋን ባህላዊ ስፖርት ብብርኪ ______ ን ______ ን ግጥማት
ይካየድ እዩ።
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ድሕሪ ንባብ ተመያየጡሎም።
1. ባህላዊ ስፖርት ዘድሊ ረብሓ ንኽህብ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ተመያየጡ።
2. ሃይማኖት መሰረት ገይሮም ዝፅወቱ ፀወታታት እንታይ እንታይ እዮም?
3. ባህላዊ ስፖርት ብዳይና ክካየድ ምግባር እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
ቃላት
ኣብቲ ምንባብ ምስ እዞም ቃላት ወይ ሓረጋት ተዛሚዶም ዝተለዓሉ ሓሳባት
ፀሓፉ።
1. ክብረ በዓል 2. በዓል ልደት 3. ደንቢ 4. ብቕዓት 5. ቃርሳ

ፅሕፈት
ኣብ መንጎ ባህላዊ ስፖርትን ዘበናዊ ስፖርትን ዘሎ ምምስሳልን ኣፈላላይን
ዝገልፅ ካብ 6-7 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ኣዳልዉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
95
ሰ ሙን
ዓርሰ ንባብ
17
ረብሓ ስፖርት
ስፖርት ንሰብ ዝህቦ ረብሓ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።
ብስፖርት ዝተሃነፀ ማሕበረሰብ ድማ ኣብ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ
ሃገር ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ።

ስፖርተኛታት እንትለማመዱ ኮነ ግጥማት እንተካይዱ ኣካሎም


የንቀሳቕሱ። ኣብዚ ምንቅስቓስ ዝወስዱዎ ምግቢ ኣብ ጥቕሚ
ስለዝውዕል ጥንኩር ኣካል ንክህሉዎም ይሕግዝ። ብተወሳኺ
እቲ ዝውሰድ ምግቢ ኣብ ጥቕሚ እንተዊዕሉ ኣብ ሰውነት
ተረፍ ስብሒ ስለዘይእከብ ስፖርተኛታት ንዘይተደለየ ግዝፊ
ኣይቃልዑን። ብኣንፃሩ ስፖርተኛታት ብቐሊሉ ክትዓፃፀፍ
ዝኽእልን ዝተስተኻኸለን መሸከል ይህሉዎም።

ድሕሪ ምምጋብ ምንቅስቓስ እንተዘይሃልዩ ኣብ ሰብነት ተረፍ ሰብሒ ይእከብ። እቲ ዝእከብ


ስብሒ ድማ ልዑል ርጉዲ ብምፍጣር ንዝተፈላለዩ ፀገማት የቃልዕ። ንኣብነት ከም ሕማም
ሽኮር፣ ፀቕጢ ደም፣ ጭንቀትን ምፅዕዓንን ዝበሉ ሕማማት ብሰንኪ እኩብ ስብሒ ዝፍጠሩ
ምዃኖም ይእመን። እካብ ስብሒ፣ ስፖርት ሰሪሕኻ ብምንካይ ነዞም ሕማማት ምክልኻል
ይከኣል።

ስፖርት ካብ ጥዕናዊ ረብሓ ብተወሳኺ ቁጠባዊ ጥቕሚ እውን ይህብ እዩ። ብርክት ዝበሉ
ሰባት ኣብ ግጥማት ስፖርት ተዋፊሮም ብዝረኽቡዎ ኣታዊ መነባብሮኦም ይመርሑ። እዞም
ብሙያ ስፖርት ዝናበሩ ሰባት ክፍሊቶም ልዑል እዩ። ስፖርተኛታት እንትፃወቱ ዝረኽቡዎ
ገንዘባዊ ሽልማት ድማ ካሊእ ቁጠባዊ ረብሓ እዩ። ከም ኩዕሶ ዓለምን ኦለምፒክን ዝበሉ
ግጥማት ብምትእንጋድ ሃገራት ኣብቲ ስፖርት ክሳተፉን ክዕዘቡን ካብ ዝመፁ ሰባት ብዝርከብ
ኣታዊ ቁጠባዊ ዓቕመን የዕብያ።

ስፖርታዊ ግጥማት ብውልቀ ዝስራሕ ዘይኮነስ ሓበራዊ ተግባር እዩ። እዚ ምስ ካልኦት


ተረዳዲእኻ ናይ ምስራሕ ክእለት ንኽዓቢን ምሕዝነት ንኽጠናኽርን ይሕግዝ። ዝተፈላለየ
ሃይማኖት፣ ሃገርን ዘርኢን ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ መድረኽ ብምርኻብ ሰላማዊ ርክብ
ንኽምስርቱ ይገብር።

ብሓፈሻ ስፖርት ኣካል ክጥንክርን ጥዕንኡ ዝተሓለወን ንኽኸውን ይሕግዝ። ስፖርት ጉዳይ
ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብምዃኑ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብ ምሕዝነት የጠናኽር እዩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
96
ሰሙን 17

Guyya 2
1ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ስፖርታዊ ስነ ምግባር

ሀ. ነዞም ዝሰዕቡ ሕቶታት ቅድመ ምድማፅ ተዛተዩሎም።


1. ስእሊን ርእሲን ድሕሪ ብምርኣይ እተዳምፁዎ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ገምቱ።
2. ኣብ ከባቢኹም ብስፖርታዊ ስነ ምግባሮም ብሕብረተሰብ ዝፍተዉ ኣለዉዶ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ስፖርታዊ ስነ ምግባራት ካብ ዝበሃሉ ሓሙሽተ ኣብነታት ዘርዝሩ።
2. ሰባት ስፖርታዊ ግጥማት ንምንታይ ይርእዩ?
ሐ. ነዞም ሕቶታት ድሕሪ ምድማፅ ብጉጅለ ተመያየጡሎም።
1. ተፃወቲ ሕጊን ደንቢን እቲ ዝፃወቱዎ ዓይነት ስፖርት እንተፈሊጦም እኹል እዩ።
2. ኣብ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሕጊን ደንቢን ዝጠሓሰ ተፃዋቲ እንታይ ይቕፃዕ?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ስነ ኣእምሮ ኣዊ ስነ ኣእምሮኣዊ
ስነ ልቦና ኣዊ ስነ ልቦናዊ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
97
ሰሙን 17 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንብብ
ረብሓ ስፖርት
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ስፖርት ምስራሕ ንምንታይ ይጠቅም?
2. እንታይ ዓይነት ስፖርት ከምትፈትዉ ንብፆትኩም ንገሩ።
ለ. እናንበብኩም ነዚ ሰደቓ ምልኡ።
ረብሓ ስፖርት ኣብነት
ኣካላዊ
ጥዕናዊ
ስነቁጠባዊ
ሐ. ምስ ኣንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ስፖርት ካብ ኣካላዊ ጥንካረን ምሕላው ጥዕናን ብተወሳኺ ንምንታይ ይጠቅም?
2. ብሰንኪ ልዑል ዓቐን ስብሒ ዝመፁ ሕማማት ዘርዝሩ።
3. ዝተዋህለለ ስብሒ ብኸመይ ይንከ?
4. ተመጊብካ ዘይምንቅስቓስ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ?

ቃላት
ካብዞም ዝስዕቡ ቃላት እናመረፅኩም ነቶም ባዶ ቦታታት ምልኡ።
መድረኽ ጥቕሚ የቃልዕ ርጉዲ
1. ልዑል ዓቐን ስብሒ ንጥዕናዊ ፀገማት______።
2. ኣብ _______ ግጥሚ ብምቕራቡ ተናኢዱ።
3. መንቀሊ ልዑል _______ ኣብ ሰውነት ዝእከብ ስብሒ እዩ።
4. ስፖርት ካብ ጥዕናዊ ______ ብተወሳኺ ቁጠባዊ ረብሓ እውን ኣለዎ።

ፅሕፈት
ሓደ እትፈትውዎ ዓይነት ስፖርት መሪፅኩም ረብሕኡ ዝገልፅ ካብ 4-6
ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
98
ሰሙን 17

2Guyya

መዓልቲ2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ስነ ኣእምሮ ኣዊ ስነ ኣእምሮኣዊ
ስነ ልቦና ኣዊ ስነ ልቦናዊ

ዓርሰ ንብብ
ረብሓ ስፖርት
ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. “ስፖርት ጉዳይ ኩሉ ህዝቢ ዓለም እዩ” ዝበሃል ንምንታይ እዩ?
2. ስፖርታዊ ግጥማት ዘዳልዋ ከተማታት እንታይ ረብሓ ይረኽባ?

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ዓውዳዊ ፍታሕ ሃቡ።
1. ኣበርክቶ 2. ሕማማት 3. መድረኽ 4. ኣታዊ

ፅሕፈት
ነዞም ዝስዕቡ ሰንክን ሳዕቤንን ኣማልኡ።
1. ________________ ምግቢ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል።
2. ________________ ጥንኩር አካል ይህሉ።
3. ምእካብ ተረፍ ሰብሒ _____________።
4. ________________ ንጥዕናዊ ፀገማት የቃልዕ።

Guyya 2
3ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ስፖርታዊ ስነ ምግባር
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ምምጓስ እንታይ እዩ? ምንሻውከ?።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
99
ሰሙን 17 3ይ መዓልቲ

ለ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።


ምጥሓስ ደንቢታት ስፖርት ንመቕፃዕቲ ______ እቲ መቕፃዕቲ ብ ______ እቲ
ዝፍፀም ______ ይፈላለ። መቅፃዕቲ ______ ወይ ______ ክኸውን ይኽእል። ካብ
______ ክሳብ ምስጓግ ክኸውን ይኽእል።

ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።


1. ስፖርታዊ ስነ ምግባር መግለፂኡ እንታይ እዩ?
2. ካብ ስነ ምግባር ወፃእ ዝበሃሉ እንታይ እንታይ እዮም?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ መሊእኹም ኣንብቡ።
ሃገር ዜግነት ተባዕታይ ዜግነት ኣንስተይቲ
ኢትዮጵያ
ሱዳን
ቻይና

ዓርሰ ንባብ
ረብሓ ስፖርት
“ረብሓ ስፖርት” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ ዝተሰመረሎም ቃላት ካብ ምንባብ ብምውፃእ ፀሓፉ።
1. ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ካብ ስፖርት ብዝረኽቡዎ ኣታዊ ህይወቶም ይመርሑ።
2. ስፖርታዊ ግጥማት ብውልቀ ኣይትግበሩን።
3. ምንቅስቓሰ ኣካላት ኣብ ሰብነት ትርፊ ስብሒ ንኸይውህለል ይገብር።
4. ስፖርት ምስራሕ ሰባት ስሩዕ መሸከል ንኽህሉዎም ይገብር።

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ብዛዕባ ዝዝውተሩ ዓይነታት ስፖርት ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
100
ሰሙን 17

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሃገር፣ ዜግነት ኣነስተይቲን ተባዕታይን ዘመልክቱ ጥብቆታት ነፂልኩም ፀሓፉ።
ዜግነት ሃገር ተባዕታይ ኣንስተይቲ
ኢትዮጵያዊት
ሱዳናዊት
ቻይናዊት

ዓርሰ ንባብ
ረብሓ ስፖርት
ሀ. ብስፖርት ዝተሃነፁ ዜጋታት ንሃገሮም ዝህሉዎም ኣበርክቶ እንታይ
ይመስለኩም?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ኣብ ሰብነት ዝእከብ ስብሒ ______ ይፈጥር።
2. ሙያውያን ስፖርተኛታት ______ ኣዝዩ ልዑል እዩ።
3. እኩብ ስብሒ ስፖርት ብምስራሕ ______ ይከኣል እዩ።
4. ኣብ ስፖርት ዝሳተፉ ውልቀ ሰባት ምስ ካልኦት ተሳተፍቲ ______ ን ______
ናይ ምስራሕ ክእለት የዕብዩ።
ሐ. ልክዕ ንዝኾኑ ሓሳባት “ሓቂ” ንዘይኮኑ ድማ “ጌጋ” ብምባል መልሱ።
1. ስፖርት ንደቂ ሰብ እዚ እዩ ዝበሃል ረብሓ የብሉን።
2. ስፖርት ንስፖርታውያን ጥራሕ ዝጠቅም እዩ።
3. ስፖርት ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሳተፍሉ ተግባር እዩ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ዓውዳዊ ፍታሕ ሃቡዎም
1. መነሓንሕቲ 2. ኣገባብ 3. ምኽልኻል 4. ናእዳ 5. ምንእኣስ
ፅሕፈት
ስፖርት ምሕዝነት ኣብ ምፍጣርን ምጥንኻርን ዘለዎ ግደ ዝገልፅ ካብ 4-6
ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
101
ሰ ሙን
ዓርሰ ንባብ
18
ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ
ኦለምፒክ በብኣርባዕተ ዓመት ብብርኪ ዓለም ዝካየድ ዝተፈላለዩ
ግጥማት ሰፖርት ዝካየደሉ መድረኽ እዩ። ፀወታታት ኦለምፒክ ፈለማ
ኣብ ጥንታዊት ግሪክ ኣብ ኦለምፒያ ከምዝተጀመረን “ኦለምፒክ” ዝብል ስም
ድማ ካብ ስም እቲ ቦታ ከምዝተረኸበን ሰነዳት ይሕብሩ።

ኢትዮጰያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ ንፈለማ እዋን ኣብ ሜልቦርን 1956 ኣ.ፈ. ተሳቲፋ። ኣብቲ
ግጥማት ብዓሰርተ ክልተ ኣባላት ዝተወከለት ሃገርና መዳልያ ኣይረኸበትን። ቀፂሉ ኣብ ጣልያን
ኣብ ከተማ ሮም ብ1960 ኣ.ፈ. ዝተኻየደ ኦለምፒክ፣ ኢትዮጵያ ብኣበበ ቢቂላ ብማራቶን መዳልያ
ወርቂ ረኺባ። ኣበበ ቢቂላ ጥራሕ እግሩ ንልዕሊ ኣርብዓ ኪሎ ሜትር ኣብ ኣደባባያት ሮም ጎዩ
ተዓዊቱ። እቲ ዓመት ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ ፈላማይ ብምዃኑ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ሓበን ኩሉ
ኣፍሪካዊ ኮይኑ ይነብር። ብ1964 ኣ.ፈ. ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ጃፓን ዝኾነት ቶክዮ ተኻይዱ።
ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ መሊሳ ብኣበበ ቢቂላ ብማራቶን ወርቂ መዳልያ ረኺባ።

ድሕሪ ኣበበ ቢቂላ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ ዓወት ክዓትሩ ጀመሩ።
ብ1968 ኣ.ፈ. ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ኦለምፒክ ኢትዮጵያ ብማሞ ወልዴ
ብማራቶን ወርቂ ብዓስርተ ሽሕ ሜትር ድማ መዳልያ ብሩር ረኺባ። ብ1980 ኣ.ፈ. ሞስኮ
ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት፣ ኢትዮጵያ ብቅድሚኡ ካብ ዝተኻየዱ ኦለምፒካት ዝሓሸ ውፅኢት
ኣመዝገበት። ክልተ ወርቂ መዳልያታት ብሻምበል ምሩፅ ይፍጠር፣ ክልተ ነሓስ መዳልያታት
ድማ ብመሓመድ ከድርን እሸቱ ቱራን ረኺባ።

ካብ 1992 ኣ.ፈ. ክሳብ 2012 ኣ.ፈ. ኣብ ዝነበሩ መድረኻት ኢትዮጵያ ዝረኸበቶም ውፅኢታት
እዞም ኣብዚ ሰደቓ ዘለዉ እዮም።
ኦለምፒክ መዳልያታት ጠቕላላ
ወርቂ ብሩር ነሓስ
ባርሴሎና 1992 1 - 2 3
ኣትላንታ 1996 2 - 1 3
ሲድኒ 2000 4 1 3 8
ኣቴንስ 2004 2 3 2 7
ቤጅንግ 2008 4 1 2 7
ለንደን 2012 3 1 3 7
ጠቕላላ 35

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
102
ሰሙን 18

Guyya 2
1ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ኣትሌት ምሩፅ ይፍጠር
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ቅድመ ምድማፅ መልሱ።
1. ነቲ ርእሲን ስእሊን ብምርኣይ እንታይ እተዳምፁ ይመስለኩም?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር ካብ ዝተሳተፉሎም _____ ዓለም ለኻዊ
ግጥማት ኣብ _____ ብምስዓር መዳልያታት ወርቂ ተሸሊሙ።
2. ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር ንፈላማ እዋን ብ _____ ኣ.ፈ. ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ
ተሳቲፉ።
3. ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር _____ ግዘ ንኣፍሪካ ወኪሉ ብምጉያይ ተዓዊቱ።
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሻምበል ምሩፅ ንምንታይ ‘‘ቀያሪ ማርሽ’’ ተባሂሉ?
2. ‘‘ሓምለዋይ ውሕጅ’’ ዝብል ስም ንኢትዮጵያውያን ንምንታይ ወፂኡሎም?
3. ሻምበል ምሩፅ ብቁልዕነቱ እንታይ ይሰርሕ ነይሩ?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ከም ዝ ተ ጀመረ ከምዝተጀመረ
ከም ዝ ተ ሸለመ ከምዝተሸለመ

ዓርሰ ንባብ
ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣብ ከባቢኹም እንታይ ዓይነት ስፓርታዊ ግጥማት ይካየዱ?
2. ብዛዕባ ኦለምፒክ እንታይ ትፈልጡ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ብ1960 ኣ.ፈ. ኣብ ጣልያን ዝተወዳደረ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት መን ይበሃል?
2. ብ1980 ኣ.ፈ. ኢትዮጵያ ክንደይ መዳልያ ረኺባ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
103
ሰሙን 18 1ይ መዓልቲ

3. ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ኦለምፒክ ዝተሳተፈት መዓዝን ኣበይን እዩ?


ሐ. ብመሰረት ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ እትገብሮ ተሳትፎ እንታይ ይመስል?
2. ኣብ ግጥማት ኦለምፒክ ኢትዮጵያውያን ንምንታይ ብህዝቢ ዓለም ይነኣዱ?
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ “ለ” ናብ “ሀ” ብተመሳሳሊ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ፈላሚ 2. ስሙይ 3. ሰነድ 4. ተጋወሐ 5. መነቃቕሒ
ለ ሀ. ፅሑፍ ለ. መበራበሪ ሐ. ተፈላጢነት መ. ጀማሪ ረ. ተስፋሕፈሐ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. መጓሰ 2. ግጥም 3. ብሉፅ 4. ዝተበርከተ 5. ስያመ

Guyya 2
2ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
ከም ዝ ተ ጀመረ ከምዝተጀመረ
ከም ዝ ተ ሸለመ ከምዝተሸለመ

ዓርሰ ንባብ
ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ
“ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንብቢኩም ቀንዲ
ሓሳብ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ዓወዳዊ ፍታሕ ሃቡ።
1. መዳልያ 2. ኣደባባይ 3. ማራቶን 4. ዝሓሸ

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ዝካየዱ ግጥማት ስፖርት ንቤት ትምህርቲኹም ዘለዎም ረብሓ
ዝገልፅ ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ብምጥቃም ሓደ ዓንቀፅ ኣዳልዉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
104
ሰሙን 18

Guyya 2
3ይ መዓልቲ
ምድማፅ
ምሩፅ ይፍጠር
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዘራረቡሎም።
1. ካብ ዝሓለፈ ዘዳመፅኩምዎም ታሪኽ እንታይ ትዝክሩ?
2. ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር ብምንታይ ይፍለጥ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡዎ።
ስም አትሌት ዝተወዳደረሉ ዓመት ርሕቐት እቲ ጉያ መዳልያ
ምሩፅ ይፍጠር

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ታሪኽ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ልክዕ ንዝኾነ


“ሓቂ” ንዘይኮነ ድማ “ጌጋ” በሉ።
1. ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር ፈለማ ኣብ ክለብ ስፖርት ሓይሊ ኣየር ተሓቖፈ።
2. ምዕራባውያን “ማርሽ ቀያሪ” ዝበልዎ ዘንጊዑ ብምእታዉ እዩ።
3. ሻምበል ምሩፅ ኣብ ሓደ ኦለምፒክ ክልተ ወርቂ ዝረኸበ ብ1984 ኣ.ፈ. እዩ።

ምጥማርን ምንፃልን
ብመሰረት እቲ ኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ካብ እወንታ ቀይርኩም ኣንብቡ።
ኣብነት፡- ረኸበ ኣይ ረኸበ ን ኣይረኸበን

1. ረኸበት 2. ረኺብና 3. ረኺበን

ዓርሰ ንባብ
ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ
ብናህሪ ኣንቢብኩም ምስ እትፈልጡዎ ታሪኽ ኦለምፒክ ብምዝማድ ግለፁ።
ቃላት
ተፃራሪ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ፀሓፉ።
1. ዓወት 2. የመጉስዎም 3. መደምደምታ 4. ኣታዊ 5. ኣቋሪፁ

ፅሕፈት
ኣብ ቤት ትምህርቲኹም ወይ ከባቢኹም ብዛዕባ ዝተገበረ ስፖርታዊ ግጥምን
ዝተወሃበ ሽልማትን ዝገልፅ ሓደ ዓንቀፅ ፅሒፍኩም ንደቂ ክፍልኹም ኣንብቡ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
105
ሰሙን 18

Guyya 2
4ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ብመሰረት እቲ ኣብነት ነዞም ዝስዕቡ እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ኣብነት፡- ዝረኸበቶም ዝ ረኸበ ቶም

ዘበርከቶም ዘመዝገበቶም

ዓርሰ ንባብ
ምሩፅ ይፍጠር
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቅደመ ንባብ ተመያየጡሎም።
1. ግጥማት ኦለምፒክ ከመይ ዝተጀመረ ይመስለኩም?
2. ካብ ዝሓለፈ ምንባብ እንታይ ትዝክሩ?
ለ. ብናህሪ ኣንቢብኩም እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ዝርከብሉ ዓንቀፅ ሓብሩ።
1. ዝሓሸ ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ኦለምፒክ
2. ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ብጥራይ እግሩ ዝተዓወተሉ
3. ግጥማት ኦለምፒክ ኣብ ጥንታዊት ግሪክ ዝተጀመረሉ
4. ኢትዮጵያ ፈለማ እዋን ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ ዝተሳተፈትሉ
ሐ. ብመሰረት ምንባብ ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
ስም ኣትሌት ዝጐየሉ ቦታ ዝጐየሉ ዓመት ዝጐየሉ ርሕቐት ዝተረኸበ መዳልያ
1. ኣበበ ቢቂላ
2. ማሞ ወልዴ
3. ሙሓመድ ከድር
ቃላት
ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ “ለ” ዘለዉ ብተመሳሳሊ ፍታሕ ኣዛምዱ።
ሀ. 1. ዝዓዘዘ 2. መዘንኡ 3. ብዘገርም 4. ናህሪ
ለ. ሀ. መነሓንሕቱ ለ. ቅልጣፈ ሐ. ዝበለፀ መ. ብዘደንቕ

ፅሕፈት
ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ኦለምፒክ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ብዛዕባ ዝተዓወተ ወይ ዝተዓወተት፣
እቲ ዓይነት ስፖርትን ዝተረኸበ ውፅኢትን ዝገልፅ ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም
ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
106
ሰሙን 19
ዓርሰ ንባብ
ጥቕሚ ማይ
ጥቕሚ ማይ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ሰብ ኣብ መዓልቲ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ማይ
ይወስድ። እቲ ብቐጥታ ዝውሰድ ፃምእ ንምርዋይ እንትኸውን፣ ብተዘዋዋሪ ዝበሃል ድማ
ምስ ምግቢን ካልኦት መስተታትን ናብ ሰብነት ዝኣቱ እዩ። እዚ ናብ ሰብነት ዝኣቱ ማይ
ደረቕ ምግቢታት ንምሕቓቕ የገልግል። ምግቢ ንምጉዕዓዝን መዓናጡ ንምልስላስን እውን
ይጠቅም። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ብዝተፈላለዩ ሜላታት ዝፍጠር ርስሓት ብምጉዕዓዝ
ብረሃፅን ሽንቲን ይወፅእ።

ማይ ረስኒ ሰብነት ንምቁፅፃር እውን ይጠቅም። ኣብ ዋህዮ ንዝፍፀሙ ከሚካላዊ ንጥፈታት


ብግቡእ ንኸተግብሩ ከም ባይታ ኮይኑ የገልግል። ስለዚ ሰብ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ
ኣብ መዓልቲ እኹል ማይ ክሰትይ ይግባእ። ሓደ ሰብ ብማእኸላይ በብመዓልቱ ክሳብ
ሽዱሽተ ብርጭቆ ማይ ክሰቲ ኣለዎ። ክንዲ እዚ ብምስታይ ሰብነቱ ስሩዕ ተግባሩ ንኽፍፅምን
ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ካብ ሰብነቱ ዝወፀ ፈሳሲ ክትክእን ይግባእ።

እቲ ካሊእ ዓብይ ረብሓ ማይ ምስ ሕርሻ ዝተተሓሐዘ እዩ። ዘራእቲ ፍረ ሂቦም እቶት


ዝሕፈስ ማይ ብመልክዕ ዝናብ እንትህሉ እዩ። ዝናብ ኣብ ዘይብሉ ወይ ኣብ ዝወሓዶ ኩነታት
እቶት ኣይሕፈስን። ዝተፈላለዩ ፍረ ምረን ቆፅላ መፅሊን ብመስኖ ንምልማዕ የኽእል። ከም
ዓሳ ንዝበሉ ፍጥረታት ማያዊ ኣካል መንበሪ ኮይኑ እውን የገልግል።

ውልቃዊን ከባቢያዊን ፅርየት ንምሕላው ካብ ዘድልዩ ነገራት እቲ ቀንዲ ማይ እዩ። ሰብ


ቅድሚ ምግቢ ምብልዑን ብድሕሪኡን ኣእዳዉ ብማይ ይሕፀብ። ምግቢ ንምኽሻንን ምስ
ተሰርሐ ድማ ንምቕራብን ዘገልግሉ ናውቲ ገዛ ብማይ ብምሕፃብ ፅሩያት ንክኾኑን ጥዕና
ሰብ ክሕሎን ይገብር።

ረብሓ ማይ እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ማይ ንመብራህቲን ካልኦት ነገራትን ዘንቀሳቕስ ሓይሊ


ኤለክትሪክ ንምፍልፋል እውን የኽእል። ኣብ ፋብሪካታት ማይ ምስ ካልኦት ከሚካላት
ተሓዊሱ ከም ጥረ ኣቕሓ ኮይኑ እውን የገልግል። ብተወሳኺ ከም መቀላጠፊ ኮይኑ ከይዲ
ከሚካላዊ ምትሕውዋስ የሳልጥ። ብሓፈሻ ማይ ንህይወታውያን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ስለዝኾነ
ማይ ብኽንክን ክትሓዝን ኣብ ግቡእ ጥቕሚ ክውዕልን ይግባእ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
107
ሰሙን 19

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ፍልፍል ማይ

ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት በብፅምዲ ተዘራረቡሎም።


1. ነዚ ስእሊን ርእሊን ርእይኹም እቲ እተዳምፁዎ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል
ገምቱ?
2. ኣብ እትነብሩሉ ከባቢ ማይ ካበይ ትረኽቡ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ኣብ ትሕቲ ገፀ ምድሪ ዝርከብ ማይ_________ ይበሃል።
2. ካብ_______ ክሳብ_______ ሚኢታዊ ክፍሊ ሰብነትና ማይ እዩ።
3. ማይ ኣብ ________ ዲግሪ ሰንቲግሬድ ናብ ጋዝ ይልወጥ።
4. ማይ ኣብ ዝወሓደሉ ቦታ______ ሃኒፅካ ምእካብ ይከኣል።
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተመያየጡሎም።
1. “ዕለታዊ ምንቅስቓስ ህይወት ሰብ ምስ ሃፍቲ ተፈጥሮ ስጡም ርክብ ኣለዎ” እንታይ
ማለት እዩ?
2. “ማይ የለን፤ ህይወት የለን” እንትብል እንታይ ንምባል እዩ?
3. ሰብ ማይ ካበይ ይረክብ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
108
ሰሙን 19 1ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ብ ተ ነፃፃሪ ብተነፃፃሪ
ብ ተ ወሳኺ ብተወሳኺ

ዓርሰ ንባብ
ጥቕሚ ማይ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዘራረብሎም።
1. ኣብ ከባቢኹም ማይ ንምንታይ ትጥቀሙሉ?
2. ሰብ ብዘይ ማይ ክነብር ዝኽእልዶ ይመስለኩም?

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት መልኡዎም።


1. ናብ ሰብነት ዝኣቱ ማይ__________ ንምሕቓቕ የገልግል።
2. ኣብ ሰብነት ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ዝፍጠር ርስሓት ብመልክዕ _____ ን
______ን ይወፅእ።
3. ኣዝርእቲ ፍረ ሂቦም እቶት ዝሕፈስ___________ እንትህሉ እዩ።

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ካብ ሰብነትና ዝወፅእ ፈሳሲ ብኸመይ ይትካእ?
2. ኣብ ዋህዮ ንዝፍፀሙ ከሚካላዊ ንጥፈታት ብዝግባእ ንምትግባር ማይ እንታይ ግደ
ኣለዎ?
3. ኣብ ትግራይ ፍልፍል ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝኾነ ማይ ኣሎዶ?
4. ማይ ካብ ዝህቦም ጥቕሚታት ሓሙሽተ ጥቐሱ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ድለዩሎም::
1. ዝወሓደ 2. ብቐጥታ 3. ደረቕ 4. ፀሚኡ 5. ወሓዚ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ፅርየት 2. ሕርሻ 3. ኣዝርእቲ 4. ንጥፈት 5. ፈሳሲ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
109
ሰሙን 19

2ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
ብ ተ ነፃፃሪ ብተነፃፃሪ
ብ ተ ወሳኺ ብተወሳኺ

ዓርሰ ንባብ
ጥቕሚ ማይ
“ጥቕሚ ማይ” ንዝብል ብናህሪ ብምንባብ ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።

ቃላት
ዓውዳዊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ፀሓፉ::
1. መፈልፈሊ 2. ምትሕውዋስ 3. መጓዓዓዚ 4. ዕለታዊ 5. ምትእስሳር

ፅሕፈት
ግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ተጠቒምኩም “ማይ ንህይወታዊያን ዝህቦ ረብሓ” ብዝብል
ርእሲ በብጉጅለ ኮይንኩም ነንሕድሕዶም ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳበት ዘለዎም
ክልተ ዓንቀፃት ፀሓፉ።

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ፍልፍል ማይ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቅድመ ምድማፅ ተመያየጡሎም::
1. ቅድሚ ሐዚ ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?

2. ማይ ከርሰ ምድሪ ዝበሃሉ ዘርዝሩ።

ለ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት እናዳመፅኩም መልሱ።


1. ብማይ ዝተሸፈነ ክፍሊ ገፀ ምድሪ ክንደይ ኢድ እዩ?

2. ካብ ተፈጥሮ ብቐጥታ ዝርከቡ ፍልፍላት ማይ ዘርዝሩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
110
ሰሙን 19 3ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ማይ ከመይ ገይሩ ንዕብየት ሃገር ከምዝጠቅም ግለፁ።

2. ዓይኒታት ማይን ቃላያትን ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ማይ ንምርካብ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

3. ኣብ መንጎ ቀጥታዊን ተዘዋዋሪን ኣጠቓቕማ ማይ ዘሎ ኣፈላላይ ግለፁ።

ምጥማርን ምንፃልን
ብመሰረት እቲ ኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ብምጥማር ፅምዲ ቃል መስሪትኩም
ኣንብቡ።
ኣብነት፡- ከርሰ ምድሪ

ገፅ፣ ከርሲ፣ ዓይኒ፣ ፍረ፣ ማይ፣ ምድሪ

ዓርሰ ንባብ
ጥቕሚ ማይ
“ጥቕሚ ማይ” ዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ምንባብ እናደለኹም ፀሓፉ።
ኣብነት ንኽፍፅሙ (ዓንቀፅ 2) -------------- ንኽትግብሩ

1. ምሉእ (ዓንቀፅ 2) 4. ፍርያት (ዓንቀፅ 3)

2. ዋዒ ሰብነት (ዓንቀፅ 2) 5. መሳለጢ (ዓንቀፅ 5)

3. ስሩዕ (ዓንቀፅ 2)

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ዘስተውዓልኩምዎ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ማይ ብጉጅለ ድሕሪ
ምዝርራብ ካብ 5-8 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
111
ሰሙን 19

4ይGuyya
መዓልቲ 2

ምንፃልን ምጥማርን
ብመሰረት እቲ ኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ብምጥማር ፅምዲ ቃላት መስሪትኩም
ፀሓፉ።
ኣብነት፡- ከርሰ ምድሪ

ገፅ፣ ከርሲ፣ ዓይኒ፣ ፍረ፣ ማይ፣ ምድሪ

ዓርሰ ንባብ
ጥቕሚ ማይ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቅድመ ንባብ ተዛተዩሎም።
1. ኣብ ሰብነት ንዝፍጠር ርስሓት ኣብ ምውፃእ ግደ ማይ እንታይ እዩ?
2. ቅድሚ ምግቢ ምብላዕና ንምንታይ ኢድና ንሕፀብ?
ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት መልሱ።
1. ሰብ ብቐጥታ ዝወስዶ ማይ እንታይ ንምርካብ እዩ?
2. ካብ ሰብነትና ዝወፅእ ፈሳሲ ብኸመይ ክትካእ ይኽእል?
3. ማይ ከመይ ኢሉ እዩ ከም ጥረ ኣቕሓ ዘገልግል?
ሐ. ልክዕ ንዝኾኑ ሓሳባት “ሓቂ” ልክዕ ንዘይኮኑ ድማ “ጌጋ” ብምባል መልሱ።
1. ማይ ምስ ሕርሻ ዘራኽቦ የለን።
2. ኣርባዕተ ኢድ ክፋል ሽፋን ገፀ ምድሪ ማይ እዩ።
3. ህይወታውያን ብዘይማይ ክነብሩ ዝኽእሉ ፍጡራት እዮም።
ቃላት
ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ፅምዲ ቃላት ፀሓፉ።
1. ገፀ ምድሪ 2. ዓይነ ምድሪ 3. ከርሰ ምድሪ

ፅሕፈት
ሰብ ማይ ብዘይ ምስታዩ ብዛዕባ ከጋጥሙዎ ዝኽእሉ ፀገማት ዝገልፅ ካብ 4-6
ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
112
ሰሙን 20
ዓርሰ ንባብ
ብኽለት ማይ
ህልውና ሰብ ምስ ፅሩይ ማይ ዝተኣሳሰረ እዩ። ብዘይ ማይ
ምንባር ኣይሕሰብን። ምኽንያቱ ውሽጣዊ ኣካላት ሰብ ንቡር
ስራሕቱ ዘሰላስል እኹልን ፅሩይን ማይ እንትረኽቡ ጥራሕ
ብምዃኑ እዩ። ኮይኑ ግና ማይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስለዝብከል ኩሉግዘ ፅሩይ ማይ
ምርካብ ኣፀጋሚ ክኸውን ይኽእል።

ብኽለት ማይ ማለት ፅርየትን ጣዕሚን ማይ ክዕይኑን ከጋዕዝዩን ብዝኽእሉ መረዝቲ ዝኾኑ


ነገራት እንትበላሸው እዩ። ማይ ብዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊን ስራሕ ሰብ ፀጋማት ይብከል።
ብተፈጥሮ ዝበሃል ካብ መሬት ናብ ማያዊ ኣካላት ብዝሕወስ መርዛም ከሚካል ወይ ንጥረ
ነገር እንትኸውን እዩ። ብተወሳኺ ካብ ከርሰ መሬት ብእሳተ ጎመራ ኣቢሎም ካብ ዝወፁ
መረዝቲ ንጥረ ነገራት ማይ ይብከል።

ሰብ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብኽለት ማይ የስዕብ። ሰባት ንዕለታዊ ናብርኦም ዘድልዩዎም


ዝተፈላለዩ ነገራት ከም ውፅኢት ፕላስቲክ፣ ሓፂን መፂን፣ ካርቶናት፣ ቅብኣት፣ ከሚካላት፣
መድሓኒታት ወዘተ ይጥቀሙ። እዞም ነገራት እንትበላሸዉ፣ እንትዉድኡ፣ እንትስበሩ፣
እንትኣርጉን ወይ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ እንትኾኑ መትሐዚኦም ኮነ ባዕሎም ይጓሓፉ። ኣብ
መሬት ዝተድርበየ ጓሓፍ እንትዘንብ ፀራሪጉ ናብ ሩባ የእቱዎ። ኣብ ሩባ ዝበፅሐ ጓሓፍ ናብ
ቃላያት፣ ባሕሪታትን ውቅያኖሳትን ኣትዩ ነቶም ማያዊ ኣካላት ይብክሎም።

ዝተበከለ ማያዊ ኣካል ብግዲኡ ንመስተ ኣብ ዝጥቀሙ ሰባት ፀገም የብፅሕ። ኣብቲ ቃላይ
ወይ ባሕሪ ዝነብሩ ፍጥረታት እውን ይጉድኡ። ብተወሳኺ ብምፍላጥ ኮነ ብዘይምፍላጥ ኣብ
ከተማታት ፍታንን ረሳሕ ፈሳሲን ካብ ዓይነ ምድሪታት መንበሪ ገዛውቲ ኮነ ትካላት ብትቦ
ኣቢሉ ናብ ማያዊ ኣካላት ዝፈሰሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። በዚ ድማ እቲ ማይ ተበኪሉ መንቀሊ
ዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ፀገማት ይኸውን።

እቲ ካልእ ስራሕ ሰብ ብኽለት ማይ ካብ ኢንዱስትሪታት ብመልክዕ ጐናዊ ምህርቲ ብዝወፅእ


መርዛም ከሚካላዊ ሓተላ ዝፍጠር እዩ። እዚ ከሚካል ብትቦ ወይ ረሳሕ ፈሳሲ ብዝፅዓና
መካይን ኣብ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቦታ ወይ ማያዊ ኣካል ክፈስስ ዝግበረሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።
ከምዚ ዝበሉ ብኽለታት ህይወት ሰብ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታታት ዘቃልዑ ስለዝኾኑ መዕገቲ
ብልሓት ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
113
ሰሙን 20

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ወግዒ ኣቦን ጓልን
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት
ተመያየጡሎም።
1. ሕማማት መንቀሊኦም ምፍላጥ ረብሓ
ኣለዎዶ?
2. ማይ ወለድ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. እቲ ምልልስ ኣብ መንጎ መንን መንን ተኻይዱ?
2. ሓካይም ብዛዕባ እንታይ ኣስተምህሮ ሂቦም?
3. “ኣይተ ጎደፋይ ብሕማም ተበሊዑ እንትብሉ” እንታይ ማለቶም እዮም?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ወይዘሮ ኣለም ብምንታይ ምኽንያት ዘንጊዓ?
2. ሕማማት ማይ ወለድ ካብ ዝበሃሉ ሕማማት ሰለስተ ጥቐሱ።
3. ሰብ ሙያ ሕክምና ንተሓከምቲ ብዛዕባ እንታይ ኣምሂሮም?
4. መልእኽቲ “ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክርከብ“ ግለፁ?
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
እንት በላሸዉ እንት ስበሩ እንት ኣርጉ

ዓርሰ ንባብ
ብኽለት ማይ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ኣብ መፅሓፍኩም ካብ ዘሎ ስእሊ እንታይ ትግንዘቡ?
2. ስእሊን ርእሲን ኣዛሚድኩም ትሕዝቶ እዚ ምንባብ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል
ገምቱ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
114
ሰሙን 20 1ይ መዓልቲ

ለ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።


1. ውሽጣዊ ኣካላት ደቂ ሰብ ንቡር ስራሕቶም ዘተግብሩ _____________ እንትረኽቡ
እዮም።
2. ማይ ብ ________ ን ________ን ምኽንያታት ይብከል።
3. ዝተበከለ ማይ ንመስተ ዝጥቀሙ ሰባትን _______ ይቃልዑ።
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ብኽለት ማይ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
2. ማይ ብተፈጥሮ ብኸመይ ይብከል?
3. ማይ ብምብካል ክኽሰት ዝኽእል ፀገም እንታይ እዩ?

ቃላት
ብመሰረት እቲ ምንባብ፣ ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ኣቐምጡ።
1. ንምዕጋት 2. ኣይተርፍን 3. ምንዳይ 4. መጣጢት

ፅሕፈት
ነዞም ዝስዕቡ መስርዖም ዝተዛብዐ ቃላት ኣቃኒዕኹም ሓረጋት መስርቱ።
1. ዝስተ ማይ ብኽለት 3. ስራሕ ማይ ሰብ ብኽለት
2. ወለድ ሕማማት ማይ 4. ኣካላት ደቂ ሰብ ውሽጣዊ

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
እናነፀልኩም ኣንብቡ።
እንትበላሸዉ እንትስበሩ እንትኣርጉ
ዓርሰ ንባብ
ብኽለት ማይ
“ብኽለት ማይ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
115
ሰሙን 20 2ይ መዓልቲ

ቃላት
ተፃራሪ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላትን ሓረጋትን ፀሓፉ።
1. እማን 2. ዘንጊዑ 3. ጥዑም ዘበን 4. ተኣኪቡ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. መቐረት 2. ፀሪጉ 3. ጓሓፍ 4. ሕፃብ 5. ረፋድ

3Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
ወግዒ ኣቦን ጓልን
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
1. ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ እንታይ ኣዳሚፅኩም?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ዓይኒ ማያት ብዝግባእ ዘይተሓፀራ ምዃነን እንታይ ኮይነን?
2. ኣይተ ጐደፋይ ማይ ወለድ ንዝብል እንታይ ኢሎም ኣድሚፀሙዎ?
3. ከም ኣገላልፃ ኣይተ ጐደፋይ ሕማማት ማይ ወለድ ቀደም ነይሮምዶ?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ወይዘሮ ኣለም እቶም ሕማማት ሓደሽቲ ኣይኮኑን እንትትብል እንታይ ማለታ
እያ?
2. ኣብቲ ጥቓ ዒላ ዝተፈጠረ ሕማቕ ጨና ብምንታይ ምኽንያት እዩ?
3. ወይዘሮ ኣለም ናብ ጣብያ ጥዕና እንታይ ክትገብር ከይዳ?
4. ነበርቲ እቲ ጣብያ ድሕሪ ምዝታይ እንታይ ዝገብሩ ይመስለኩም?

ምጥማርን ምንፃልን
እናጠመርኩም ፀሓፉ።
እንት በላሸዉ እንት ስበሩ እንት ኣርጉ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
116
ሰሙን 20 3ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ብኽለት ማይ
“ብኽለት ማይ” ንዝብል ምንባብ ብፅሕፈት ኣንብቡ።
ቃላት
ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ምረፁ።
1. ከጋዕዝዩ
ሀ. ከባልሽዉ ለ. ከመዛብሉ ሐ. ክበታትኑ መ. ከፈራርሱ
2. ዝተደርበዩ
ሀ. ዝተኣረዩ ለ. ዝተሰደዱ ሐ. ዝተወድኡ መ. ዝተሰንደዉ
3. ፍጥረታት
ሀ. ነገራት ለ. ህይወታዊያን ሐ. ክፍሊታት መ. ኣካላት
4. ብዝሕወስ
ሀ. ብዝኸይድ ለ. ብዝኣቱ ሐ. ብዝድመር መ. ብዝውህለል

ፅሕፈት
“ብኽለት ማይ” ንዝብል ምንባብ ኣሕፂርኩም ኣብ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
እናነፀልኩም ፀሓፉ።
እንትበላሸዉ እንትስበሩ እንትኣርጉ

ዓርሰ ንባብ
ብኽለት ማይ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተመያየጡሎም።
1. ካብ ዝሓለፈ ምንባብ እንታይ ትዝክሩ?
2. ኣብ ከባቢኹም ንብኽለት ዝተቃልዐ ማያዊ ኣካል ኣሎዶ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
117
ሰሙን 20 4ይ መዓልቲ

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ካብ መንበሪታትን ትካላትን ዝእከቡ ዓይነ ምድሪ ብኸመይ ናብ ማያዊ ኣካል ይፈሱ?
2. ካብ እሳተ ጎመራ ዝወፅኡ መረዝቲ ነገራት እንታይ ይብክሉ?
3. ኣብ ሩባ ዝበፅሐ ጓሓፍ ናብ እንታይ ይኣቱ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ልክዕ ንዝኾነ ‹‹ሓቂ›› ልክዕ ንዘይኮይነ ‹‹ጌጋ››
ብምባል መልሱ
1. ዝኾነ ይኹን ማይ ምስታይ ጉድኣት የብሉን።
2. ብጓሓፍ ዝኽሰት ብኽለት ማይ ሓደ ኣብነት ተፈጥሮኣዊ ብኽለት እዩ።
3. ብኽለት ማይ ማለት ጣዕሚን ፅርየትን ማይ ምሕላው ማለት እዩ።
4. ዝተበከለ ማይ ንዝተፈላላዩ ሕማማት የቃልዕ።

ቃላት
ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ሓረጋት ኣቕምጡ።
1. ነኣሰ ዓበየ 2. ሂጥ ሂጥ 3. ሎሚ ቕነ 4. ግዘ ዘምፅኦ

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ማያዊ ኣካል ብምንታይ ከምዝብከል ንሰባት ሓቲትኩም
ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
118
ሰሙን 21
ዓርሰ ንባብ
ክንክን ዝስተ ማይ
ወይዘሪት ዘውዲ ክኢላ ጥሙር ጥዕና ስድራ እያ።
ዘድልዩዋ ናውቲ ኣብ ቦርሳኣ ሒዛ ናብ ሕድሕድ ገዛ
እናዘወረት ንኣባለት ስድራ ትምህርቲ ጥዕና ተምህር።
ንግሆ ከምቲ ልሙድ ስራሓ ክትፍፅም ናብ እንዳ ኣይተ
ወልዳይ ኣምረሐት።
ኣይተ ወልዳይ፦ ደሓንዶ ሓዲርኪ ዘውዲ?
ወይዘሪት ዘውዲ፦ ደሓን እየ።
ኣይተ ወልዳይ፦ ንበሪ! ተዳሊና ኢና ዘለና።
ወይዘሪት ዘውዲ፦ እሞ ሎሚ ንዝራረበሉ ብዛዕባ እንሰትዮ ማይ እዩ። ከም እትፈልጡዎ
ማይ ህይወት እዩ። ንጥዕና ወሳኒ እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ማይ ንሰቲ።
ማይ ብጥንቃቐ እንተዘይተታሒዙ መንቀሊ ዝተፈላለዩ ሕማማት ይኸውን።
ወይዘሮ ፈትየን፦ እንታይ ዝበሃሉ ሕማማት?
ወይዘሪት ዘውዲ፦ ከም ጃርድያ፣ ኣሜባ፣ ሓቢ፣ ኮሌራን ብሊሃርዝያን ዝበሉ ሕማማት።
ንኣብነት ኣብ ቁሸትና ኣብ የካቲት ጥራሕ 120 ሰባት በዞም ሕማማት ተታሒዞም ኣብ ናቑጣ
ጥዕና ተሓኪሞም እዮም።
ወይዘሮ ፈትየን፦ ማይ ከመይ ገይርካ ይፀሪ?
ወይዘሪት ዘውዲ፦ ዝስተ ማይ ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ምፅራይ ይከኣል። እቲ ሓደ ኣብ
ዒላታትን ማይ ቡንባን ከም ክሎሪን ዝበሉ ከሚካላት ምጥቃም እዩ። እቲ ካልእ ኣብ ሓንቲ
በዓል 20 ሊትር ጀሪካን ሓንቲ መኽደን “ውሃ ኣጋር” ኣእቲኻ ብዝግባእ ብምሕቛን ምጥቃም
እዩ።
ኣይተ ወልዳይ፦ እዚ እናገዛእናኸ ንኽእሎዶ?
ወይዘሪት ዘውዲ፦ ክባር እኮ ኣይኮነን። እቲ ካልኣይ ሜላ ካብ ዓይኒ ማይን ዒላን ዝመፀ ማይ
ኣፍሊሕኻ ብምዝሓል ብሻሽ ኣፅሪርካ ምስታይ እዩ።
ኣይተ ወልዳይ፦ እዚኣ ግርም!
ወይዘሪት ዘውዲ፦ ክንክን ድማ ሳልሳይ ሜላ እዩ። ዒላታትን ዓይኒ ማያትን ብእንስሳት ኮነ
ብሰብ ከይበላሸዉ ምሕፃር፣ ከባቢኡ ብምንዳቕ፣ መኽደኒ ምስራሕን እንስሳት ዝሰትያሉ ቦታ
ንበይኑ ምግባርን እዮም።
ወይዘሮ ፈትየን፦ ከምዚ ዝበልኪና ክንትግብሮ ኢና። ደሓን ወዓሊ ዛጓለይ!

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
119
ሰሙን 21

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ማይ ገነት

ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።


1. ነዚ ስእሊ ርእይኹም፣ ብዛዕባ እንታይ ከም እተዳምፁ ገምቱ?

2. ኣብ ከባቢኹም ቃላይ ኣሎ ዶ? እንታይ ይበሃል?

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።


1. ኣይተ ሰለሞን ድሕሪ _____ዓመታት ካብ ስደት_____ተመለሰ።

2. ኣይተ ሰለሞን ነቲ ቦታ ____ ኣይነበረን።

3. ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ጉዕዞ_____።

4. ኣዝማድ ኣይተ ሰለሞን ናይ እንኳዕ _____ ኣቕረብሉ።

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ንኣይተ ሰለሞን ኣብ መንገዲ ዘግረምሉ ነገር እንታይ እዩ?

2. ኣይተ ሰለሞን እንታይ ንምርኣይ ተሃንጥዩ?

3. ክልተ ሰዓታት ተጓዒዙ ናብ ገዝኡ ምስ በፅሐ ምስ መን ተራኸበ?

4. ማይ ገነት ንምሕዋይ እንታይ ክግበር ይግባእ?


ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
እና ገዘአ ት እናገዝአት
እና በልዐ ት እናበልዐት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
120
ሰሙን 21 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ክንክን ዝስተ ማይ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ኣብ ክፍሊ ተመያየጡሎም።
1. ክንክን ዝስተ ማይ ኣብ ከባቢኹም እንታይ ይመስል?

2. ንማይ ምክንኻን እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ስራሕ ወይዘሪት ዘውዲ እንታይ እዩ?
2. ወይዘሪት ዘውዲ ክትምህር ናብ እንዳ መን ከይዳ?
3. ማይ ዒላን ቡንባን ንምፅራይ እንታይ ዓይነት ከሚካል የድልይ?

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ብዝተበከለ ማይ ዝመፁ ሕማማት ግለፁ።
2. “ማይ” መንቀሊ ሕማማት ዝኸውን እንታይ እንተኾይኑ እዩ?
3. ኣጠቓቕማ “ውሃ ኣጋር“ ግለፁ።
4. ኣስተምህሮ ወይዘሪት ዘውዲ ከመይ ትግምግሙዎ?

ቃላት
ነዞም ተሰሚሩሎም ዘለዉ ቃላት ዓውዳዊ ፍታሕ ምረፁ።
1. እቲ ርእሰ መምህር ናብ ቤት ትምህርቲ ኣንጊሁ ኣትዩ።

ሀ. ኣፀልሚቱ ለ. ገስጊሱ ሐ. ኣምስዩ መ. ኣራፊዱ

2. ቢንያም ብተግባር ሓዉ ኣዝዩ ተደመመ።

ሀ. ሓፈረ ለ. ደንገፀ ሐ. ተገረመ መ. ተሰከፈ

3. ዕቀባ ሓመድን ማይን ስለዘይተገበረ፣ እቲ ቃላይ ደሪቑ።

ሀ. ሃፊፉ ለ. በኒኑ ሐ. ነቒፁ መ. ነቲዑ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. መጓሰ 2. መርሐ 3. ተራኸበ 4. ቃላይ 5. ተመሊሱ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
121
ሰሙን 21 1ይ መዓልቲ

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
እና ገዘአ ት እናገዝአት
እና በልዐ ት እናበልዐት

ዓርሰ ንባብ
ክንክን ዝስተ ማይ
ነቲ ምንባብ እዚ ሰሙን ብናህሪ ኣንቢብኩም ፍረ ነገሩ ግለፁ።
ቃላት
ብመሰረት እቲ ንባብ ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ቃላት ኣቕምጡ።
1. ምሕቛን 2. ምፅራይ 3. ዒላ 4. ዓይኒ ማይ 5. ምስናይ

ፅሕፈት
ነዞም መስርዖም ዝተዛብዑ ቃላት ብምቅናዕ ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ንዝተፈላለዩ የቃልዕ ማይ ዝተበከለ ሕማማት
2. ህይወት እዩ ማይ
3. ጣብያ ማይ ዓለም ነበርቲ ተኣኪቦም
4. ትማሊ መፂኣ ብእግራ ሰሰን

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ማይ ገነት
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ብዛዕባ ማይ ገነት ካብ ዝሰማዕኹምዎ እንታይ ትዝክሩ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ቃላይ ማይ ገነት ካብ እንዳ ኣይተ ሰለሞን ብኣየናይ ኣንፈት ይርከብ?
2. ማይ ገነት ካብ እንዳ ኣይተ ሰለሞን ክንደይ ኪሎ ሜትር ይርሕቕ?
3. ኣይተ ሰለሞን ብዛዕባ ማይ ገነት እንታይ ኢሉ ሓቲቱ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
122
ሰሙን 21 3ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ማይ ገነት ንምርኣይ ምስ ኣይተ ሰለሞን እንመን ኸይዶም?
2. ብዛዕባ ቃላይ ማይ ገነት መብርሂ ዝሃበ መን እዩ?
3. እተን ቁሩብ ዝዓቖራ ማይ ብኸመይ ፀኒሐን?
4. ዕቀባ ማይን ሓመድን ዝደረቑ ቃላያት ክሓውዩ ይገብርዶ?

ምጥማርን ምንፃልን
“ማይ” ናብ ዝብል ቃል ካልኦት ቃላት ብምውሳኽ ሓሙሽተ ፅምዲ ቃላት
መስሪትኩም ኣንብቡ።
ኣብነት፦ ማይ ገነት ማይ ገነት
ዓርሰ ንባብ
ክንክን ዝስተ ማይ
ክንክን ዝስተ ማይ ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ሃቡ።
1. ኣምረሐት 2. ምፍፃም 3. ምሕፃር 4. ምፍላይ

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ካብ ዝርከብ ናቑጣ ጥዕና ጠይቅኩም፣ ብሰንኪ ብኽለት ማይ
ዝኽሰቱ ሕማማት ዝገልፅ ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
“ስርዓተ” ናብ ዝብል ቃል ካልኦት ቃላት ብምውሳኽ ሓሙሽተ ፅምዲ ቃላት
መስሪትኩም ፀሓፉ።
ኣብነት፦ ስርዓተ ትምህርቲ ስርዓተ ትምህርቲ

ዓርሰ ንባብ
ክንክን ዝስተ ማይ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
123
ሰሙን 21 4ይ መዓልቲ

ሀ. ካብቲ ምንባብ እትዝክሩዎ ተዛረቡ።


1. ብዛዕባ “ክንክን ዝስተ ማይ” ካብ ዘንበብኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. ወይዘሪት ዘውዲ ናብ እንዳ ኣይተ ወልዳይ እንታይ ክትገብር ከይዳ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ‘ክንክን ማይ’ ኣብ ዝብል ምልልስ ዘለዉ ሰባት እንመን እዮም?
2. መዘራረቢ ዛዕባ ወይዘሪት ዘውዲ እንታይ እዩ?
3. ከሚካል ከይተጠቐምካ ዝስተ ማይ ብኸመይ ምፅራይ ይከኣል?
ሐ. ብመሰረት ንባብ ልክዕ ንዝኾነ ‹‹ሓቂ›› ልክዕ ንዘይኮነ ‹‹ጌጋ›› እናበልኩም መልሱ።
1. ወይዘሪት ዘውዲ ክኢላ ሕርሻ እያ።
2. ፅርየት ማይ ዘይምሕላዉ ንሕማም የቃልዕ።
3. ኣይተ ወልዳይ ኣብ ናቑጣ ጥዕና ብዛዕባ ፅርየት ማይ ተማሂሮም።
4. ማይ ብእንስሳት ከይበላሸው ብምኽላል ክሕሎ ይኽእል።
ቃላት
ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ “ለ” ዘለዉ ብተመሳሰሊ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ተሃንጠወ 2. መኽደኒ 3. ውሑድ 4. ግድሚ
ለ ሀ. ጎቦ ለ. ተሃወኸ ሐ. መዕበሲ መ. ቁሩብ

ፅሕፈት
ነዞም ኣብ ታሕቲ ተገሊፆም ዘለዉ ሓሳባት ብቅደም ሰዓብ ብምቕማጥ ሓደ
ዓንቀፅ ፀሓፉ።
1. እኹል ማይ ቁጠባዊ ዓቕሚ 4. ንምጥቕላል ህይወታውያን ብዘይ ማይ
ውልቀ ሰባት ኽዓቢ ይሕግዝ። ክነብሩ ስለዘይኽእሉ፣ ንማይ ብዝግባእ
ክሕዙዎን ክከናኸንዎን ይግባእ።
2. ቃላያት ከይደርቁ ኩሉ ዜጋ
ቆላሕታ ክገብረሎም ኣለዎ። 5. ቃላያት ብኣግባብ እንተዘይተታሒዞም
ህይወታዊያን ንፀገም ይቃልዑ።
3. ንማይ ቆላሕታ ምግባር
ህይወታዊያን ብህይወት ንኽነብሩ ይሕግዝ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
124
ሰሙን 22
ዓርሰ ንባብ
ንግዲ

ንግዲ ማለት ሰባት ዘፍረዩዎ ፍርያት ኣብ ዕዳጋ ወሲዶም ነቲ ፍርያት ምስ ዝደልዩ ካልኦት
ሰባት ዝገብሩዎ ከይዲ ምልዉዋጥ እዩ። እዚ ከይዲ ፍርያት ብፍርያት ወይ ብገንዘብ ይካየድ።
ሰባት ቅድሚ ገንዘብ ምሂዞም ንግዳዊ ንጥፈታቶም ምክያድ ምጅማሮም ንግዲ ፍርያት
ብፍርያት ወይ ኣቕሓ ብኣቕሓ ብምልውዋጥ የካይዱዎ ነይሮም። ክዳውንቲ ዘፍሪ ምስ
እኽሊ ዘፍሪ ብዝተሰማምዑሉ መጠን እኽሊን ዓቐን ዓለባን ይቀያየሩ ነይሮም።

ፍርያት ብፍርያት ብምልዋወጥ ዝግበር ንግዲ ኣዝዩ መድከሚ እዩ። ምኽንያቱ ሰባት ዝደልዩዎ
ክረኽቡ ኣቕሓ ተሸኪሞም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክዘውሩ ወይ ናብ ሓደ ማእኸላይ ቦታ ክጓዓዙ
ይግደዱ። ብተወሳኺ መፍረይቲ ብኣካል እንተዘይተራኺቦም ንምፍፃሙ መፀገሚ እዩ። እዚ
ዓይነት ንግዲ ኣብ ሃገርናን ክልልናን ክሳብ ቀረባ እዋን ነይሩ። ሰባት ኣብ ዝተመረፀ ማእኸላይ
ቦታ ተራኺቦም ብማልጣ ወይ መጋምገ ይለዋወጡ። ማልጣ ማዕራዊ ምልውዋጥ ፍርያት
እዩ። ሓደ ምሸ ስገም ብሓደ ምሸ ስርናይ እንተተለዊጡ እቲ ምልዉዋጥ ማልጣ ይበሃል።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና፣ እዚ ኣሰራርሓ ዳርጋ እናቐረየ እዩ። ሰባት ዘድልዩዎም ነገራት
ንምዕዳግ ኣቕሓ ወይ ፍርያት ሒዞም ንዕዳጋ ክወርዱ ኣይግደዱን። ኣብ ዝደለዩዎ እዋን
ከይዶም ካብቶም መፍረዪቲ ዘይኮነስ ካብ ነጋዶ ገንዘብ ከፊሎም ይዕድጉ። ነጋዶ ካብ
መፍረይቲ ዓዲጎም ንተጠቀምቲ ዝሸጡ ሰባት ሸቀጥቲ ይበሃሉ። እዚ ዓይነት ንግዲ ዘበናዊ
ኮይኑ ንምትግባሩ ቀሊልን ቆጠባይ ግዘን እዩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
125
ሰሙን 22

1ይGuyya
መዓልቲ 2
ምድማፅ
ኣደይ ሰሰን
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት
ተመያየጡሎም።
1. እቲ ትርእዩዎ ዘለኹም ስእሊ እንታይ
ዘመልክት ይመስለኩም?

2. ኣብ ከባቢኹም ዕሙር ዕዳጋ ዝካየደሉ መዓልቲ መዓዝ እዩ? ኣብቲ መዓልቲ እንታይ
ይሽየጡ?

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. “ፍርያት ሕርሻ” ካብ ዝበሃሉ ነገራት ኣርባዕተ ጥቀሱ።

2. ኣደይ ሰሰን ፍሉይ ምድላው ዝገብራሉ መዓልቲ መዓዝ እዩ?

3. ኣደይ ሰሰን ድሕሪ ቁርሲ እንታይ ገይረን?

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ደቂ ኣደይ ሰሰን ንወላዲቶም ብኸመይ ሓጊዘሙወን?

2 ኣደይ ሰሰን ደቀን ካብ ዕዳጋ እንትምለሱ እንታይ ክሰርሑ ነጊረንኦም?

3. ወይዘሮ ሙንትሃ እንታይ ይሸጣ?

4. ኣደይ ሰሰን መጀመርታ ዝሸጥኦ ኣቕሓ እንታይ እዩ?

ምጥማርን ምንፃልን
ብመሰረት እቲ ኣብነት “ምዕዳግ” ንዝብል ቃል ምስ ዝተወሃቡ ኣካላት
ኣሰማዕሚዕኹም ኣንብቡ።
ኣነ ዓዲገ
ንሳ
ንሱ
ንስኻ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
126
ሰሙን 22 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ንግዲ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ምስ መፃምዲኹም ተመያየጡሎም።
1. ናብ ድንኳን ወይ ዕዳጋ ተላኢኽኩም ትፈልጡዶ? ንምንታይ?
2. ንግዳዊ ንጥፈታት ምክያድ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ንግዲ እንታይ እዩ?
2. “ከምዚ ዝበለ ንግዲ መድከሚ እዩ።” (ዓንቀፅ 3) “ከምዚ” ዝብል ቃል ንምንታይ
ይውክል?
3. “ምሸ” (ዓንቀፅ 3) እንታይ እዩ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ካብ መፍረይቲ ዓዲጉ ከትርፍ ዝሸይጥ ኣካል እንታይ ይብሃል?
2. ሰብ ንምንባር ዘድልዩዎ ነገራት ባዕሉ ከማልእ ዘይኽእለሉ ምኽንያት እንታይ
ይመስለኩም?
3. ኣቕሓ ብኣቕሓ ብምልዉዋጥ ዝግበር ንግዲ መድከሚ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ቃላት
ካብዞም ቃላት እናመረፅኩም ነቶም ሓሳባት ኣማልኡ።
ፍርያት ፆር ድንኳን ሕድሕድ
1. ሳራ ኣብ ከባቢኣ ካብ ዝርከብ ___ ደብተር ገዚኣ።
2. ወይዘሮ ኣምለሰት ሓዚለንኦ ዝነበራ ___ ኣውሪደን ኣብ መሬት ኣቐመጥኦ።
3. ኣብ እዋን ፈተና ___ ተምሃራይ ዘድልዩዎ ነገራት ክሕዝ ይግባእ።
4. እቶም ድኹዒ ዝተጠቀሙ ገባራት ብዙሕ ___ ሓፊሶም።

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ምልዉዋጥ 2. ፍርያት 3. ንግዲ 4. ኣፀጋሚ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
127
ሰሙን 22

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ብመሰረት እቲ ኣብነት “ምልውዋጥ” ንዝብል ቃል ምስ ዝተውሃቡ ኣካላት
ኣስማዕሚዕኹም ምልኡ።
ንሳቶም ይለዋወጡ
ንሳተን
ንሕና
ንስኻትኩም

ዓርሰ ንባብ
ንግዲ
“ንግዲ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።
ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ምንባብ ድለዩ።
1. ምፍጣሮም (ዓንቀፅ 2) 3. ክንቀሳቐሱ (ዓንቀፅ 3)
2. ተግባራቶም (ዓንቀፅ 2) 4. መሸገሪ (ዓንቀፅ 3)

ፅሕፈት
ነዞም ቅደም ስዓቦም ዝተዛብዐ ቃላት ብምቅናዕ ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ተምሃራይ ሰዓቱ ይርከብ ኣብ ንፉዕ
2. ኣደን ዕዳጋ ካብ ጓልን ዳጉሻ ሸሚተን
3. ገንዘብ ኣቕሓ ሰባት ቅድሚ ብኣቕሓ ነይሮም ይለዋወጡ

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ኣደይ ሰሰን
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
1. ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ኣደይ ሰሰን ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ከባቢ ከም ኣደይ ሰሰን ዝበላ ሸቃጢት ኣለዋዶ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
128
ሰሙን 22 3ይ መዓልቲ

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።


1. ኣደይ ሰሰን ኣብ ዓዲ ፈረስ _____ ።
2. ዕዳጋ ምስ ዓመረ ካልኦት_____ ።
3. ኣደይ ሰሰን _______ቁርሰን በሊዐን ቡን ሰተያ።
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ካብ ኣደይ ሰሰን ሃሪ ዝገዝአ መን እዩ?
2. ኣደይ ሰሰን ኣብ ልዕሊ ኣእማን እንታይ ኣንፂፈን?
3. ኣደይ ሰሰን ካብ ዝሸጠኦም ኣቝሑ ሓሙሽተ ዘርዝሩ።
4. ኣደይ ሰሰን ገዝአን እንትምለሳ ንደቀን እንታይ ገዚአን?
5. ኣደይ ሰሰን ንተምሃሮ ደቀን ምስአን ውዒሎም ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ከፅንዑ ምግባረን
ልክዕ ድዩ?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ሓረጋት ጠሚርኩም ብናህሪ ኣንብቡ።
ኣቕሓ ብ ኣቕሓ ፍርያት ብ ፍርያት እኽሊ ብ እኽሊ

ዓርሰ ንባብ
ንግዲ
“ንግዲ” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተፃራሪ ፍታሕ ካብቲ ምንባብ ድለዩ።
1. ድሕሪ (ዓንቀፅ 2) 3. ዝገዝእ (ዓንቀፅ 4)
2. ምቹው (ዓንቀፅ 3) 4. መሀውተቲ (ዓንቀፅ 4)

ፅሕፈት
ንግዲ ንዝብል ምንባብ ኣሕፂርኩም ብሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
129
ሰሙን 22 4ይ መዓልቲ

4ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ጠሚርኩም ፀሓፉ።
ኣቕሓ ብ ኣቕሓ ፍርያት ብ ፍርያት እኽሊ ብ እኽሊ

ዓርሰ ንባብ
ንግዲ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ካብቲ ቀዳማይ ምንባብ እንታይ ትዝክሩ?
2. ብዘይ ንግዲ ምንባር ዘፀግመሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ገንዘብ ኣብ ጥቅሚ ቅድሚ ምውዓሉ ንግዲ ከመይ ይካየድ ነይሩ?
2. “እዚ ዓይነት ንግዲ” (ዓንቀፅ 3) ንኣየናይ ዓይነት ንግዲ የመልክት?
3. ሓደ ርብዒት ምሸላ ብሓደ ርብዒት ስገም እንተተለዊጡ፣ እዚ ምልዉዋጥ ___________
ይበሃል።
ሐ. ትኽክል ንዝኾነ “ሓቂ” ትኽክል ንዘይኮነ “ጌጋ” ብምባል መልሱ።
1. ማልጣ ዘይማዕራዊ ምቅይያር ኣቝሑ ማለት እዩ።
2. ብገንዘብ ዝግበር ንግዲ ካብ ኣቕሓ ብኣቕሓ ዝግበር ይቐልል።
3. ኣቕሓ ብኣቕሓ ብምልዉዋጥ ዝግበር ንግዲ መድከሚን ግዘ በላዒን እዩ።

ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ዝተሰመረሎም ቃላት ሃቡ።
1. ዝሓለፈ ሰሙን ለታይን ሰለሞንን ንዕዳጋ ወሪዶም።
2. ወይዘሮ ፃድቃን ንደቀን ሰለስተ ሜትር ዓለባ ዓዲገን።
3. ኣብ ገንዘባዊ ንግዲ ሰባት ኣቝሑ ተሸኪሞም ክጓዓዙ ኣይግደዱን።

ፅሕፈት
ኣብ መንጎ ብገንዘብን ኣቕሓ ብኣቕሓን ዝግበር ንግዲ ዘሎ ኣፈላላይ ዝገልፅ ካብ
4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
130
ሰሙን 23
ዓርሰ ንባብ
ሸማቶ
ኣብ ንጥፈታት ንግዲ ነጋዶ ንኽህልዉ ሸማቶ ክህሉዉ
ግድን እዩ። ሸማቶ ንባዕሎምን ንቤተሰቦምን ዝተፈላለዩ
ኣቝሑ ዝዕድጉ ሰባት እዮም። ሸማቶ ንዝዓደጉዎም
D
ኣቊሑ ንሸየጥቲ ግቡእ ክፍሊት ክኽፍሉ ይግደዱ። ኣብ
ዝኾነ ዓይነት ዘይሕጋዊ ዕድጊት ካብ ምስታፍ ክዕቀቡን
ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ከቃልዑን ሓላፊነት ኣለዎም።

ብተወሳኺ ሸማቶ እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዉዎም።


ንኣብነት ብዛዕባ ዝዕድጉዎም ኣቚሑ መረዳእታ ክረኽቡን፣
ra
ከማርፁ፣ ክዋገዩን እንትደልዩ ጥራሕ ክዕድጉን ይኽእሉ። ናይ ዝዓደጉዎም ኣቚሑ ወረቐት
ቅብሊት ምሕታትን ምሓዝን መሰል ኣለዎም። ዝዓደጉዎም ኣቚሑ ጉድለታት እንተሃሊዩዎም
ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ቢሮ ንግድን ኢንዱስቱሪን ከፍልጡ ይግባእ።

ብዘይካ እቶም ግዴታታትን መሰላትን ሸማቶ ክገብሩዎም ዝግብኡ ጥንቃቐታት ኣለዉ።


ቅድሚ ምዕዳጎም ብዛዕባ እቶም ክእድጉዎም ዝደልዩ ኣቚሑ ዋጋን ፅርየትን ክፈልጡ
ይግባእ። እቶም ኣቚሑ ምስዓደጉ ድማ ኣጠቓቕማኦም ዝሕብሩ ኣድለይቲ መግለፂታት
ክሕዙ ኣለዎም።
ft
ብሓፈሻ ሸማቶ ሓላፍነቶምን መሰሎምን ብዝግባእ ተገንዚቦም ሕጋዊን ፍትሓዊን ዝኾነ
ንግዲ ከካይዱ ይግባእ።
(ፍልፍል፡- ረቋሒታት ንግዲ ምዝገባን ፍቓድን፣ 2005 ዓ.ም. መቐለ፣ ተመሓይሹ ዝተወሰደ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
131
ሰሙን 23

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ትካላት ንግዲ

ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።


1. ላዕሊ ዘለዉ ርእሲን ስእሊን ብምዕዛብ ቀፂልኩም እንታይ ከምተዳምፁ ገምቱ።
2. ኣብ ከባቢኹም እንታይ ዓይነት ስራሕቲ ንግዲ ኣለዉ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት መልኡ።
1. ዘበናዊ ንግዲ ብ ___ ዝትግበር ኣይኮነን።
2. ነጋዶ ስራሕቲ ንግዲ እንትጅምሩ መበገሲ ___ ክህሉዎም ይግባእ።
3. ከም ባንኪን ካልኦት ገንዘባዊ ትካላትን ምስ ___ ንግዲ ዝጠበቐ ___ ኣለወን።
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ በዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተዛተዩ።
1. ዘበናዊ ንግዲ ብኸመይ ይትግበር?
2. ትካላት ንግዲ ብምንታይ ይጣየሻ?
3. ነጋዶ ንምንታይ ይድገፉ?
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ዝ ዐደገ ኦም ዝ ረኽበ ኦም ዝ ግባእ ኦም

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
132
ሰሙን 23 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዛተዩሎም።
1. ሸማቲ እንታይ ማለት እዩ?

2. ኣብ ከባቢኹም ሸመታ ብኸመይ ይካየድ?

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. መሰላት ሸማቶ እንታይ እዮም?

2. ሸማቶ ብዛዕባ ዝዕድግዎም ኣቚሑ ብምፍላጦም እንታይ ይርብሑ?

3. ሸማቲ ብዛዕባ ሸያጢ ዘለዎ መረረት ንመን ይጠርዕ?

4. ዘይሕጋዊ ዕድጊት እንታይ ማለት እዩ?

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ዝኾነ መልሲ ተዛረቡ።


1. ሸማቶ ኣቕሓ ቅድሚ ምዕዳጎም እንታይ ክፈልጡ ኣለዎም?

2. ወረቐት ቅብሊት ምሓዝ ንምንታይ ይጠቅም?

3. ግዴታታት ሸማቶ ግለፁ።

4. ሸማቶ ግዴታኦም እንተዘይፈፂሞም እንታይ ጉድኣት ይስዕብ?

ቃላት
ነዞም ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ወይ ሓረጋት ምስ ኣብ “ለ” ዘለዉ ብተመሳሳሊ
ኣዛምዱ።
ሀ 1. ፈነወ 2. ሕጊን ደንቢን 3. ርእሰ ማል 4. ሸማቲ

ለ ሀ. ውልቀ ጥሪት ለ. ዓዳጊ ሐ. ሰደደ መ. ስርዓት

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ግልጋሎት 2. ጥረ ኣቕሓ 3. ምጥቃስ 4. ንግዲ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
133
ሰሙን 23

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ዝዐደጎም ዝረኸቦም ዝግበኦም

ዓርሰ ንባብ
ሸማቶ
“ሸማቶ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ተፃራሪ ፍታሕ ኣቐምጡሎም።
1. ምሕታት 2. መሰል 3. ምርካብ 4. ምቕማጥ 5. ምግዛእ

ፅሕፈት
ነዞም ቅደም ሰዓብ ዘይሓለዉ ምሉእ ሓሳባት ኣመዓራሪኹምን ግቡእ ስርዓተ
ነጥቢ ተጠቒምኩምን ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።
1. ኣብ ዕዳጋ ምስ በፅሐት እንቁላሊሕ ሸጠት
2. ሰላም ተምሃሪት እያ
3. ኣብ መወዳእታ ናውቲ ትምህርቲ ዓዲጋ ተመሊሳ
4. ሓደ ቀዳም እንቁላሊሕ ክትሸይጥ ናብ ዕዳጋ ኸደት

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ሸማቶ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ መልሱ።
ብዛዕባ ትካላት ንግዲ ካብ ዘዳመፅኩምዎ ምንባብ እንታይ ትዝክሩ?

ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።


ፍርያት ትካላት ገንዘባዊ ትካላት ግልጋሎት ዝህባ ትካላት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
134
ሰሙን 23 3ይ መዓልቲ

ሐ.ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ነጋዶ ስራሕቲ ንግዲ ከስፋሕፍሑ ምእንታን እንታይ ክግበር ይግባእ?
2. ካብ ከተማ ክሳብ ገፀር ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ ባንኪ እንታይ ይበሃል?
3. ብስልጠና ዝተረኸበ ዓቕሚ ንነጋዶ እንታይ ረብሓ ይህብ?
4. ትካላት ንግዲ ንሕብረተሰብ እንታይ ጥቕሚ ይህባ?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ብምጥማር ፅምዲ ቃላት መስሪትኩም ኣንብቡ።
ርእሲ፣ ክብሪ፣ መዉዓሊ፣ በዓል፣ ህፃናት፣ ማል፣ ከተማ
ዓርሰ ንባብ
ሸማቶ
“ሸማቶ” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።
ቃላት
ነዞም ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ እቶም ኣብ “ለ” ዘለዉ ብተመሳሳሊ ፍታሕ
ኣዛምዱ።
ሀ 1. ምጥያሽ 2. ዝሰርሐሉ 3. ምስፍሕፋሕ 4. ምፅራሕ

ለ ሀ. ምግፋሕ ለ. ዝተዋፈረሉ ሐ. ምጥቃስ መ. ምምስራት

ፅሕፈት
“ሸማቶ” ንዝብል ምንባብ ብናይ ባዕልኹም ኣገላልፃ ኣሕፂርኩም ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
“ቤት” ዝብል ቃል ብምቕዳምን ካልኦት ቃላት ብምዉሳኽን ፅምዲ ቃላት
ፀሓፉ።
ኣብነት፡- ቤት ምግቢ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
135
ሰሙን 23 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ሸማቶ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተዘራረቡሎም።
1. ብዛዕባ ሸማቶ ካብ ዘንበብኩምዎ ትዝክሩዎም ቀንዲ ነገራት ዘትዩ።
2. ሸማቶ ንመሰሎም እንተዘይተጣቢቖም እንታይ ይኾኑ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ነጋዳይ ካብ ዝኾነ ዓይነት_______ ዕድጊት ክቑጠብ ኣለዎ።
2. ሸማቶ ብዛዕባ _______ኣቕሓ እኹል ግንዛበ ክረኽቡ ኣለዎም።
3. ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍኖ _______ እኹል ኣይኮነን።
4. ኣብ ንግዲ ______ ዝኾነ ኣካይዳ ክህልው ይግባእ።
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ትኽክል ንዝኾነ “ሓቂ” ትኽክል ንዘይኮነ ድማ
“ጌጋ“ በሉ።
1. ሸማቲን ሸያጢን ምትእስሳር የብሎምን።
2. ዓዳጊ መሰሉን ግቡኡን ክፈልጥ ይግባእ።
3. ግብሪ ምኽፋል ዜግነታዊ ግቡእ እዩ።
4. ሸማቶ ብዛዕባ ዝዕድጉዎም ኣቑሑ ክፈልጡ ግድን ኣይኮነን።

ቃላት
ዓውዳዊ ፍታሕ እዞም ዝተሰመሩሎም ቃላት ምረፁ።
1. ዓዳጊ ብዛዕባ ዝዕድጎ ኣቕሓ እኹል መረዳእታ ክህልዎ ይግባእ።
ሀ. ሓበሬታ ለ. መግለፂ ሐ. መርትዖ መ. ሀን ለን
2. ኣብ ንግዲ፣ ነጋዳይ ንክህሉ ሸማቲ ክህሉ ግድን እዩ።
ሀ. ፍሉጥ ለ. ዘይተርፍ ሐ. ደጋፊ መ. ኩሎም
3. ሓደ ኣቕሓ ምስተዓደገ ብዛዕባ ኣጠቓቕምኡ መግለፂ ክህሉዎ ኣለዎ።
ሀ. ምስተገዝአ ለ. ምስተሸጠ ሐ. ምስቀረበ መ. ምስተረኸበ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. መበገሲ 2. ንጥፈት 3. ሕጋዊ 4. ክዋገዩ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
136
ሰሙን 24
ዓርሰ ንባብ
ዋጋ ዕዳጋ
ዓዳጊን ሸያጢን ዋጋ ንምቅርራብ ይዋገዩ ወይ ድማ ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ። እዚ ልውውጥ
ሓሳብ ዋጋ ዕዳጋ ይበሃል። እስኪ ኣብ መንጎ ዓዳጊን ሸያጢት መዓርን ጠስሚን ዝተገብረ
ቀፂሉ ዝቐረበ ዋጋ ዕዳጋ ረአዩ።
ዓዳጊ፡- ከመይ ሓዲርኪ ዛሓፍተይ?
ሸያጢት፡- እግዚኣብሄር ይመስገን። ከመይ ሓዲርካ?
ዓዳጊ፡- መዓር ኣለኪዶ?
ሸያጢት፡- እወ! ቀይሕ ዶ ፃዕዳ?
ዓዳጊ፡- ፃዕዳ እየ ዝደሊ። ናይ ኣበይ እዩኸ?
ሸያጢት፡- ናይ ኣፅቢ እዩ። ክንደይ ኪሎ ኢኻ ትደሊ?
ዓዳጊ፡- ሓሙሽተ። ክንደይከ እዩ?
ሸያጢት፡- ንኪሎ 90 ቅርሺ እዩ። ሕሳር እዩ።
ዓዳጊ፡- ዝኸውን ንገርኒ። 70 ዶ ክወስዶ?
ሸያጢት፡- ደሓን 85 ክገብረልካ። ፅቡቕ ዋጋ እዩ።
ዓዳጊ፡- ኣይ ከምኡ ክወስዶ?
ሸያጢት፡- በቃ ዓሚል እንተኾንካና እምበር ኣይዋጉኡን።
ዓዳጊ፡- ጠስሚኸ ከመይ እዩ?
ሸያጢት፡- ኣዝዩ ፅሩይ ጠስሚ ኣለኒ።
ዓዳጊ፡- ንኪሎ ክንደይ እዩ?
ሸያጢት፡- 120?
ዓዳጊ ፡- ኣኽቢርክዮ! 100 ሃብኒ።
ሸያጢት፡- ሚኢቲ ወፅዓ እዩ፤ ዘይተዓደገ! 110 ክህበካ። ክንደይ ኪሎ ኢኻ ትደሊ?
ዓዳጊ፡- ሰለስተ።
ሸያጢት፡- ሕራይ።
ዓዳጊ፡- በሊ እንኪ! ጠቕላላ 660 ድዩ ዝኸውን ዘሎ?
ሸያጢት፡- እወ። የቐንየለይ። ይልመድካ!

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
137
ሰሙን 24

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ኣያ እምሩ

ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።


1. ርእሲን ስእሊን ርእይኹም ብዛዕባ እንታይ ከምእተዳምፁ ገምቱ።
2. ብዘይ ምኽንያት ዕዳጋ ምኻድ እንታይ ጉድኣት ዘለዎ ይመስለኩም?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ምልኡ።
1. ኣያ እምሩ መጀመርታ እንታይ ገዚኦም?
2. እቲ ምክት እንታይ ኣበርጊጉዎ?
3. “ኣወስንቲ” እንታይ ንምዕቃን ይጠቅም?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣያ እምሩ ዘጨነቖም ነገር እንታይ እዩ?
2. ኣያ እምሩ ነቲ ጥሩንባ ንምንታይ ሰይሮሙዎ?
3. ኣያ እምሩ ንምንታይ እዮም ሓደ እንተይሓዙ ጥራሖም ተመሊሶም?
4. ካብ ተግባር ኣያ እምሩ እንታይ ትምሃሩ?
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ኣንብቡ። ለ. ነፂልኩም ኣንብቡ።
እና ኾብኮቡ እናኾብኮቡ

እና ዘወሩ እናዘወሩ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
138
ሰሙን 24 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ዋጋ ዕዳጋ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. እቲ ኣብ ቀዳማይ ገፅ ዘሎ ስእሊ ርእይኹም እንታይ ትርድኡ?
2. ዓደግቲን ሸየጥቲን ዘካይዱዎ ልውውጥ ሓሳብ እንታይ ይበሃል?
3. ኣብ ከባቢኹም ሰባት እንታይ እናበሉ ይዋገዩ?
ለ.ብመሰረት ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ዓዳጊ ክዕድጎ ዝደለዮ ነገር እንታይ እዩ?
2. ዓዳጊ ነቲ መዓር ብኽንደይ ገዚኡዎ?
3. መበገሲ ዋጋ መዓር ክንደይ እዩ?
4. እቲ ምልልስ ኣብ መንጎ መንን መንን ተኻይዱ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ልክዕ ንዝኾነ ‹‹ሓቂ›› ልክዕ ንዘይኾነ ‹‹ጌጋ››
ብምባል መልሱ።
1. ፈለማ ሰላም ዝበለ እቲ ሸያጢ እዩ።
2. ሸያጢት “ሕሳር!” ዝበለት ፅርየት እቲ መዓር ንምግላፅ እዩ።
3. “ይልመድካ!” ዝበለት ካሊእ መዓልቲ ክዕድገላ ምእንታን እዩ።
4. “ዋጋ ዕዳጋ” ማለት ሸያጢ ብዝበሎ ምእዳግ ማለት እዩ።
5. እቲ ዓዳጊ መጀመርታ ክዕድጎ ዝደለየ ጠስሚ እዩ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ከማልኡ ዝኽእሉ መማረፅቲ ኣስምሩሎም።
1. ኣብ ሓደ ዓዲ ዓብዪ ሰብኣይ (ነበረት፣ ነበርና፣ ነበሩ)።
2. ሰብ ኣብ ዕዳጋ ባህ ዝበሎ ነገር (ምዕዳግ፣ ንዓድግ፣ ይዕድግ)።
3. ንዕዳጋ ዝኸዱ ሰባት ዝዓደጉ ዓዲጎም ንገዝኦም (ምጓዓዝ፣ ይጓዓዙ፣ ንጓዓዝ)።
4. ብዛዕባ ኣብ ዕዳጋ ምሻጥን ምዕዳግን ሓሳብ (ተለዋወጡ፣ ይለዋወጥ፣ ምልዉዋጥ)።
ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ኪሎ 2. መዓር 3. ዓሚል 4. ኣወስንቲ 5. ክባር

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
139
ሰሙን 24 2ይ መዓልቲ

2ይGuyya
መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ጠሚርኩም ፀሓፉ። ለ. ነፂልኩም ፀሓፉ።
እና ኾብኮቡ እናኾብኮቡ
እና ዘወሩ እናዘወሩ

ዓርሰ ንባብ
ዋጋ ዕዳጋ
“ዋጋ ዕዳጋ” ንዝብል ዝርርብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ፍረ ነገሩ ግለፁ።
ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ተሰሚሩሎም ዘለዉ ቃላት ሃቡ።
1. ምክቶም እናወጠጡ ኣብ ዕዳጋ ምዛር ቐፀሉ።
2. ኣይተ ሓጐስ ብዘይ ስራሕ ኣብ ዕዳጋ እናዘወሩ ወዓሉ።
3. እታ ቆልዓ ብዝፈፀመቶ ተግባር ተቖጠዐት።
4. ገዲፉዎ ዝኸደ ምግቢ ከልቢ ኩስትር ኣበሎ።

ፅሕፈት
ብመሰረት ዕብየቶም ነዞም ዝስዕቡ ብቅደም ሰዓብ ኣቐምጡዎ።
1. ዲበላ፣ ማሕሲእ፣ ምክት፣ ወጠጦ 3. መንእሰይ፣ ቆልዓ፣ ህፃን፣ ሽማግለ
2. ጠስሚ፣ ፀባ፣ ሕቛን፣ ርግኦ 4. ምራኽ፣ ብተይ፣ ላሕሚ፣ ዓርሒ

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ኣያ እምሩ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ብዛዕባ “ኣያ እምሩ” ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. ኣብ ከባቢኹም ብዘይ ምኽንያት ንዕዳጋ ዝወርዱ ትፈልጡዶ?

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡዎም።


1. ኣያ እምሩ እናዞሩ እንተለዉ ብኣጋጣሚ ኣብ _________ በፅሑ።
2. ድምፂ ጥሩንባ ዘሰንበዶ ምክት _________ ተዓዚሩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
140
ሰሙን 24 3ይ መዓልቲ

3. ነታ ድሙ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ________ ደርበዩዋ።


4. ጠስሞም፣ ምክቶምን ድሞምን ኣቐሚጦም ኣብ _______ ደው በሉ።
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. እቲ ሸያጢ ጥሩንባ ንኣያ እምሩ እንታይ በሎም?
2. ኣያ እምሩ ነታ ድሙ ካብ መን ገዚኦምዋ?
3. ኣያ እምሩ ደኺሙዎም ኮፍ ምስበሉ እንታይ ሓሳብ መፂኡሎም?
4. ኣያ እምሩ ምክቶም፣ ድሞምን ጠስሞምን ስኢኖም እናተከዙ እናሃለዉ እንታይ
ርእዮም?
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
እንተ ኾንካና እምበር ኣይ ዋጋ ኡን ዘይ ተ ገዝአ

ዓርሰ ንባብ
ዋጋ ዕዳጋ
ነቲ ምልልስ ብፅፈት ኣንቢብኩም ፍረ ሓሳብ ብቓልኩም ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ፀሓፉ።
1. መወዳእታ 2. ሕርቃን 3. ደንገፀ 4. ጎየየ 5. ዘይተገዝአ
ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ምዝዋር 2. ዕዳጋ 3. ምልዉዋጥ 4. ዕግበት 5. ምክት

Guyya 2
4ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ሀ. ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናነፀልኩም ፀሓፉ።
እንተኾንካና እምበር ኣይዋግኡን ዘይተገዝአ

ለ. ዕዳጋ ዝብል ቃል ብምቕዳም ቀፂሉ ክመፅእ ዝኽእል ቃል ብምውሳኽ ቃላት


ህነፁ።
ኣብነት፡- ዕዳጋ ጓሓት ዕዳጋ ጓሓት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
141
ሰሙን 24 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ዋጋ ዕዳጋ
ሀ.ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ኣብ መንጎ ዓደግቲን ሸየጥቲን ዘሎ ርክብ እንታይ እዩ?
2. ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ሰባት ፍርያቶም ኣበይ ይሸጡ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. እቲ ዓዳጊ ቀዳማይ ዝመረፆ እንታይ ነይሩ?
2. እቲ ዓዳጊ ዝደልዮ መዓር እንታይ ዓይነት እዩ?
3. መበገሲ ዋጋ ጠስሚ ክንደይ እዩ?
4. “ዝኾን ንገርኒ” ማለት እንታይ ማለት እዩ?
5. እቲ ዓዳጊ ዝመረፆ መዓር ናይ ኣበይ ዓዲ እዩ?
ሐ. ብመሰረት ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሸያጢት “ፅቡቕ ዋጋ እዩ!” ዝበለት እንታይ ንምግላፅ እዩ?
2. ሸያጢት “ዓሚል ክትኮነና!” ዝበለት እንታይ ንምግላፅ ደልያ እያ?
3. ዓዳጊ “ወፅዓ እዩ!” ዝበለ እንታይ ማለት እዩ?
4. ካብዚ ምልልስ እንታይ ትመሃሩ?

ቃላት
ነቶም ተሰሚሮምሎም ዘለዉ ቃላት ዝትክኡ ቃላት ምረፁ።
(ዉረድ ደይብ፣ ርካሽ፣ ማዕቢሉ፣ ተጐዲኡ)
1. ፍርያት 2006 ዓ.ም. ኣዝዩ ሕሳር እዩ።
2. ኣብ ከይዲ ምዕዳግን ምሻጥን ዋጋ ዕዳጋ ኣድላዪ እዩ።
3. ወይዘሮ ኣመተ ምስ ደቀን ተሰማዕሚዐን ብምንባረን ናብራአን ተመሓይሹ።
4. እቲ ነጋዳይ ዋጋ ነክዩ ብምሻጡ ተወፂዑ።

ፅሕፈት
ኣብቲ ሰደቓ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።
ፍርያት መጠን (ብኪሎ) ዋጋ (ብኪሎ) ዓደግቲ
ሽጉርቲ 1 9.00 ወይዘሮ ብርሃን
ኮሚደረ 2 8.00 ኣይተ ግርማይ
ድንሽ 3 6.00 ወይዘሪት ትርሓስ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
142
ሰሙን 25
ዓርሰ ንባብ ጋዜጣ ዋሕታ ኣብ ቤት
ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ
ሰምሃል ትዳሎ። እዛ
ጋዜጣ በብኽልተ ሰሙን
ትሕተም:: ኣብ ሕድሕድ
ሕታም 600 ቅዳሕ
ይሕተም። እዛ ጋዜጣ
ጠመተ፣ ሓፈሻዊ
ፍልጠት፣ ቋንቋን
ስነ-ፅሑፍን፣ ጋሻናን
ስፖርትን ዝብሉ
ዓምዲታት ኣለዉዋ።
እዞም ዓምዲታት ንኸይዲ
ምምሃር ምስትምሃር
ሓጋዝቲ ብዝኾነ መንገዲ ሓፈሻዊ ፍልጠት
ይዳለዉ። ብብዙሓት ኣባላት
ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት
ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣
ገይሩ እዩ።
ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት
ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣
ጋሻናን ስፖርትን እውን
ብርክት ዝበሉ ጉዳያት
ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን
ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ
ዝፀሓፉ ዝተመርፁ
ግጥሚታትን ሓፀርቲ
ልቢ ወለዳት ትግርኛ
ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣
ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ
ዝተሰናድኡ ስራሕቲ
ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ
እዮም። ጉዳያት ባህሊን
ቋንቋን እውን ኣካል እዚ
ዓምዲ እዮም። ጋሻና
“ጠመተ” ዝብል ዓምዲ፣ ማሕበረሰብ ቤት ጋሻናን ስፖርትን እውን ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ሰምሃል ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ
ዝረአዩ ጉድለታት ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ

መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ


ብምንፃር መፍትሒ ፍልጠታት ተፈጥሮን ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ ኣፀናንዐኦምን
ንኽግበረሎም ሕብረተሰብ ሳይንስን ዝፀሓፉ ዝተመርፁ ትምህርቶምን ንኻልኦት
የተሓሳስብ። ምስ ፅርየት ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። ግጥሚታትን ሓፀርቲ ተምሃሮ ንኽዝትዩ
ትምህርቲ፣ ኣወሃህባ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ልቢ ወለዳት ትግርኛ ይግበር። መምህራን ኮነ
ፈተናን ካልኦት ዝዛመዱ ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ጉዳያትን የልዕል። ካብዚ ዛዕባታት እውን ይለዓሉ። ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ
ዓምዲ ዝምልከቶም ኣብዚ መደብ መፃሕፍቲ ዝተሰናድኡ ስራሕቲ ኣድለይቲ ምኽሪታትን
መምህራን ኮነ ተምሃሮ ኣንቢብካ ዝምለሱ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ ሓሳባትን ንኸልዕሉ
ግቡእ ሓበሬታ ስለ ወጠርቲ ሕቶታት እዮም። ጉዳያት ባህሊን ይግበር። ስፖርታዊ
ዝረኽቡ ካብ ጉድለታቶም ይወፁ። ተምሃሮ ቋንቋን እውን ኣካል እዚ ጉዳያት ኣብ ዓምዲ
ይእረሙ። መልሶም ናብ ዝምልከቶ ዓምዲ እዮም። ጋሻና ስፖርት ይተኣናገዱ።
ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣካል የቕርቡ። ኣብ ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ ብሓፈሻ፣ ጋዜጣ ዋሕታ
ብብዙሓት ኣባላት ዝቕፅል ሕታም ካልኦት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ ንማሕበረሰብ ቤት
ማሕበረሰብ ቤት ሕቶታትን ናይ ቅድሚ ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ ትምህርቲ ሰምሃል ግቡእ
ትምህርቲ ሰምሃል እዛ ሕታም ዝነበሩ ኣፀናንዐኦምን ግልጋሎት ብምሃብ
ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ሕቶታትን መልሲ ምስ ትምህርቶምን ንኻልኦት ንሰለጤን ከይዲ ምምሃር
ፍልጠታት ተፈጥሮን ስም ዝርዝር ዝመለሱ ተምሃሮ ንኽዝትዩ ምስትምሃር ኣፅተዋፅኦ
ሕብረተሰብ ሳይንስን ተምሃሮ ይወፅእ። ነጥቢ ይግበር። መምህራን ኮነ ኣብ ምግባር ትርከብ።
ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። እናተትሓዘ ፀኒሑ ድማ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብድምር ውፅኢት ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ

መደብ ቋንቋ ትግርኛ


ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ሰሚስተር ሰለስተ ዝሰዓሩ
ዛዕባታት እውን ይለዓሉ።

ኣብ ትግራይ ብቋንቋ ትግርኛ ንህዝቢ ሓበሬታ


ገይሩ እዩ።
ጋዜጣ ዋሕታ ኣብ ቤት ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት
ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣
ሰምሃል ትዳሎ። እዛ ጋሻናን ስፖርትን እውን
ጋዜጣ በብኽልተ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ጉዳያት
ትሕተም:: ኣብ ሕድሕድ ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን
ሕታም 600 ቅዳሕ ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ
ይሕተም። እዛ ጋዜጣ ዝፀሓፉ ዝተመርፁ
ጠመተ፣ ሓፈሻዊ ግጥሚታትን ሓፀርቲ
ፍልጠት፣ ቋንቋን ልቢ ወለዳት ትግርኛ
ስነ-ፅሑፍን፣ ጋሻናን ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣
ስፖርትን ዝብሉ ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ
ዓምዲታት ኣለዉዋ። ዝተሰናድኡ ስራሕቲ
እዞም ዓምዲታት ንኸይዲ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ
ምምሃር ምስትምሃር እዮም። ጉዳያት ባህሊን
ሓጋዝቲ ብዝኾነ መንገዲ ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት ቋንቋን እውን ኣካል እዚ
ይዳለዉ። ብብዙሓት ኣባላት ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣ ዓምዲ እዮም። ጋሻና
“ጠመተ” ዝብል ዓምዲ፣ ማሕበረሰብ ቤት ጋሻናን ስፖርትን እውን ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ሰምሃል ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ
ዝረአዩ ጉድለታት ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ
ብምንፃር መፍትሒ ፍልጠታት ተፈጥሮን ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ ኣፀናንዐኦምን

ዘመሓላልፉ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣለዉ።


ንኽግበረሎም ሕብረተሰብ ሳይንስን ዝፀሓፉ ዝተመርፁ ትምህርቶምን ንኻልኦት
የተሓሳስብ። ምስ ፅርየት ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። ግጥሚታትን ሓፀርቲ ተምሃሮ ንኽዝትዩ
ትምህርቲ፣ ኣወሃህባ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ልቢ ወለዳት ትግርኛ ይግበር። መምህራን ኮነ
ፈተናን ካልኦት ዝዛመዱ ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ጉዳያትን የልዕል። ካብዚ ዛዕባታት እውን ይለዓሉ። ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ
ዓምዲ ዝምልከቶም ኣብዚ መደብ መፃሕፍቲ ዝተሰናድኡ ስራሕቲ ኣድለይቲ ምኽሪታትን
መምህራን ኮነ ተምሃሮ ኣንቢብካ ዝምለሱ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ ሓሳባትን ንኸልዕሉ
ግቡእ ሓበሬታ ስለ ወጠርቲ ሕቶታት እዮም። ጉዳያት ባህሊን ይግበር። ስፖርታዊ
ዝረኽቡ ካብ ጉድለታቶም ይወፁ። ተምሃሮ ቋንቋን እውን ኣካል እዚ ጉዳያት ኣብ ዓምዲ
ይእረሙ። መልሶም ናብ ዝምልከቶ ዓምዲ እዮም። ጋሻና ስፖርት ይተኣናገዱ።
ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣካል የቕርቡ። ኣብ ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ ብሓፈሻ፣ ጋዜጣ ዋሕታ
ብብዙሓት ኣባላት ዝቕፅል ሕታም ካልኦት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ ንማሕበረሰብ ቤት
ማሕበረሰብ ቤት ሕቶታትን ናይ ቅድሚ ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ ትምህርቲ ሰምሃል ግቡእ
ትምህርቲ ሰምሃል እዛ ሕታም ዝነበሩ ኣፀናንዐኦምን ግልጋሎት ብምሃብ
ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ሕቶታትን መልሲ ምስ ትምህርቶምን ንኻልኦት ንሰለጤን ከይዲ ምምሃር
ፍልጠታት ተፈጥሮን ስም ዝርዝር ዝመለሱ ተምሃሮ ንኽዝትዩ ምስትምሃር ኣፅተዋፅኦ
ሕብረተሰብ ሳይንስን ተምሃሮ ይወፅእ። ነጥቢ ይግበር። መምህራን ኮነ ኣብ ምግባር ትርከብ።
ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። እናተትሓዘ ፀኒሑ ድማ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብድምር ውፅኢት ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ
ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ሰሚስተር ሰለስተ ዝሰዓሩ
ዛዕባታት እውን ይለዓሉ።

እዞም መራኸብቲ ብፅሑፍን ብኤሌክትሮኒክስን


ይቐርቡ። ጋዜጣ ወይን በብክልተ ሰሙን እትሕተም ጋዜጣ እያ። እዛ ጋዜጣ ዝተፈላለዩ
ዓምዲታት ኣለዉዋ። ጋዜጣ ወይን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክልልና፣ ሃገርናን ዓለምናን ዝለዓሉ
ዛዕባታት እውን ተተኣናግድ።

ብተመሳሳሊ ጋዜጣ መቓልሕ ትግራይ ብቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን እቲ ክልል እትዳሎ
መንግስታዊ ጋዜጣ እያ። እዛ ጋዜጣ ከም ጠመተ ውሕስና ምግቢ፣ ከተማታትና፣ ደሃይ
ወረዳታት፣ ልሳነ ጥበብ፣ ሰገር ዶብ፣ እሂን ምሂንን መቓልሕ ስፖርትን ዝበሉ ዓምዲታት
ይርከብዋ።

ካብ ጋዜጣታት ብተወሳኺ መፅሄታት መቓልሕን ወይንን ይሕተማ እየን። መፅሄት


መቓልሕ በብሰለስተ ወርሒ ትሕተም። መፅሄት ወይን ድማ ብፍሉይ ሕታም እያ እትዳሎ።
ትዅረት እዚ መፅሄት ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት እዩ። ወረዳታት፣ ቢሮታት፣ ኣብያተ ፅሕፈትን
ማሕበራትን እውን ንምቅስቓሰን ዝገልፅ መፅሄታት የዳልዋ። ንኣብነት ቤት ፅሕፈት ጉዳይ
ደቂ ኣንስቲዮ “ዕርያ”፣ ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮ ድማ “ሓሪና” ዝበሃላ መፅሄታት የሰናድኣ።

ብመዳይ ኤልክትሮኒክስ ካብ ትግራይ ዝፍነዉ ትምህርቲ ብራድዮን ድምፂ ወያነን ይርከቡ።


ቀንዲ ዕላማ ፈነወ ትምህርቲ ብራድዮ ትምህርታዊን መዘናግዒን ጉዳያት ምምሕልላፍ ኮይኑ
ናይዚ ጣብያ ማእኸል ተምሃሮ እዮም። ድምፂ ወያነ ትግራይ ካብ መላእ ክልልናን ሃገርናን
ሓሊፉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ተሰማዒነት ዘለዎ ራድዮ እዩ። እዚ ራድዮ ዝተፈላለዩ
መደባት ኣለዉዎ። ቴለቭዥን ትግራይ እውን ምስሊን ድምፂን ኣዋዲዱ ዜና፣ ዝተፈላለዩ
ማሕበረሰባዊ ጉዳያትን መዘናግዒታትን የመሓላልፍ እዩ።

ካብ መቐለ ዝፍነዉ ሰለስተ ኤፍ ኤም ራድዮታት እውን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መራኸብቲ


ሓፋሽ እዮም። እዚኣቶም ኣብ መቐለን ከባቢኣን ንዝነብር ህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ
ምትሕልላፍ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎም። ካብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ዝምልከቶም ሰባት
ብምዕዳም ምስ ሞየኦም ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ንነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ከመሓላልፉ
ሰማዕቲ ድማ ክሳተፉ ዕድል ይፈጥሩ።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ በዞም ዝተፈላለዩ ዓይነታት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት


ይፍነዉ እዮም።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
143
ሰሙን 25

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
መራኸብቲ ሓፋሽ

ገይሩ እዩ።
ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት ገይሩ እዩ።
ጋዜጣ ዋሕታ ኣብ ቤት
ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣ ጋዜጣ ዋሕታ ኣብ ቤት ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት
ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ
ጋሻናን ስፖርትን እውን ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣
ሰምሃል ትዳሎ። እዛ
ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ሰምሃል ትዳሎ። እዛ ጋሻናን ስፖርትን እውን
ጋዜጣ በብኽልተ ሰሙን
ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን ጋዜጣ በብኽልተ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ጉዳያት
ትሕተም:: ኣብ ሕድሕድ
ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ ትሕተም:: ኣብ ሕድሕድ ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን
ሕታም 600 ቅዳሕ
ዝፀሓፉ ዝተመርፁ ሕታም 600 ቅዳሕ ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ
ይሕተም። እዛ ጋዜጣ
ግጥሚታትን ሓፀርቲ ይሕተም። እዛ ጋዜጣ ዝፀሓፉ ዝተመርፁ
ጠመተ፣ ሓፈሻዊ
ልቢ ወለዳት ትግርኛ ጠመተ፣ ሓፈሻዊ ግጥሚታትን ሓፀርቲ
ፍልጠት፣ ቋንቋን
ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣ ፍልጠት፣ ቋንቋን ልቢ ወለዳት ትግርኛ
ስነ-ፅሑፍን፣ ጋሻናን
ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ ስነ-ፅሑፍን፣ ጋሻናን ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣
ስፖርትን ዝብሉ
ዝተሰናድኡ ስራሕቲ ስፖርትን ዝብሉ ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ
ዓምዲታት ኣለዉዋ።
ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ ዓምዲታት ኣለዉዋ። ዝተሰናድኡ ስራሕቲ
እዞም ዓምዲታት ንኸይዲ
እዮም። ጉዳያት ባህሊን እዞም ዓምዲታት ንኸይዲ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ
ምምሃር ምስትምሃር
ቋንቋን እውን ኣካል እዚ ምምሃር ምስትምሃር እዮም። ጉዳያት ባህሊን
ሓጋዝቲ ብዝኾነ መንገዲ ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት
ዓምዲ እዮም። ጋሻና ሓጋዝቲ ብዝኾነ መንገዲ ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት ቋንቋን እውን ኣካል እዚ
ይዳለዉ። ብብዙሓት ኣባላት ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣
ዓምዲ እዮም። ጋሻና
“ጠመተ” ዝብል ዓምዲ፣ ማሕበረሰብ ቤት ጋሻናን ስፖርትን እውን ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ ይዳለዉ። ብብዙሓት ኣባላት ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ሰምሃል ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ “ጠመተ” ዝብል ዓምዲ፣ ማሕበረሰብ ቤት ጋሻናን ስፖርትን እውን ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ
ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ሰምሃል ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ
ዝረአዩ ጉድለታት ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን
ብምንፃር መፍትሒ ፍልጠታት ተፈጥሮን ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ ኣፀናንዐኦምን ዝረአዩ ጉድለታት ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ
ትምህርቶምን ንኻልኦት ብምንፃር መፍትሒ ፍልጠታት ተፈጥሮን ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ ኣፀናንዐኦምን
ንኽግበረሎም ሕብረተሰብ ሳይንስን ዝፀሓፉ ዝተመርፁ
ተምሃሮ ንኽዝትዩ ንኽግበረሎም ሕብረተሰብ ሳይንስን ዝፀሓፉ ዝተመርፁ ትምህርቶምን ንኻልኦት
የተሓሳስብ። ምስ ፅርየት ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። ግጥሚታትን ሓፀርቲ
ይግበር። መምህራን ኮነ የተሓሳስብ። ምስ ፅርየት ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። ግጥሚታትን ሓፀርቲ ተምሃሮ ንኽዝትዩ
ትምህርቲ፣ ኣወሃህባ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ልቢ ወለዳት ትግርኛ
ይግበር። መምህራን ኮነ
ፈተናን ካልኦት ዝዛመዱ ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን ትምህርቲ፣ ኣወሃህባ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ልቢ ወለዳት ትግርኛ
ጉዳያትን የልዕል። ካብዚ ዛዕባታት እውን ይለዓሉ። ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ ፈተናን ካልኦት ዝዛመዱ ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ኣድለይቲ ምኽሪታትን ጉዳያትን የልዕል። ካብዚ ዛዕባታት እውን ይለዓሉ። ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ
ዓምዲ ዝምልከቶም ኣብዚ መደብ መፃሕፍቲ ዝተሰናድኡ ስራሕቲ
ሓሳባትን ንኸልዕሉ ዓምዲ ዝምልከቶም ኣብዚ መደብ መፃሕፍቲ ዝተሰናድኡ ስራሕቲ ኣድለይቲ ምኽሪታትን
መምህራን ኮነ ተምሃሮ ኣንቢብካ ዝምለሱ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ
ይግበር። ስፖርታዊ መምህራን ኮነ ተምሃሮ ኣንቢብካ ዝምለሱ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ ሓሳባትን ንኸልዕሉ
ግቡእ ሓበሬታ ስለ ወጠርቲ ሕቶታት እዮም። ጉዳያት ባህሊን
ዝረኽቡ ካብ ጉድለታቶም ይወፁ። ተምሃሮ ቋንቋን እውን ኣካል እዚ ጉዳያት ኣብ ዓምዲ ግቡእ ሓበሬታ ስለ ወጠርቲ ሕቶታት እዮም። ጉዳያት ባህሊን ይግበር። ስፖርታዊ
ይእረሙ። መልሶም ናብ ዝምልከቶ ዓምዲ እዮም። ጋሻና ስፖርት ይተኣናገዱ። ዝረኽቡ ካብ ጉድለታቶም ይወፁ። ተምሃሮ ቋንቋን እውን ኣካል እዚ ጉዳያት ኣብ ዓምዲ
ስፖርት ይተኣናገዱ።
ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣካል የቕርቡ። ኣብ ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ ብሓፈሻ፣ ጋዜጣ ዋሕታ ይእረሙ። መልሶም ናብ ዝምልከቶ ዓምዲ እዮም። ጋሻና
ብብዙሓት ኣባላት ዝቕፅል ሕታም ካልኦት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ ንማሕበረሰብ ቤት ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣካል የቕርቡ። ኣብ ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ ብሓፈሻ፣ ጋዜጣ ዋሕታ
ማሕበረሰብ ቤት ሕቶታትን ናይ ቅድሚ ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ ትምህርቲ ሰምሃል ግቡእ ብብዙሓት ኣባላት ዝቕፅል ሕታም ካልኦት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ ንማሕበረሰብ ቤት
ትምህርቲ ሰምሃል እዛ ሕታም ዝነበሩ ኣፀናንዐኦምን ግልጋሎት ብምሃብ ማሕበረሰብ ቤት ሕቶታትን ናይ ቅድሚ ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ ትምህርቲ ሰምሃል ግቡእ
ግልጋሎት ብምሃብ
ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ሕቶታትን መልሲ ምስ ትምህርቶምን ንኻልኦት ንሰለጤን ከይዲ ምምሃር ትምህርቲ ሰምሃል እዛ ሕታም ዝነበሩ ኣፀናንዐኦምን
ፍልጠታት ተፈጥሮን ስም ዝርዝር ዝመለሱ ተምሃሮ ንኽዝትዩ ምስትምሃር ኣፅተዋፅኦ ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ሕቶታትን መልሲ ምስ ትምህርቶምን ንኻልኦት ንሰለጤን ከይዲ ምምሃር
ምስትምሃር ኣፅተዋፅኦ
ሕብረተሰብ ሳይንስን ተምሃሮ ይወፅእ። ነጥቢ ይግበር። መምህራን ኮነ ኣብ ምግባር ትርከብ። ፍልጠታት ተፈጥሮን ስም ዝርዝር ዝመለሱ ተምሃሮ ንኽዝትዩ
ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። እናተትሓዘ ፀኒሑ ድማ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን ሕብረተሰብ ሳይንስን ተምሃሮ ይወፅእ። ነጥቢ ይግበር። መምህራን ኮነ ኣብ ምግባር ትርከብ።
ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብድምር ውፅኢት ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። እናተትሓዘ ፀኒሑ ድማ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ሰሚስተር ሰለስተ ዝሰዓሩ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብድምር ውፅኢት ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ
ዛዕባታት እውን ይለዓሉ። ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ሰሚስተር ሰለስተ ዝሰዓሩ
ዛዕባታት እውን ይለዓሉ።

ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።


1. ሓበሬታ ካበይ ይርከብ?

2. ቅድሚ መሳርሒታት ቴክኖሎጂ ምምፅኦም ሰባት ሓበሬታ ብምንታይ ይለዋወጡ


ነይሮም?

ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ሰደቓ ምልኡ።


ዘበናዊ መራኸቢ
ፅሑፋዊ መራኸቢ ኤሌክትሮኒክስ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. እዋናዊ ሓበሬታ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
2. ብሄረሰብ ኢሮብ ዝጥቀሙሉ ባህላዊ መለዋወጢ ሓበሬታ እንታይ ይበሃል?
3. ክሳብ ሐዚ ዝስረሐሉ ዘሎ ዓይነት መራኸቢ እንታይ ይበሃል?
4. ቅልጡፍ ሓበሬታ ኣብ ምትሕልላፍ ዓብዪ እጃም ዘለዎም ኣየነዎት እዮም?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ማሕበረ ሰብ ሕብረተ ሰብ ማሕበረ ሰብ ኣዊ ሕብረተ ሰብ ኣዊ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
144
ሰሙን 25 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ብዛዕባ ስፖርት ኮነ ካሊእ ሃገራዊ ጉዳይ፣ ሓበሬታ ካበይ ትረኽቡ?
2. ኣብ መፅሓፍኩም ዘሎ ስእሊ በምርኣይ ትሕዝቶ እዚ ምንባብ ገምቱ።
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ጋዜጣ ወይን በብኽንደይ እዋን ትሕተም?
2. ጋዜጣ መቓልሕ ትግራይ ብመን እትዳሎ?
3. ብቤት ፅሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስቲዮ እትዳሎ መፅሄት እንታይ ትብሃል?
4. ምስሊን ድምፂን ጠሚሩ ዘመሓላልፍ መሳርሒ መራኸቢ ሓፋሽ እንታይ ይበሃል?
ሐ. ብመሰረት ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. መራኸብቲ ሓፋሽ እንታይ ረብሓ ኣለዎም?
2. ኣብ ጋዜጣ መቓልሕ ትግራይ ዝርከቡ ዓምዲታት ዘርዝሩ?
3. መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ሕብረተሰብ ዘለዎም ግደ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ ”ለ” ዘለዉ ተመሳሳሊ ፍታሖም
ኣዛምዱ።
ሀ 1. ኣንደበት 2. ዶብ 3.ስእሊ 4. ምስንዳእ 5. ዋኒን

ለ ሀ. ምድላው ለ. ጉዳይ ሐ. ልሳን መ. ምስሊ ረ. ወሰን

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ራድዮ 2. ጋዜጣ 3. ተዓዲማ 4. እዋናዊ 5. ፈነወ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
145
ሰሙን 25

2ይGuyya
መዓልቲ 2
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ማሕበረሰብ ሕብረተሰብ ማሕበረሰብኣዊ ሕብረተሰብኣዊ

ዓርሰ ንባብ
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ
ብናህሪ ኣንብብኩም ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ምንባብ ግለፁ።
ቃላት
ተፃራሪ ፍታሕ እዞም ዝተሰመረሎም ቃላት ፀሓፉ።
1. ቀጥታዊ ፈነወ፣ ተሳተፍቲ ንክሓቱ ዕድል ይፈጥረሎም።
2. ዝኾነ ይኹን ዜጋ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሩ ክፈልጥ ይግባእ።
3. ኣይተ በርሀ ኣብ ማሕበረሰባዊ ጉዳያት ንጡፍ ተዋሳኢ እዮም።
4. ቅድሚ ሰሙን ዝሓለፈ መደብ ንብርክት ዝበሉ ሰማዕቲ ኣዘናጊዑ።
ፅሕፈት
ብመሰረት ኣብ ታሕቲ ተዋሂባ ዘላ መበገሲት ቀንዲ ምሉእ ሓሳብ ካብ 4-6
ምሉእ ሓሳባት ወሲኽኩም ሓደ ዓንቀፅ ኣዳልዉ።
ራድዮ ኣዝያ ጠቓሚት እያ። . . .

3Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
መራኸብቲ ሓፋሽ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ብዛዕባ መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. ባህላዊ መራኸብቲ ዝበሃሉ ከመይ ዝበሉ እዮም?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ፍልፍል ሓበሬታ ___ ን ___ ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይምቀሉ።
2. ብልምዲ ዝግበር ልውውጥ ሓበሬታ ___ ይበሃል።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
146
ሰሙን 25 3ይ መዓልቲ

3. ብሄረሰብ ዓፋር ዝጥቀሙሉ ባህላዊ ልውውጥ ሓበሬታ ___ ይበሃል።


ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ልክዕ ንዝኾነ ‹‹ሓቂ›› ንዘይኮይነ ድማ ‹‹ጌጋ››
በሉ።
1. ሓበሬታ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ሰባት ዓብዪ ግደ ኣለዎ።
2. ዘበናዊ መራኸብቲ ብቴክኖሎጂካዊ መሳርሒታት ይሕገዙ እዮም።
3. ብኣካል ተራኺብካ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣብዚ ዘበን ኣየገልግልን።
4. ብፅሑፍ ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ኣካል ዘበናዊ መራኸቢ ኣይኮነን።

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናጠመርኩም ብምንባብ ፀሓፉ።
ቴክኖ ሎጂ ቴክኖ ሎጂ ኣዊ ኤሌክትሮ ኒክስ

ዓርሰ ንባብ
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ
“መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ” ብፅፈት ኣንቢብኩም ፍረ ነገሩ ብቓልኩም
ግለፁ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት፣ ተመሳሳሊ ፍታሕ ኣቐምጡ።
1. ርኡይ 2. ንጡፋት 3. ተገንዚቦም 4. ህልው 5. ተኽእሎ

ፅሕፈት
መራኸብቲ ሓፋሽ ዝህቡዎ ረብሓ ንሰባት ብምሕታት መረዳእታ ኣኪብኩም ካብ
4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናነፀልኩም ብምንባብ ፀሓፉ።
ቴክኖሎጂ ቴክኖሎጂኣዊ ኤሌክትሮኒክስ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
147
ሰሙን 25 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተመያየጡሎም።
1. ብዛዕባ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ካብ ዘንበብኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?

2. ብኣካል ተራኺብካ ዝግበር ልውውጥ ሓበሬታ ከመይ ዝበለ ምዃኑ


ብኣብነት ግለፁ።

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ብፍሉይ ሕታም እትዳሎ መፅሄት ጥቐሱ።

2. ብማሕበር ደቂ ኣንስቲዮ እትዳሎ መፅሄት እንታይ ትበሃል?


3. ቀንዲ ትዅረት መፅሄት ወይን እንታይ እዩ?
4. ፈነወ ትምህርቲ ብራድዮ ንመን የማእኸል?

ሐ. ብመሰረት ንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘርዝሩ።
2. ቢሮታትን ዘዳልዉዎም መፅሄታት እንታይ መሰረት ብምግባር እዩ?
3. ዕላማ ትምህርቲ ብራድዮ እንታይ እዩ?
4. ቀጥታዊ ፈነወ ኤፍ ኤም እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ቃላት
ካብዞም ዝስዕቡ መማረፅታት ፍሉይ ዝኾነ ኣውፅኡ።
1. ሀ. ከበሮ ለ. ራድዮ ሐ. ነጋሪት መ. ጥሩምባ

2. ሀ. ነዊት ለ. ዕርፊ ሐ. ኣርዑት መ. ፋስ

3. ሀ. ቴለቭዥን ለ. ጋዜጣ ሐ. መፅሄት መ. በራሪ ፅሑፍ

4. ሀ. ፍንጃል ለ. ሊፍ ሐ. ፃሕሊ መ. ጀበና

ፅሕፈት
ኣብ መንጎ ቴለቭዥንን ራድዮን ዘሎ ሓድነትን ኣፈላላይን ዝገልፅ ካብ 5-8
ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
148
ሰሙን 26
ዓርሰ ንባብ
ፀጋይ ወልደስላሴ
ደብዳበ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማሾ
ቁፅሪ ሳንዱቕ ፖስታ 248

18 ሕዳር 2006 ዓ.ም.

ዝኸበርኪ ወላዲተይ!
ወይዘሮ ኪዳን መዝገበ
ቁፅሪ ሳንዱቕ ፖስታ 402
ጣብያ ዕጠቕ፣ ሸራሮ

ቅድሚ ኹሉ ንዝኸበረ ፀጋ ጥዕናኺ ከመይ


ኣለኺ? ኣነ ወድኺ ብዘይካ ናትኪ ናፍቖትን
ሻቕሎትን ደሓን ኣለኹ። ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን እውን ፅቡቕ ኣለዉ።

ብቤት ፖስታ ዝለኣኽክለይ ደብዳበ ብ12 ሕዳር 2006ዓ.ም. በፂሓትኒ። ደብዳበኺ ናብ ኢደይ
ምስ ኣተወት ዳርጋ ብኣካል ዝረኸብኩኺ መሲሉ ስለዝተሰመዓኒ ኣዚየ ተሓጕሰ። ኣደይ! እቲ
ኻሊእ ደስ ዝበለኒ ነገር ብመስከረም ዝለኣኽኩልኪ ጋቢ ብምፍታውኪ እዩ።

ኪዳነይ! ወዲ ኣያ ያሲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝረኸበኒ ነጊሩኪ። ምኻደይ ብፅቡቕ እዩ ነይሩ።


ኣብ ዝሰርሐሉ ቤት ትምህርቲ ብሉፅ መምህር ተባሂለ ካብ ወረዳ ናብ መቐለ ከይደ። ካብ
መቐለ ድማ ሓሙሽተ ብሉፃት ተመሪፅና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሃገር ለኸ ናብ ዝግበር ስነ
ስርዓት ሽልማት ምስ ተፀዋዕና እየ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኸይደ። ኣደይ! ወዲኺ ብተምሃሮይን
ብመሳርሕተይን ዝፍቶ ህርኩት መምህር እየ ኾይነልኪ። በዚ ተሓበኒ። እግረ መንገደይ
ሰመረ ሓወይ ናብ ዝመሃረሉ ዩኒቨርስቲ ኸይደ ረኺበዮ። ብዘይካ ናፍቖትኪ ፅቡቕ ኣሎ።
ኣይትሻቐሊ።

ኣብ ቀፃሊ ደብዳበ ብሰፊሑ ክሳብ ዝፅሕፈልኪ ደሓን ቀንዪ። ንኹሎም ጎረባብቲናን


መሓዙተይን ድማ ሰላም ኢሉኩም በልለይ።

ወድኺ፣

(ፊርማ)

ፀጋይ ወልደስላሰ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
149
ሰሙን 26

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ደብዳበ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት
ተመያየጡሎም።
1. ደብዳበ ተላኢኹኩም ይፈልጥ ዶ? ካብ መን?

2. ደብዳበ ልኢኽኩም ትፈልጡ ዶ? ናብ መን?

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ምላሽኩም ፀሓፉ።


1. ዘዳመፅኩምዎ ደብዳበ ካብ መን ተላኢኹ?
2. ተቐባሊ እዚ ደብዳበ ኣበይ ይነብር?

3. ተቐባሊ እንታይ ይሰርሕ?

ሐ. ብመሰረት እቲ ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ርክብ ለኣኺን ተቐባሊን እታ ደብዳበ ግለፁ።
2. እታ ደብዳበ መኣዝ ተፃሒፋ?
3. ለኣኺ ኣብ ሰላምትኡ እንታይ ፀገም ገሊፁ?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላትን ጥብቆታትን እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ድንግር ግር ጭንቕ ንቕ ፅዕን ዕን

ዓርሰ ንባብ
ደብዳበ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ኣብ ክፍሊ ተመያየጡሎም።
1. ደብዳበ እንታይ እዩ? 2. ደብዳበ ንምንታይ ይፀሓፍ?

ለ. እናንበብኩም መንነት እዞም ዝስዕቡ ሰባት ግለፁ።


ኣብነት፦ ወዲ ኣያ ያሲን፡- ንመምህር ፀጋይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸቦ

1. ሰመረ 2. መምህር 3. ወይዘሮ ኪዳን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
150
ሰሙን 26 1ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ተቐባሊ እታ ደብዳበ ኣበይ ይነብር?

2. ለኣኺን ተቐባሊን እታ ደብዳበ ርክቦም እንታይ እዩ?

3. ለኣኺ ደብዳበ ብምንታይ ተሓጕሱ?

ቃላት
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሖም ሃቡ።
1. ሻቕሎት 2. ብሉፅ 3. ሃገር ለኸ 4. ዝተሓረየ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ዕላል 2. ሓቲታ 3. ጋቢ 4. ተሻቒሉ 5. ህርኩት

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት እናነፀልኩም ኣንብቡ።
ድንግርግር ጭንቕንቕ ፅዕንዕን
ዓርሰ ንባብ
ደብዳበ
እቲ ደብዳበ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።
ቃላት
ብመሰረት እቲ ምንባብ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ሓረጋት ፀሓፉ።
1. ናብ ኢደይ ኣትያ 2. እግረ መንገደይ 3. ዓይነ ስጋ

ፅሕፈት
ነዞም መስርዖም ዝተዛብዑ ምሉእ ሓሳባት ብምቅናዕን ግቡእ ስርዓተ ነጥቢ
ተጠቒምኩምን ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።
ሀ. ብዘይካ ናፍቖትካ ደሓን እየን
ለ. ተሻቒለን ስለዘለዋ ፀሓፈለን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
151
ሰሙን 26 2ይ መዓልቲ

ሐ. ዝኸበርካ ዓርከይ ከመይ ትኸውን ኣለኻ


መ. ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገዛኹም ከይደ ነይረ
ረ. ኣነ ፅቡቕ ኣለኹ
ሰ. ንኣደይ ፃድቃን ረኺበየን

3Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
ደብዳበ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዘዳመፅኩምዎ “ደብዳበ” ብዛዕባ እንታይ ነይሩ?

ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።


1. ሲራክ ዝለኣኾ ደብዳበ ብ___________ ናብ ተቐባሊት በፂሑ።

2. ናርዶስ ናይ ሲራክ ____________ ፈትያትሉ።

3. ሲራክ ኣብ ___________ ይመሃር።

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ “ሓቂ” ወይ “ጌጋ” እናበልኩም መልሱ።


1. ናርዶስ ተምሃሪት ዩኒቨርስቲ መቐለ እያ።

2. ናርዶስ ንሓዋ በርቲዑ ኽፃወት ምዒዳቶ።

3. ሲራክ ንሓፍቱ ብዛዕባ ትምህርታ ንኽትገልፀሉ ሓቲቱዋ።

4. ናርዶስ ደብዳበ ምስ ኣንበበት ብሓሳብ ምስ ቤተሰባ ተሓዊሳ።

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላትን ጥብቆታትን እናጠመርኩም ፀሓፉ።
ድንግር ግር ጭንቕ ንቕ ፅዕን ዕን

ዓርሰ ንባብ
ደብዳበ
“ደብዳበ” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
152
ሰሙን 26 3ይ መዓልቲ

ቃላት
ነዞም ምሉእ ሓሳባት ምስ ኣንበብኩም ነቶም ዝተሰመሩሎም ቃላት ተፃራሪ
ፍታሕ ሃቡ።
1. ደብዳበኻ ምስ በፅሓትኒ ብኣካል ዝረኸብኩኻ መሲሉ ተሰሚዑኒ።
2. ናይ ወረዳና ኣመሓዳሪ ንብሉፃት ሰራሕተኛታት መተባብዒ ሸሊሙ።
3. ሓፍተይ ቀዳመይቲ ብምውፅኣ ተሓቢነ።
4. መኣዛ ዓብዪ ሓዋ ዝለኣኸላ ዓለባ ፈትያቶ።

ፅሕፈት
ከም ወይዘሮ ኪዳን ኮይንኩም ንደብዳበ መምህር ፀጋይ መልሲ ዝኸዉን
ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ድንግርግር ጭንቕንቕ ፅዕንዕን

ዓርሰ ንባብ
ደብዳበ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተመያየጡሎም።
1. ብዝሓለፈ እዋን ካብ ዘንበብኩምዎ ደብዳበ እንታይ ትዝክሩ ?
2. መምህር ፀጋይ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ንምንታይ ከይዱ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. መምህር ፀጋይ ንኣዲኡ ኣብ መስከረም እንታይ ልኢኹለን?
2. እቲ ደብዳበ ካበይ ናበይ ተላኢኹ?
3. መምህር ፀጋይ ብመን ይፍቶ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ንወይዘሮ ኪዳን ወደን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተርአየ መን ነጊሩወን?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
153
ሰሙን 26 4ይ መዓልቲ

2. ለኣኺ እታ ደብዳበ ኣበይ ይነብር?


3. መምህር ፀጋይ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንታይ ክገብር ገይሹ?
4. ለኣኺ ወላዲቱ ብምንታይ ክሕበና ነጊሩወን?

ቃላት
ካብዞም ዝቐረቡ መማረፂታት ነቶም ሓሳባት ከማልኡ ዝኽእሉ ቃላት ምረፁ።
ሰላምታ ሰላማዊ ሰላም

1. ንኹለን መሓዙተይ _____________ በላለይ።

2. ንኹሎም ኣዕርኽቱ ዝኸበረ ___________ ኣቕሪቡ።

3. ገብራይ ሳላ ድጋፍ ሓፍቱ ___________ ህይወት ይመርሕ ኣሎ።

ፅሕፈት
ኣብ ካሊእ ከባቢ ናብ ዝነብር ዘመድኩም ወይ ዓርክኹም ብዛዕባ ሓደ ዘግረመልኩም
ነገር ደብዳበ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
154
ሰሙን 27
ዓርሰ ንባብ
ዋሕታ ገይሩ እዩ።
ጋዜጣ ዋሕታ ኣብ ቤት ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት
ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣
ሰምሃል ትዳሎ። እዛ ጋሻናን ስፖርትን እውን

ዋሕታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ሰምሃል እትዳሎ


ጋዜጣ በብኽልተ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ጉዳያት
ትሕተም:: ኣብ ሕድሕድ ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን
ሕታም 600 ቅዳሕ ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ
ይሕተም። እዛ ጋዜጣ ዝፀሓፉ ዝተመርፁ
ጠመተ፣ ሓፈሻዊ ግጥሚታትን ሓፀርቲ
ፍልጠት፣ ቋንቋን ልቢ ወለዳት ትግርኛ
ስነ-ፅሑፍን፣ ጋሻናን ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣
ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ

ጋዜጣ እያ። እዛ ጋዜጣ በብኽልተ ሰሙን ትሕተም:: ኣብ


ስፖርትን ዝብሉ
ዓምዲታት ኣለዉዋ። ዝተሰናድኡ ስራሕቲ
እዞም ዓምዲታት ንኸይዲ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ
ምምሃር ምስትምሃር እዮም። ጉዳያት ባህሊን
ሓጋዝቲ ብዝኾነ መንገዲ ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት ቋንቋን እውን ኣካል እዚ
ይዳለዉ። ብብዙሓት ኣባላት ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣ ዓምዲ እዮም። ጋሻና
“ጠመተ” ዝብል ዓምዲ፣ ማሕበረሰብ ቤት ጋሻናን ስፖርትን እውን ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ሰምሃል ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ

ሕድሕድ ሕታም 600 ቅዳሕ ይሕተም። እዛ ጋዜጣ ጠመተ፣


ዝረአዩ ጉድለታት ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ
ብምንፃር መፍትሒ ፍልጠታት ተፈጥሮን ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ ኣፀናንዐኦምን
ንኽግበረሎም ሕብረተሰብ ሳይንስን ዝፀሓፉ ዝተመርፁ ትምህርቶምን ንኻልኦት
የተሓሳስብ። ምስ ፅርየት ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። ግጥሚታትን ሓፀርቲ ተምሃሮ ንኽዝትዩ
ትምህርቲ፣ ኣወሃህባ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ልቢ ወለዳት ትግርኛ ይግበር። መምህራን ኮነ
ፈተናን ካልኦት ዝዛመዱ ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ፣ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ጉዳያትን የልዕል። ካብዚ ዛዕባታት እውን ይለዓሉ። ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ

ሓፈሻዊ ፍልጠት፣ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣ ጋሻናን ስፖርትን


ዓምዲ ዝምልከቶም ኣብዚ መደብ መፃሕፍቲ ዝተሰናድኡ ስራሕቲ ኣድለይቲ ምኽሪታትን
መምህራን ኮነ ተምሃሮ ኣንቢብካ ዝምለሱ ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ ሓሳባትን ንኸልዕሉ
ግቡእ ሓበሬታ ስለ ወጠርቲ ሕቶታት እዮም። ጉዳያት ባህሊን ይግበር። ስፖርታዊ
ዝረኽቡ ካብ ጉድለታቶም ይወፁ። ተምሃሮ ቋንቋን እውን ኣካል እዚ ጉዳያት ኣብ ዓምዲ
ይእረሙ። መልሶም ናብ ዝምልከቶ ዓምዲ እዮም። ጋሻና ስፖርት ይተኣናገዱ።
ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣካል የቕርቡ። ኣብ ብቐንዲ ተሞክሮ ንምሃብ ብሓፈሻ፣ ጋዜጣ ዋሕታ
ብብዙሓት ኣባላት ዝቕፅል ሕታም ካልኦት ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ ንማሕበረሰብ ቤት

ዝብሉ ዓምዲታት ኣለዉዋ። እዞም ዓምዲታት ንኸይዲ ምምሃር


ማሕበረሰብ ቤት ሕቶታትን ናይ ቅድሚ ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ ትምህርቲ ሰምሃል ግቡእ
ትምህርቲ ሰምሃል እዛ ሕታም ዝነበሩ ኣፀናንዐኦምን ግልጋሎት ብምሃብ
ዝንበብ ዓምዲ እዩ። ሕቶታትን መልሲ ምስ ትምህርቶምን ንኻልኦት ንሰለጤን ከይዲ ምምሃር
ፍልጠታት ተፈጥሮን ስም ዝርዝር ዝመለሱ ተምሃሮ ንኽዝትዩ ምስትምሃር ኣፅተዋፅኦ
ሕብረተሰብ ሳይንስን ተምሃሮ ይወፅእ። ነጥቢ ይግበር። መምህራን ኮነ ኣብ ምግባር ትርከብ።
ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። እናተትሓዘ ፀኒሑ ድማ ካልኦት ሰብ ሞያ እውን
ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብድምር ውፅኢት ምስ ትምህርቲ ዝዛመዱ

ምስትምሃር ሓጋዚ ብዝኾነ ሜላ ይዳለዉ።


ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ሰሚስተር ሰለስተ ዝሰዓሩ
ዛዕባታት እውን ይለዓሉ።

“ጠመተ” ዝብል ዓምዲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝረኣዩ ጉድለታት ብምንፃር መፍትሒ


ንኽግበረሎም የተሓሳስብ። ምስ ፅርየት ትምህርቲ፣ ኣወሃህባ ፈተናን ካልኦት ዝዛመዱ
ጉዳያትን የልዕል። ካብዚ ዓምዲ ዝምልከቶም መምህራን ኮነ ተምሃሮ ግቡእ ሓበሬታ
ስለዝረኽቡ ካብ ጉድለታቶም ይእረሙ።

ሓፈሻዊ ፍልጠት ብብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ሰምሃል ዝንበብ ዓምዲ እዩ።
ፍልጠታት ተፈጥሮን ሕብረተሰብ ሳይንስን ኣብዚ ዓምዲ ይቐርቡ። ኣብ እዋናዊ ጉዳያት
ዘድህቡ ማሕበረሰባዊ ዛዕባታት እውን ይለዓሉ። ኣብዚ መደብ መፃሕፍቲ ኣንቢብካ ዝምለሱ
ወጠርቲ ሕቶታት ይወፁ። ተምሃሮ መልሶም ናብ ዝምልከቶ ኣካል የቕርቡ። ኣብ ዝቕፅል
ሕታም ካልኦት ሕቶታትን ናይ ቅድሚ እዛ ሕታም ዝነበሩ ሕቶታትን መልሲ ምስ ስም
ዝርዝር ዝመለሱ ተምሃሮ ይወፅእ። ነጥቢ እናተትሓዘ ፀኒሑ ድማ ብድምር ውፅኢት ዝሰዓሩ
ተምሃሮ መፃሕፍቲ ይሽለሙ። እዚ ብዙሓት ተምሃሮ ንኽተባብዑ ገይሩ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ዓምዲታት ቋንቋን ስነ ፅሑፍን፣ ጋሻናን ስፖርትን እውን ብርክት ዝበሉ ጉዳያት
ይለዓሉ እዮም። ቋንቋን ስነ ፅሑፍን ብተምሃሮ ዝፀሓፉ ዝተመርፁ ግጥሚታትን ሓፀርቲ
ልቢ ወለዳት ትግርኛ ይተኣናገዱ። ብተወሳኺ ብፍሉጣት ደረስቲ ካብ ዝተሰናድኡ ስራሕቲ
ኣብዚ ዓምዲ ይወፁ እዮም። ጉዳያት ባህሊን ቋንቋን እውን ኣካል እዚ ዓምዲ እዮም። ጋሻና
ብቐንዲ ተመኩሮ ንምሃብ ዝዓለመ ዓምዲ እዩ። በዚ ንፉዓት ተምሃሮ ኣገባብ ኣፀናንዐኦምን
ትምህርቶምን ንኻልኦት ተምሃሮ ንኽዝትዩ ይግበር። መምህራንን ኮኑ ካልኦት ሰብ ሞያ
እውን ምስ ትምህርቲ ዝተዛመዱ ኣድለይቲ ምኽሪታትን ሓሳባትን ንኸልዕሉ ይግበር።
ስፖርታዊ ጉዳያት ኣብ ዓምዲ ስፖርት ይተኣናገዱ።

ብሓፈሻ ጋዜጣ ዋሕታ ንማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ሰምሃል ግቡእ ግልጋሎት ብምሃብ


ንሰለጤን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣፅተዋፅኦ ኣብ ምግባር ትርከብ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
155
ሰሙን 27

1Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
ክለብ ሚኒ ሚድያ

ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ነቲ ስእሊ ርእይኹም ብዛዕባ እንታይ ከምተዳምፁ ገምቱ።
2. ኣብ ቤት ትምህርቲኹም “ክለብ ሚኒ ሚድያ” ኣሎዶ? እንታይ ስራሕቲ ይፍፅም?
ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
መዓልቲ መቕረብቲ
ሰኑይ
ረቡዕ
ሓሙስ
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ ሚኒ ሚድያ ንምንታይ ይጥቀመሉ?
2. ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘይቐርዩ መዳባት ኣየነዎት እዮም?
3. ኣሰናዳእቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣዋዲዶም ናብ መን የሕልፉዎ?
4. “ብኽልሰ ሓሳብ ዝተመሃሩዎ ብተግባር ንኸርእዩ ይሕግዞም” እንትብል እንታይ
ማለት እዩ?
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ክፋላት ጥማር ቃል ክምልኡ ዝኽእሉ ካብ ዘዳመፅኩምዎ ፅሑፍ
ደሊኹም ብምጥማር ኣንብቡ።
1. ቃለ 2. ሕገ 3. ክልሰ 4. ስነ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
156
ሰሙን 27 1ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ዋሕታ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
“ዋሕታ” ካብ ዝብል ምንባብ እንታይ ትዝክሩ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ጋዜጣ “ዋሕታ” መዓዝ ትሕተም?
2. ብሓንሳብ ክንደይ ቅዳሕ “ዋሕታ” ይሕተም?
3. ጋዜጣ “ዋሕታ” ኣበይ እያ እትዳሎ?
4. ፍልጠት ተፈጥሮ ሳይንስ ኣበየናይ ዓምዲ ይቐርብ?
ሐ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብመሰረት እቲ ምንባብ መልሱ።
1. ኣብ ቤት ትምህርቲ ጋዜጣ ምንባብ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
2. ዕላማ “ጋሻና” እንታይ እዩ?
3. ብዛዕባ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርኣዩ ጉድለታት ኣብ ጋዜጣ እንታይ ክበሃል ኣለዎ?
4. ጋዜጣ ንኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሓጋዚ ዝኸውን ብኸመይ እዩ?

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላትን ሓረጋትን ካብቲ ተሓቢሩ ዘሎ ቁፅሪ ዓንቀፅ ፍታሕ
ደሊኹም ፀሓፉ።
1. ሕፅረት (ዓንቀፅ 2) 3. ዝተዳለዉ (ዓንቀፅ 4)
2. ዘተኮሩ (ዓንቀፅ 3) 4. ማዕዳታት (ዓንቀፅ 4)

ፅሕፈት
ስራሕቲ ክለብኩም ዝገልፅ ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ
ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
157
ሰሙን 27

2Guyya

መዓልቲ2
ምጥማርን ምንፃልን
ካብዚ ንታሕቲ ንዝቐረቡ ቃላት ብምትሕሓዝ ፅምዲ ቃላት ፀሓፉ።
ስነ ወለድ መርሃ ፅሑፍ መቕረፂ ግብሪ ልቢ ድምፂ

ዓርሰ ንባብ
ዋሕታ
“ዋሕታ” ንዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቱ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ፀሓፉ።
1. ተሓቚፎም 2. ፍሉጣት 3. ተረባሕቲ 4. ምምሕያሽ 5. ተመስረተ

ፅሕፈት
ጋዜጣ ምንባብ ዘለዎ ረብሓ ዝገልፅ ካብ 4-6 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም
ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ክለብ ሚኒ ሚድያ
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ብዛዕባ ክለብ ሚኒ ሚድያ ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. ክለብ ሚኒ ሚድያ ንዓኹም እንታይ ይሕግዘኩም?
3. ኣብ ክለብኩም እንታይ ትሰርሑ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ መልሱ።
1. ክለብ ሚኒ ሚዲያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማዮ መዓዝ ተመስሪታ?
2. ነቲ ክለብ ዘተሓባብሩ መምህራን እነ መን እዮም?
3. ስራሕ መቐሎ ክለብ ሚኒ ሚዲያ ቤት ትምህርቲ ሰማዮ እንታይ መሰረት ዝገበረ እዩ?
4. ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማዮ ክንደይ ክለባት ኣለዋ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
158
ሰሙን 27 3ይ መዓልቲ

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።

1. “ክለብ ሚኒ ሚድያ ብሕገ ደንቢ ትምራሕ” እንትበሃል እንታይ ማለት እዩ?


2. መደባት ብመሰረት ዝወፀ ትልሚ ምፍፃሞም ብመን ይረጋገፅ?
3. ቃለ መሕትት ንምክያድ ዘድልዩ መሳርሒታት እንታይ እዮም?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ኣዶ መንበር ምምሃር ምስትምሃር መትሐዚ መዘክር
ሚኒ ሚድያ ሓፈሻዊ ፍልጠት

ዓርሰ ንባብ
ዋሕታ
“ዋሕታ” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ “ለ” ዘለዉ ብተመሳሳሊ ፍታሖም ኣዛምዱ።
ሀ 1. ንፉዓት 2. ኣውራ 3. ዝተመረፁ 4. ደረስቲ 5. ኣድህቦ
ለ ሀ. ዝተሓረዩ ለ. ፀሓፍቲ ሐ. ኣቓልቦ መ. ብሉፃት ረ. ቀንዲ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ተመኩሮ 3. ስፓርት 5. መፍትሒ
2. ምንፃር 4. ሕታም

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናነፀልኩም ፀሓፉ።
1. ኣዶ መንበር 3. ምምሃር ምስትምሃር 5. መትሐዚ መዘክር
2. ሚኒ ሚድያ 4. ሓፈሻዊ ፍልጠት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
159
ሰሙን 27 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ዋሕታ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. “ዋሕታ” ብዝብል ርእሲ ካብ ዘንበብኩምዎ ፅሑፍ እንታይ ትዝክሩ?

2. ኣብ ትግራይ ካብ ዝሕተሙ ጋዜጣታት ኣየናይ ክተንብቡ ትፈትዉ? ንምንታይ?

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዘድህቡ ኣበየናይ ዓምዲ ይቐርቡ?

2. ጋሻናን ስፖርትን ኣበየናይ ዓምዲ ይቐርቡ?

3. ተምሃሮ ዘተኣናግዱዎም ፅሑፋት እንታይ እዮም?

ሐ. ብመሰረት ምንባብ ልክዕ ንዝኾነ ‘‘ሓቂ’’ ንዘይኮነ ‘‘ጌጋ’’ እናበልኩም


መልሱ::
1. ኣወሃህባ ፈተናን ካልኦትን ጉዳያት ኣብ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን ይቐርብ።

2. መፃሕፍቲ ኣንቢብካ ዝምለሱ ወጠርቲ ሕቶታት ኣብ ሓፈሻዊ ፍልጠት ይቐርቡ።

3. ተመኩሮ ንምትሕልላፍ ዝዓለመ መደብ ጠመተ ይበሃል።

4. ጋዜጣ ምንባብ ዓቕሚን ክእለትን ተምሃሮ የዕቢ።

ቃላት
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት፣ ተመሳሳሊ ፍታሖም ድለዩ።
1. ኣረምቲ 2. ክትትል 3. ቋንቋ 4. ልቢ ወለድ

ፅሕፈት
ቀንዲ ሓሳባት ‘ዋሕታ’ ዝብል ምንባብ ብሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
160
ሰሙን 28
ዓርሰ ንባብ
ፍቕሪ ሃገር
ፍቕሪ ሃገር ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ዝህሉዎም ልዑል ሓልዮትን ፍቕሪ
ሃገሮምን ወገኖምን እዩ። ሃገር ድሕንነታ ዝተሓለወን ምዕብልቲን
እትኸውን ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዝገብሩዎ ዕዙዝ
ምንቅስቓስ እዩ። ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ዜጋ ውልቃዊ ካብ ዝኾነ ነገር
ሃገራዊ ረብሓ የቐድም። ምስ ከምኡ ዝበሉ ዜጋታት ተሓባቢሩ ኣብ
ሃገሩ ዝረአዩ ፀገማት ይፈትሕ።

ዜጋታት ንሃገሮም ዝገብሩዎ ኣስተዋፅኦ ዝተፈላለየ ክኸውን


ይኽእል። ሃገር ካብ ደጋዊን ውሽጣዊን ፀላእቲ ብምክልኻል
ድሕንነታ ምሕላው ሓደ መግለፂ ፍቕሪ ሃገር እዩ። ድሕንነት
ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ዝተዓጠቑ ጥራሕ ኣይኮኑን። ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊን
ቁጠባዊን ፀገማት እውን ድሕንነት ሓንቲ ሃገር የማስኑ እዮም።

ሓደ ዜጋ ኣብ ዓውዲ ስራሕ ምሉእ ዓቕሙ ብምዉፋይ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ከርእይ ይኽእል።
ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ዜጋ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ቤት ዕዮ ተቖፂሩ ብቕንዕናን ተገዳሲነትን
ንህዝቢ የገልግል። ሰዓት ስራሕ ምኽባርን ግቡእ ግልጋሎት ንወገናት ምሃብን እውን መግለፂ
ፍቕሪ ሃገር እዩ። ስለዚ ኣብ ሕክምና፣ ምስትምሃር፣ ሕርሻ፣ ምህንድስና፣ ወዘተ. ዝሰርሑ
ክኢላታት ግቡእ ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግብኦም።

ተምሃሮ እውን ትምህርቶም ብግቡእ ተኸታቲሎም ዘድሊ ፍልጠት እንተጨቢጦም ንባዕሎምን


ንሃገሮምን ዘለዎም ትዅረት ልዑል ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ ሃገራዊ ሓላፊነት ብብቕዓት
ንምውፃእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት እዩ ዝጅምር። ስለዝኾነ ትምህርቲ
ኣቋሪፅካ ኣብ ዘየድልይ ቦታ ምውዓል ካብ ሓደ ፈታዊ ሃገር ወይ ዜጋ ዝሕሎ ኣይኮነን።

ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝተዋፈሩ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ እውን ሕጋዊ ስራሕቲ ንግዲ


ብምፍፃም ንሃገሮም ዘለዎም ተገዳሲነት ከርእዩ ይግባእ። ካብ ዝተፈላለዩ ዘይግቡእ ንግዳዊ
ምንቅስቓሳት ተዓቂቦም ብሕጊን ደንቢን ጥራሕ ብምስራሕ ወገናዊነቶም ከረጋግፁ ይኽእሉ።
ካብኦም ዝግባእ ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ኣብ ልምዓት ዓዲ ብዕዙዝ ክሳተፉ ኣለዎም።

ብሓፈሻ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎም ዜጋታት ንሃገሮም ካብ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ብምንጋፍ
ድሕንነታ ዝተሓለወን ምዕብልቲን ክትከውን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብሩ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
161
ሰሙን 28

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ሓርበኛነት
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት
ተመያየጡሎም።
1. ሓርበኛ እንትበሃል ሰሚዕኹምዶ ትፈልጡ?
2. ኣብ ከባቢኹም ብሓርበኛነት ዝፍለጡ ሰባት ኣለዉዶ?
ንምንታይ ሓርበኛ ተባሂሎም ወይ ተባሂለን?
ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
ኣንፃር ወራሪ ጣልያን ዝተጋደሉ ኣንፃር ዘውዳዊ መግዛእቲ ኣንፃር መሃዲስት

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ዛንታ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. “ሓርበኛነት” እንታይ ማለት እዩ?
2. ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ዜጋ እንታይ ሓላፊነት ይዋፃእ?
3. “ሓርበኛነት ንኩለ መደያዊ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ወሳኒ እዩ” ዝበሃል ንምንታይ እዩ?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ኢንቨስት መንት ሙያ ተኛ ታት ምንቅስቓስ ኣት
ዓርሰ ንባብ
ፍቕሪ ሃገር
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኣብ ከባቢኹም ንሃገሮም ብዘለዎም ፍሉይ ፍቕሪ ዝፍለጡ ሰባት ኣለዉዶ?
2. ፍቕሪ ሃገር ዘለዎም ሰባት ንሃገሮም እንታይ ይገብሩ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሰዓት ስራሕ ምኽባር ግልጋሎት ኣብ ምሃብ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
162
ሰሙን 28 1ይ መዓልቲ

2. ንደሕንነት ሃገር ጠንቂ ዝኾኑ እንታይ እዮም?


3. ሓንቲ ሃገር ደሕንነታ ዝተሓለወን ዝማዕበለትን ንኽትከውን ዘኽእላ እንታይ እዩ?
4. ክኢላታት ንሕብረተሰብ ከመይ ገይሮም የዕግቡ?
ሐ. ብመሰረት እቲ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ትምህርቲ ብግቡእ ምክትታል ምስ ፍቕሪ ሃገር እንታይ ርክብ ኣለዎ?
2. ንሃገር ዝግበር ኣበርክቶ እንታይ እዩ?
3. መግለፂ ፍቕሪ ሃገር ካብ ዝበሃሉ ክልተ ጥቐሱ።
4. ካብ ነጋዶን ሰብ ወልቀ ሃፍቲን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ቃላት
ነዞም ዝተሰመረሎም ቃላት ትኽክል ዝኾነ ፍታሕ ምረፁሎም።
1. ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ንፀላእቲ መኪቶም ሃገሮም ብናፅነት ኣፅኒሖም።
ሀ. ወሪሮም ለ. ተኸላኪሎም ሐ. ተሓባቢሮም መ. ተሓጋጊዞም
2. ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ከፊሎም እዮም።
ሀ. ክቡር ለ. መወዳእታ ሐ. ካልአይቲ መ. ኩሎም
3. ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ተሰዊኦም እዮም።
ሀ. ተፀጊሞም ለ. ህይወቶም ከፊሎም ሐ. ተሰዲዶም መ. ተዋጊኦም
4. ሓርበኛታት ሃገርና ታሪኾም ዘልኣለማዊ እዩ።
ሀ. ኩሉ ግዘ ዝዝከር ሐ. ንኹሉ ዝግለፅ
ለ. ሓሓሊፉ ዝንገር መ. ኩሎም መልሲ እዮም

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ምኽባር 3. ምድጋፍ 5. ሞያተኛ
2. ፍቕሪ ሃገር 4. ሕጋዊ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
163
ሰሙን 28

2Guyya

መዓልቲ 2

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ኢንቨስትመንት ሙያተኛታት ምንቅስቓሳት

ዓርሰ ንባብ
ፍቕሪ ሃገር
“ፍቕሪ ሃገር” ዝብል ምንባብ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።
ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ካብ “ለ” ናብ “ሀ” ብተመሳሳሊ ኣዛምዱ።
ሀ 1. ሓልዮት 2. ደጋዊ 3. ምንጋፍ 4. ወፈያ 5. መፃኢ

ለ ሀ. ኣበርክቶ ለ. ምልቃቕ ሐ. ቀፃሊ መ. ወፃኢ ረ. ተገዳስነት

ፅሕፈት
ፍቕሪ ሃገር ዘለዎም ዜጋታት ንሃገሮም ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ዝገልፅ ካብ 5-6
ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

3Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
ሓርበኛነት
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ሓርበኛነት ካብ ዝብል ምንባብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ትዝክሩ?
2. መግለፂ ሓርበኛነት እንታይ እንታይ እዮም?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ኲናት ዓድዋ መዓዝ ተኻይዱ?
2. ኣንፃር ባዕዳውያን ኣብ ዓውዲ ኲናት መስዋእቲ ዝኸፈለ ኢትዮጵያዊ መራሒ ሃገር
መን እዩ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
164
ሰሙን 28 3ይ መዓልቲ

3. ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ዜጋ እንታይ የቕድም?


4. ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንኽንደይ ዓመት ተኻይዱ?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ትኽክል ንዝኾኑ “ሓቂ” ንዘይኮኑ ድማ “ጌጋ”
እናበልኩም መልሱ።
1. ውልቃዊ ረብሓ ዘቐድም ሰብ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ እዩ።
2. ሓርበኛነት ኣብ ውግእ ንዝተሳተፉ ጥራሕ ዝወሃብ እዩ።
3. ኣብ ውግእ ዓድዋ፣ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ኣፅዋር ዝወነነ ሰራዊት ነይርዋ።

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላትን ጥብቆታትን እናጠመርኩም ፀሓፉ።
ብ ብቕዓት ን ብ ምኽባር ን ብ ምኽፋል ን

ዓርሰ ንባብ
ፍቕሪ ሃገር
“ፍቕሪ ሃገር” ንዝብል ምንባብ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ተመሳሳሊ ፍታሕ ፀሓፉ።
1. ምትላል 2. ምዉፋይ 3. ዕዙዝ 4. ግቡእ

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ባዕዳዊ 2. መግዛእቲ 3. ውፁዓት 4. መኣዲ 5. ፍትሒ

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ብብቕዓትን ብምኽባርን ብምኽፋልን

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
165
ሰሙን 28 4ይ መዓልቲ

ዓርሰ ንባብ
ፍቕሪ ሃገር
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. “ፍቕሪ ሃገር” ካብ ዝብል ምንባብ እንታይ ቁም ነገር ጨቢጥኩም?
2. ንሃገርኩም ዘለኩም ፍቕሪ ብምንታይ ትገልፁዎ?
ለ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብመሰረት ምንባብ መልሱ።
1. ፍቕሪ ሃገር ብምንታይ ይግለፅ?
2. ክኢላታት ብግቡእ ሓላፊነቶም እንተዘይፈፂሞም ኣብ ሃገር እንታይ ፀገም
የጋጥም?
3. ፍቕሪ ሃገር ዘይብሉ ዜጋ ኣብታ ሃገር እንታይ ጉድኣት የብፅሕ?
ሐ. ልክዕ ንዝኾነ “ሓቂ” ንዘይኮይነ ድማ “ጌጋ” እናበልኩም መልሱ።
1. ኩሉ ዜጋ ሃገራዊ ግዴታኡ ክፍፅም ኣለዎ።
2. ትምህርቲ ምቁራፅ ንተምሃሮ ሃገራዊ ግቡኦም እዩ።
3. መግለፂ ፍቕሪ ሃገር ንባዕዳዊ ፀላኢ ምምካት ጥራሕ እዩ።
4. ሃገር እትምዕብል ብውልቀ ሰባት ሰናይ ድልየት እዩ።

ቃላት
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ኣብ ምሉእ ሓሳብ ንዝተሰመረሎም ቃላት ተክኡ።
ኣብነት ተፃባእቲ ወገናት
1. ሃገር ድሕንነታ ዝተሓለወን ምዕብልቲ እትኸውን ደቂ ሃገር ብዝገብሩዎ ኩለ
መዳያዊ ምንቅስቓስ እዩ።
2. ብብቕዓትን ተወፋዪነትን ምስራሕ ሓደ መርኣያ ፍቕሪ ሃገር እዩ።
3. ሃገር ካብ ፀላእቲ ምክልኻል ሓላፊነት ኩሉ ዜጋ እዩ።

ፅሕፈት
ከም ኣብነት ካብ ዝቑፀሩ ሓርበኛታት ተጋሩ ብዛዕባ ሓደ ወይ ድማ ሓንቲ ካብ
6-8 ምሉእ ሓሳባት ተጠቒምኩም ዓንቀፅ ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
166
ሰሙን 29
ዓርሰ ንባብ
ቀሺ ገብሩ
ተጋዳሊት ሙሉ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ፍሉይ ስሙ መጋርያ
ፀብሪ ኣብ ዝበሃል ቦታ ተወሊዳ። ኣቦኣ ቀሺ ገብረእግዚኣብሄር
ወሉ፣ ኣዲኣ ወይዘሮ ለተማርያም ገብርየን ይበሃሉ። ሙሉ
ብቁልዕነታ ንቤተሰባ ስራሕቲ ገዛን ሕርሻን እንዳሓገዘት
ዓበየት። ኣብቲ እዋን ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ትምህርቲ ስለዘይነበረ ኣይተምሃረትን።

ተጋደልቲ ኣብ መጋርያ ፀብሪ ክንቀሳቐሱ ምስ ጀመሩ ሙሉ ቀልባ ናብ ቃልሲ ምኻያድ


ጀመረ። ብ1974 ዓ.ም. ድማ ናብ ቃልሲ ተፀምበረት። ኣብ ታዕሊም እናሃለወት ኣብ ዝግበሩ
ዝነበሩ ንጥፈታት ተዋስኦ እናሰርሐት ተበራብር ነበረት። ኣብ መብዛሕትኦም እትሰርሖም
ተዋስኦታት ከም ወዲ ተባዕታይ ኮይና ብፍላይ ባህሪይ ቀሺ ተላቢሳ ትሰርሕ ስለዝነበረት
ብብፆታ “ቀሺ ገብሩ” ዝብል ሳጓ ተውሂቡዋ።

ተጋዳሊት ሙሉ ታዕሊም ወዲኣ ናብ ሓይሊታት ምስ ተመደበት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት


ኲናት ተሳተፈት። ብ1975 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ኣፅቢ ምስ ደርጊ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ኢዳ
ተወቕዐት። ሙሉ ብ1978 ዓ.ም. ኣብ ወፍሪ ኣግኣዚ ተሳቲፋ መስተንክራዊ ጀግንነት
ኣመስኪራ። ተጋዳሊት ሙሉ ብዝነበራ ጥንካረን ክእለትን መራሒት ኣሃዱ ኮይና። ሙሉ
ብ1979 ዓ.ም. እውን ምስ መበል 16 ክፍለ ሰራዊት ደርጊ ኣብ ዝተገብረ ውግእ እግራ
ተወቕዐት።

ብ1981 ዓ.ም. ኣብ ዝተጣየሸት ሓዳሽ ክፍለ ሰራዊት “ሜይ ደይ” ተመደበት። ኣብ ትሕቲ
ረጅመንት መራሒት ሓይሊ ዓሰርተ ሰለስተ ኮይና ተዋጊኣ፣ ኣዋጊኣ። ብቀሺ ገብሩ እትምራሕ
ሓይሊ ዓሰርተ ሰለስተ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከባቢ ኮረም ሓያል ውግእ ኣካይዳ። ኣብዚ
ኵናት እውን ቀሺ ገብሩ ምስ ብፆታ ዘኹርዕ ጅግንነታዊ ተግባር ፈፀመት። ብ27 ጥሪ 1982
ዓ.ም. ክምር ድንጋይ ኣብ ዝበሃል ቦታ ሙሉ ምስ 179 ብፆታ ድሕሪ ዕርዲ ንዝነበረ ደጀን
ሰራዊት ፀላኢ ኣብ ምጥቃዕ እናሃለወት ጥይት ወዲኣን ቆሲላን ኣብ ኢድ ፀላኢ ወደቐት።
ብትረታ ዝደንገፀ ስርዓት ደርጊ ምስ 58 ብፆታ ኣዘዞ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ረሸና።

(ፍልፍል፡- ጋዜጣን ቴለቭዥን ኢትዮጵያን፣ ተመሓይሹ ዝተወሰደ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
167
ሰሙን 29

1ይGuyya
መዓልቲ 2

ምድማፅ
ሓየሎም
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ
ተመያየጡሉ።
ብዛዕባ እቲ ስእሊ እንታይ ትፈልጡ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
ስም ሓየሎም
ስም ኣቦ
ስም ኣዶ
ትውልዲ ቦታ
ትውልዲ ዘበን
ቀዳማይ ብርኪ
ካልኣይ ብርኪ
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ሓየሎም ኣብ ገዝኡ መን ዝብል ስም ነይሩዎ?
2. መማህርቲ ሓየሎም ብዛዕባ ባህሪይ ንእስነቱ እንታይ ይብሉ?
3. ደቂ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም መን መን ይበሃሉ?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላትን ጥብቆን እናጠመርኩም ኣንብቡ።
መስተንክር ኣዊ ተኣምር ኣዊ ጅግንነት ኣዊ

ዓርሰ ንባብ
ቀሺ ገብሩ
ሀ. ቅድሚ ምንባብኩም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ብዛዕባ ቀሺ ገብሩ እንታይ ትፈልጡ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
168
ሰሙን 29 1ይ መዓልቲ

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሓፀርቲ መልሲታት ሃቡ።


1. ትውልዲ ቦታ ተጋዳሊት ሙሉ፡- ________

2. “ተፀምበረት“ (ዓንቀፅ 2) ________ ማለት እዩ።

3. ተጋዳሊት ሙሉ ታዕሊም ምስ ወደአት ዝተመደበለትሉ፡- ________


ሐ. ብመሰረት ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ንተጋዳሊት ሙሉ “ቀሺ ገብሩ” ዝብል ሳጓ ንምንታይ ወፂኡላ?
2. ተጋደልቲ ኣብ መጋርያ ፀብሪ ምንቅስቓስ ምስ ጀመሩ ሙሉ እንታይ ገይራ?
3. ሙሉ ኣብ ታዕሊም እናሃለወት ብተወሳኺ እንታይ ትሰርሕ ነይራ?

ቃላት
ብመሰረት እቲ ምንባብ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ፀሓፉ።
1.ተበራብር 2. ሳጓ 3. ተዋጊኣ 4. ዘዅርዕ 5. ረሸና

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ረሸነ 2. ብፃይ 3. ኣበራቢራ 4. ጅግንነት 5. መራሒት

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላት እናነፀልኩም ኣንብቡ።
መስተንክራዊ ተኣምራዊ ጅግንነታዊ

ዓርሰ ንባብ
ቀሺ ገብሩ
“ቀሺ ገብሩ” ንዝብል ታሪኽ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።
ቃላት
ኣብ “ሀ” ዘለዉ ቃላት ምስ ኣብ “ለ” ዘለዉ ብተመሳሳሊ ፍታሖም ኣዛምዱ።
ሀ 1. ሓበረ 2. መዓርግ 3. ተሰዊኡ 4. ኣመስኪራ 5. ትረት

ለ ሀ. ሞይቱ ለ. ኣረጋጊፃ ሐ. ፅንዓት መ. ኣመልከተ ረ. ሽመት

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
169
ሰሙን 29 2ይ መዓልቲ

ፅሕፈት
ንመፃምዲኹም ብምሕታት ነዚ ዝስዕብ ሰደቓ ምልኡ።
1. ስም
2. ስም ኣቦ
3. ስም ኣዶ
4. ትውልዲ ዘበን
5. ትውልዲ ቦታ
6. በዝሒ ኣሕዋትን ኣሓትን
7. ስራሕ ቁልዕነት

3Guyya

መዓልቲ2
ምድማፅ
ሓየሎም
ሀ. ቅድሚ ምድማፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. ሓየሎም መን እዩ?
2. ብዛዕባ ሓየሎም ካብ ዘዳመፅኩምዎ እንታይ ነይሩ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዚ ቀፂሉ ዘሎ ሰደቓ ምልኡ።
ዓ. ም. ፍፃመ
1948 ሓየሎም ተወሊዱ።
1967
1978
1988

ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ታሪኽ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ሓየሎም ኣብ ስርዓት ሃይለስላሰ ንምንታይ ይእሰርን ይፍታሕን ነይሩ?
2. ዕላማ ወፍሪ ኣግኣዚ እንታይ ነይሩ?
3. ኣብ ምድምሳስ 604 ኮር ግደ ሓየሎም እንታይ ነይሩ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
170
ሰሙን 29 3ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ ቃላትን ጥብቆን እናጠመርኩም ፀሓፉ።
መስተንክር ኣዊ ተኣምር ኣዊ ጅግንነት ኣዊ

ዓርሰ ንባብ
ቀሺ ገብሩ
“ቀሺ ገብሩ” ዝብል ታሪኽ ብፅፈት ኣንብቡ።

ቃላት
ኣብ ሰደቓ ካብ ዝተውሃቡ ቃላት እናመረፅኩም ምስ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ቃላት
ብምፅማድ ትርጉም ዘለዎም ሓረጋት መስርቱ።
ሰራዊት ኲናት ደርጊ ሓይሊ ህንፀት

1. መራሒ 2. ዓውደ 3. ክፍለ 4. ቤት 5. ስርዓት

ፅሕፈት
ኣብ ሰሙን 29 ዕለት 2 ዝመላእኹምዎ ሰደቓ ተጠቒምኩም ሓፂር ታሪኽ
ህይወት መፃምዲኹም ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናነፀልኩም ፀሓፉ።
መስተንክራዊ ተኣምራዊ ጅግንነታዊ

ዓርሰ ንባብ
ቀሺ ገብሩ
ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ብዛዕባ ቀሺ ገብሩ ካብ ዘንበብኩሞ እንታይ ትዝክሩ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
171
ሰሙን 29 4ይ መዓልቲ

ለ. እናንበብኩም ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ፍፃመታት ዝተፈፀሙሉ ዓመተ ምህረት


ኣብቲ ካልኣይ ዓንዲ ምልኡ።
ፍፃመ ዓ.ም.
ናብ ቃልሲ ኣትያ።
ኣብ ወፍሪ ኣግኣዚ ተሳቲፋ።
ኣብ ክፍለ ሰራዊት ሜይ ደይ ተመዲባ።

ሐ. ብመሰረት ዘንበብኩምዎ ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. ተጋዳሊት ሙሉ ኣብ እዋን ቁልዕነታ ዘይተምሃረት ንምንታይ እዩ?

2. ተጋዳሊት ሙሉ ኣብ ኣየናይ ዓውደ ኲናት እያ ኢዳ ተወቒዓ?

3. ብ1981 ዓ.ም. ተጋዳሊት ሙሉ ነየናይ ሓይሊ መሪሓ?

4. ተጋዳሊት ሙሉ ኣበይን መኣዝን ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቓ?

ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብ ምንባብ ድለዩ።
1. ወላዲታ (ዓንቀፀ 1) 3. ስራሕቲ (ዓንቀፅ 2) 5. ድፋዕ (ዓንቀፅ 4)
2. ኣተወት (ዓንቀፅ 2) 4. መደመሚ (ዓንቀፅ 3)

ፅሕፈት
ታሪኽ ህይወትኩም ብኽልተ ዓንቀፃት ፀሓፉ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
172
ሰሙን 30
ዓርሰ ንባብ
ጥዕናዊ ፀገም ዘየምከኖ ሕልሚ
መምህር ትበርህ ወልደገብርኤል ኣብ ዓድዋ ብ1934 ዓ.ም.
ተወሊደን። ኣብ ከባቢአን ዘበናዊ ትምህርቲ ምስተጀመረ
ካብ 15 ተምሃሮ ደቂ ክፍለን ብሕታዊት ጓል ኣንስተይቲ
ተምሃሪት ኮይነን ጀመራ። ሃገራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ
ልዑል ውፅኢት ኣምፂአን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ
ዕፁው ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስቲዮ ትምህርተን ቀፀላ።
ብሙያ መምህርነት ሰልጢነን ብድልየተን ናብ ትግራይ
ብምምፃእ ኣብ ከተማ ዓድዋ ስራሕ ጀመራ። በዚ ድማ ፈላሚት ትግራወይቲ ጓል ኣንስተይቲ
ትግራወይቲ መምህር ኮና። ኣብ ዓድዋ ብመምህርነት ምምዳበን ንብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስቲዮ
ምልዕዓል ፈጠረለን።

መምህር ትበርህ ትምህርቲ ንምቕፃል ዓሚቚ ድልየት ስለዝነበረን መእተዊ ፈተና ወሲደን
ዩኒቨርስቲ ኣተዋ። ኣብ መንጎ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺበን ናብ ኣመሪካ ከዳ። ኣብቲ ዓዲ ኣብ
ዝርከብ ኦሃዮ ዩኒቨርስቲ ንሰለስተ ዓመታት ተማሂረን ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቐን ናብ ዓደን
ተመለሳ። መምህር ትበርህ ብሕብረተሰብ ሳይንስ፣ ብውሕልና ሳይንስን ብስነ ትምህርቲን
ቀዳማይ ዲግሪ ኣለወን።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ መምህር ትበርህ ምስ ቤተሰበን ካብ ስደት ዓዲ እንግሊዝ ናብ ዓደን


ብምምፃእ ኣብ ከተማ መቐለ ናብራ ጀመራ። ብፍላይ ኣዴታት ደቀን ንምዕባይ ዘጋጥመን
ዝነበረ ቁጠባዊ ፀገም ተዓዚበን መፍትሒ ንምድላይ ወሰና። ዓዲ እንግሊዝ እናሃለዋ ዘጋጠመን
ፀገም ጥዕና ተፀዊረን ግዲአን ከበርክታ ተዳለዋ።

መምህር ትበርህ ብ1993 ዓ.ም. ንመናእሰይ እኖታት ካብ ፀገም ንምውፃእ “እኖታት ንእኖታት”
ዝብል ማሕበር ገባሪ ሰናይ ኣጣየሻ። እዛ ማሕበር ንብዙሓት መራሕቲ ስድራ ኣዴታት፣
ንሕሙማት ኤድስን ንጎደና ሓደርቲን ቁጠባዊ ሓገዛት እያ እተበርክት። ምስ ዝምልከቶም
ትካላት ብምትሕብባር ወገናት፣ ሙያዊ ስልጠና ረኺቦም ዓርሶም ክኽእሉ እውን ትሕግዝ
እያ። ሕሙማት ኤድስ ብምሕብሓብን ግንዛበ ሕብረተሰብ ክብ ንምባልን ዘይተሓለለ ፃዕሪ
እናገበረት ትርከብ። እዛ ማሕበር ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቅላል ብእትፍፅሞም ዘላ ሰናይ
ተግባራት ሕልሚ መምህር ትበርህ ኣብ ምግሃድ ይርከብ።
(ፍልፍል፡- መፅሄት ወይን፣ ተመሓይሹ ዝተወሰደ)

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
173
ሰሙን 30

1Guyya

መዓልቲ 2

ምድማፅ
ኣያ እዛ መሬት!

ሀ. ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ተመያየጡሉ።
ብዛዕባ ኣብዚ ስእሊ እትርእዩዎም ሰብ እንታይ
ትፈልጡ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. ዶክተር ተወልደ ብርሃን ካብ ኣቦኦም ___ ኣዲኦም ___ ተወሊዶም።
2. ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ናብ ___ ኣተዉ።
3. ዶክተር ተወልደብርሃን ብስረሖም ፍሉጥ ___ ኮኑ።
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ዶክተር ተወልደብርሃን ካብ 1970 ዓ.ም. ክሳብ 1974 ዓ.ም. ኣበይ ይሰርሑ
ነይሮም?

2. ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ንዶክተር ተወልደብርሃን ንምንታይ ሸሊሙዎም?

3. ዶክተር ተወልደብርሃን ካብ ኣየናይ ዩኒቨርስቲ እዮም ዶክትሬት ዲግሪ ረኺቦም?

4. ካብዚ ዘዳመፅኩምዎ ታሪኽ እንታይ ትምሃሩ?

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ዝስዕቡ እናጠመርኩም ኣንብቡ።
ን ዝ ተፃወቱ ን ዝ ተፀገሙ ን ዝ ተፈላለዩ

ዓርሰ ንባብ
ጥዕናዊ ፀገም ዘየምከኖ ሕልሚ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ኣብ ክፍሊ ተመያየጡሎም።
1. ኣብ ከባቢኹም ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣለዉዶ?
2. ትዅረት እዞም ትካላት እንታይ እዩ?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
174
ሰሙን 30 1ይ መዓልቲ

ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።


1. መምህር ትበርህ ወልደገብርኤል ኣበይን መኣዝን ተወሊደን?
2. መምህር ትበርህ ካብ ስደት መዓዝ ተመሊሰን?
3. መምህር ትበርህ ሻምናይ ክፍሊ ፅቡቕ ውፅኢት ምስ ኣምፀኣ እንታይ ገይረን?
ሐ. ብመሰረት ምንባብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. መምህር ትበርህ ኣብ ዓድዋ ምምዳበን እንታይ ስምዒት ፈጢሩ?
2. መምህር ትበርህ ዕድል ትምህርቲ ረኺበን ናበይ ከይደን?
3. ኣብ ዓድዋ ምስ መምህር ትበርህ ዝመሃራ ክንደይ ደቂ ኣንስቲዮ ነይረን?

ቃላት
ካብዞም ዝስዕቡ ቃላት እናመረፅኩም ነቶም ሓሳባት ኣማልኡ።
ፀብለልታ ምቅላል ኣቃሊሉ መኽበሪ
1. ኣይተ ታደሰ ፈታዊ ደቆምን _________ በዓልቲ ቤቶምን እዮም።
2. እቲ ፃዕራም መንእሰይ ጠንኪሩ ብምስርሑ ቁጠባዊ ፀገሙ______።
3. እቶም ርእሰ መምህር ___________ ንዘርአዩ ተምሃሮ ሸሊሞም።
4. ካብ ምእካብ በብመዓልቱ እናሰራሕኻ _________ ይምረፅ።

ፅሕፈት
በዞም ዝስዕቡ ቃላት ምሉእ ሓሳባት ህነፁ።
1. ምልዓል 2. ምርቓ 3. ፃዕሪ 4. ሓርበኛ 5. ስደት

Guyya 2
2ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናነፀልኩም ኣንብቡ።
ንዝተፃወቱ ንዝተፀገሙ ንዝተፈላለዩ

ዓርሰ ንባብ
ጥዕናዊ ፀገም ዘየምከኖ ሕልሚ
ነቲ ታሪኽ ብናህሪ ኣንቢብኩም ቀንዲ መልእኽቲ ግለፁ።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
175
ሰሙን 30 2ይ መዓልቲ

ቃላት
ኣብ ሓፁር ካብ ዝተውሃቡ መማረፂታት ምስ ዝተወሃበ ሓሳብ ዝሰማማዕ
ምረፁ።
1. __ ጓል ኣንስተይቲ (ብሕታዎት፣ ብሕታዊት፣ ብሕታዊ)
2. __ ጓል ኣንስተይቲ (ፈላሚት፣ ፈላሞት፣ ፈላሚ)
3. ኣብ ከተማ ዓድዋ __ (ንመደብ፣ ትምደብ፣ ተመዲበን) ሰሪሐን።
4. ገባሪ ሰናይ ማሕበር __ (ምጥያሽ፣ ኣጣይሸን፣ ዝተጣየሸ) እናሰረሓ ይርከባ።
ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ካብ ዘለዉ ፍሉጣት ሰባት ንሓደ ብምምራፅ በዚ ዝስዕብ ቅጥዒ
ብዛዕባ እቲ ሰብ መረዳእታ ፀሓፉ።
1. ስም ___________ 4. ትውልዲ ቦታ _______
2. ስም ኣቦ ________ 5. ኩነታት ትምህርቲ _______
3. ስም ኣዶ _______ 6. ዝሰርሖም ስራሕቲ ________

3Guyya

መዓልቲ2

ምድማፅ
ኣያ እዛ መሬት!
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጡሎም።
1. “ኣያ” እንታይ ማለት እዩ?
2. ርእሲ እዚ ምንባብ ምስ ዶክተር ተወልደብርሃን ብኸመይ ይዛመድ?
ለ. እናዳመፅኩም ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዶክተር ተወልደብርሃን መዓዝ ሸሊሙዎም?
2. ዶክተር ተወልደብርሃን ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣበይ ወዲኦም?
3. ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዶክተር እንታይ ዝብል ሽልማት ኣበርኪቱሎም?
ሐ. ብመሰረት ዘዳመፅኩምዎ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
1. ዶክተር ተወልደብርሃን ንምንታይ መዳልያ ወርቂ ተሸሊሞም?
2. ካብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመለሱ ዶክተር ተወልደብርሃን ኣበይ ሰሪሖም?
3. ዶክተር ተወልደብርሃን ንሓረስቶት ኣፍሪካ ወኪሎም ብዛዕባ እንታይ መጒቶም?

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
176
ሰሙን 30 3ይ መዓልቲ

ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ እናጠመርኩም ፀሓፉ።
ን ዝ ተፃወቱ ን ዝ ተፀገሙ ን ዝ ተፈላለዩ

ዓርሰ ንባብ
ጥዕናዊ ፀገም ዘየምከኖ ሕልሚ
ነቲ ታሪኽ ብፅፈት ኣንብቡ።
ቃላት
ብመሰረት እቲ ምንባብ ተመሳሳሊ ፍታሕ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ፀሓፉ።
1. ሰናይ 2. ምልዓል 3. ሕሱም 4. ቅዱስ

ፅሕፈት
ኣብ ከባቢኹም ብዛዕባ ዝርከብ ፍሉጥ ሰብ ዝኣከብኩምዎ መረዳእታ ተጠቒምኩም፣
ሓደ ዓንቀፅ ፀሓፉ።

Guyya 2
4ይ መዓልቲ
ምጥማርን ምንፃልን
ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት እናነፀልኩም ፀሓፉ።
ንዝተፃወቱ ንዝተፀገሙ ንዝተፈላለዩ

ዓርሰ ንባብ
ጥዕናዊ ፀገም ዘየምከኖ ሕልሚ
ሀ. ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተመያየጡሎም።
1. “ጥዕናዊ ፀገም ዘየምከኖ ሕልሚ” ካብ ዝብል ምንባብ እንታይ ትዝክሩ?
2. መምህር ትበርህ ብመምህርነት ምምዳበን ኣብ ካልኦት ደቂ ኣንስቲዮ እንታይ ፈጢሩ?
ንምንታይ?
ለ. እናንበብኩም ነዞም ዝስዕቡ ባዶ ቦታታት ምልኡ።
1. መምህር ትበርህ ቀዳማይ ዲግሪ ብ _______ ወደኣ።
2. ፀገም ማሕበረሰብ ንምቅላል መምህር ትበርህ ___ ዝብል ማሕበር ኣጣዪሸን።

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
177
ሰሙን 30 4ይ መዓልቲ

ሐ. ልክዕ ንዝኾነ “ሓቂ” ልክዕ ንዘይኮነ “ጌጋ” እናበልኩም መልሱ።


1. ድሕሪ ውድቀት ደርጊ መምህር ትበርህ ናብ እንግሊዝ ተሰዲደን።
2. መምህር ትበርህ ትምህርቲ ንምቕፃል ዓሚቝ ድልየት ነይሩወን።
3. “እኖታት ንእኖታት” ዝብል ማሕበር መንግስታዊ ገባሪ ሰናይ እዩ።
4. መምህር ትበርህ ነቲ ዝነበረ ድኽነት ተዓዚበን ርእየን ከምዘይረአያ ኮይነን።

ቃላት
ተመሳሳሊ ፍታሕ እቶም ዝተሰመሩሎም ቃላት ምረፁ።
1. ነበርቲ ሰራዋት መፍትሒ ፀገም ዝስተ ማይ ንምንዳይ ዘትዮም።
ሀ. ንምግላፅ ለ. ንምእላሽ ሐ. ንምስትውዓል መ. ንምምርማር
2. መምህር ትበርህ ዘጋጠመን ፀገም ተፃዊረን ሕልመን ጋህዲ ገይረን።
ሀ. ተግባራዊ ለ. ቀትሪ ሐ. እዋናዊ መ. ዘልኣለማዊ
3. ወይዘሪት ትሕሽ ኣሰናዳኢት ውልቀ ጋዜጣ እያ።
ሀ. ኣቕራቢት ለ. መዳለዊት ሐ. ፀሓፊት መ. ቀያሲት

ፅሕፈት
ካብዞም ዝስዕቡ ፍሉጣት ሰባት ብዛዕባ ሓዲኦም ክልተ ዓንቀፃት ፀሓፉ።
1. ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ 3. ኣትሌት ወርቅነሽ ኪዳነ
2. ተጋዳሊት ማርታ ተስፋይ 4. ድምፃዊ ኪሮስ ኣለማዮህ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
178
ማህደረ ቃላት
መዕጥቖ ዘወርቲ መካይን ክዝዉሩ እንተለዉ ምስ እቲ ኮፍ መበሊኦም ዝዕጠቕዎ

ቁልፊ

መግሃጫ እንስሳ ዘቤት ዝውዕላሉ፣ ሳዕሪ ማዕሪ ዝግህፃሉ ቦታ

ገባሪ ሰናይ ፀገም ሕብረተሰብ ንምቅላል ዝሕግዝ ወይ ዝሰርሕ ሰብ ወይ ትካል

ምልከት ንባብ ቃላት ሓንሳብ ርእይኻ ብዘይ ፀገም ናይ ምልላይ ወይ ምፍላጥ ክእለት

ሽፋን መሬት ኣብ ዙርያ መሬት ዝርከብ ሕዋስ ጋዝ

ምንፃል ድምፂታት፣ ፊደላት፣ ቀለም፣ ጥብቆታት ወይ ቃላት ሓደ ብሓደ ፈሊኻ

ምባል ወይ ምፅራሕ

ምጥማር ድምፂታት፣ ፊደላት፣ ቀለማት፣ ጥብቆታት ወይ ቃላት ነንባዕሎም

እናጠመርካ ምባል (ምንባብ)

ብራኸ ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ዘሎ ርሕቐት (ብሜትር ዝግለፅ)

ናህሪ ንባብ ቕልጣፈ ንባብ ቃላት (ብደቒቓ)

ኣገላልፃ ስርዓተ ነጥቢን ሓሊኻ ብዝርርባዊ ቃና ወይ ላዛ ብዓውታ ምንባብ

ውረድ ደይብ ምዉጋይ፤ ዓዳጊን ሸያጢን ዝገብሩዎ ምልዉዋጥ ሓሳብ

ዓርሰ ንባብ ብሰላሕታ ወይ ድምፅ ከየስማዕኻ ዝግበር ሜላ ንባብ

ዓውዳዊ ፍታሕ ኣብ ዝርርብ ወይ ፅሑፍ ዝህሉ ፍታሕ (ቃል ወይ ሓረግ)

ጐናዊ ምህርቲ ሓደ ነገር እንትስራሕ እግረ መንገዲ ዝርከብ ወይ ዝፍጠር

ፀፍሒ ባሕሪ ባሕሪ ምስ መሬት ኣብ ዝራኸበሉ ቦታ ዘሎ ማእኸላይ ብራኸ

ፅፈት ንባብ ፅሑፍ ብናህሪ፣ ምልከትን ግቡእ ኣገላልፃን ናይ ንባብ ክእለት

ደውታ ስርዓተ ነጥቢ ሓሊኻ ንባብ ደው እተብለሉ ኩነት

ዓውታ ንባብ ድምፂ ዋዕ ኣቢልካ ዝፍፀም ሜላ ንባብ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
179
ሰለጤን ቕልጣፈ፣ ናህሪ

ምእያም ፅሑፍ ዝበለፀ ግልፂን ደረጅኡ ዝሃለወን ንምግባር ኩለ መዳያዊ

ምምሕያሽ ምግባር

ሃበ ተረኸበ ብግቡእ ዘይተሓሰበሉ፣ ብሃንደበት

ኣንፈት ሸነኽ፣ ገፅ (ንሰሜን ንደቡብ ንፀጋም ንየማን ወዘተ.)

ደንፀወ ኣዝዩ ተገረመ

ሳጓ ባህሪይ፣ ተግባር፣ ቅርፂ ኣካል ሰብ ወዘተ. ርእይኻ ዝወፅእ ክንዲ ስም

ወይ ዘይሕጋዊ ስም

ሕዛእቲ ሰብን እንስሳን ክነብሩሉን ክውዕሉሉን ዘይፍቀድ ክልኩል ቦታ

ተሓዳሲ ሓይሊ ምስተጠቐምካ ክትካእ ዝኽእል ዓይነት ኣማራፂ ሓይሊ

ሃንደበታዊ ብድንገት፣ ዘይተሓሰበ ወይ ብሃንደበት ዝተፈፀመ

ዝን ምባል ፍዝዝ፣ ትክዝ ምባል

መስሕብ በፃሕቲ ዓዲ ዝስሕብ ታሪኻዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ዘለዎ ቦታ

ኣማሕፂነኪ በይዛኺ፣ በቦኺ፣ በዴኺ ወዘተ. ኢልካ ምልማን

ባህ ቃሕ፣ ደስ፣ ስምዒት ታሕጓስ

ውርዉራይ መስገሪ ኣጋር፣ ፃዕዳን ፀሊምን ቀለም ዝተለኸየ ኣጋራት ዝሰገሩሉ

መንገዲ

ቀንጠ መንጢ ዝረብሕን ዘይረብሕን፣ እርይራይ፣ እኽብካብ

ጠንቂ ሰንኪ፣ ፀገም ዘስዕብ ነገር ወይ ኩነት

ንቡር ልሙድ፣ ቅቡል ወይ ዝነበረን ዝመስልን፣ ጋሻ ዘይኮነ ነገር

ውንታ ተዘክሮ፣ ዝሓለፈ ዘኪርካ ምሕሳብ

ዋሕታ መስታ፣ ነፀብራቕ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
180
ደሃይ ወረ፣ ሓበሬታ

ማልጣ ማዕራዊ ለውጢ ወይ ሓደ ብሓደ ዝግበር ለውጢ

ከሸነ ምግቢ ሰረሐ፣ ኣፀበቕ

ፈለማ መጀመርታ፣ ነቐደም፣ ቅድሚ ኹሉ

ሰነዳት ፅሑፋት፣ መረዳእታ

መሸከል ቅርፂ ኣካል፣ ቆመና

ብሉፅ ልዑል፣ ዝያዳ፣ ካብ ኩሉ ዝሓሸ

ጎልጎል መይዳ

መሰሰ ጀመረ፣ ቅድሚ ኩሉ ፈፀመ፣ ኣዕደሰ፣ ፈለመ

እጃም ግደ፣ ብፅሒት፣ ታራ

ተበራበር ተለዓዕል፣ ተነቓቕሕ

ሃገር በቈል ሃገራዊ፣ ካብ ደገ ዘይመፀአ፣ ፍረ ዓዲ

ትግርኛ 4ይ ክፍሊ
181

You might also like